2016-06-24 09:37:00

ፊሊፒንስ፥ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ዘይጎነጻዊ ቃልሲ ምውጋድ ፍርዲ ሞት


ኣብ ፊሊፒንስ ብሓድሽ ርእሰ ብሔር ሮድሪጎ ዱተርተ ዝቖመ መንግስቲ ኣብ ሃገሩ እቲ ካብ ናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕጊ ጠሪሹ ዝተሓከ ናይ ሞት ፍርዲ መሊሱ እትው ክብሎ ዘኽእሎ ብፍላይ ነቶም ዓበይቲ ገበናት ዝፍጽሙ ዝምልከት ክኸውን እንክብል ዘበገሶ ፖለቲካዊ ተግባር ክይዕወት ናይ ፊሊፒንስ ብፁዓን ጳጳሳት ዝከኣሎም ኵሉ ክግበሩ ምዃኖም ናይ ፊሊፒንስ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ዱጉፓንን ሊንጋየን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሶክራተስ ቪለጋስ ከምዝገለጹ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ደጊሞም ዘጽንዕዎ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ናይ ማሕበራዊ ትምህርቲ

እቲ ኣብ  ቀረባ እዋን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ደጊሞም ዘጽንዕዎ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ናይ ማሕበራዊ ትምህርቲ ዝጠቐሱ ኣብ ፊሊፒንስ ናይ ሊፓ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ራሞን ኣርጉወለስ ናይ ሞት ፍርዲ ዝፍጸሙ ገበናት ዝገትእ ክኸውን ቢልካ ምሕሳብ ዓቢይ ጌጋ እዩ ስለዚህ ብፍላይ ኣብዚ እዋን’ዚ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ናይ ምሕረት ዓመት ኣብ እተብዕለሉ ዘላትሉ እዋን ናይ ሞት ፍርዲ ቢልካ ምሕሳብ ብሓቂ ዘሕዝን እዩ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ገሊጹ።

ቤተ ክርስቲያን ጸረ ሰብኣውያን ተግባራት እንኽሰቱ ኣእዳዋ ዓጺፋ ተመልካቲት ኰያን ኣይትተርፍን

ናይ ሰቡ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኦስካር ክሩዝ ብወገኖም እውን ናይ ሃገሮም ርእሰ ብሔር ናይ ሞት መቕጻዕቲ ዳግም ኣብ ናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕጊ እትው ንክኸውን ዝብል ዝገልጽዎ ዘለዉ ሓሳብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፊሊፒንስ ብሱቕታ እትምልከቶ ጉዳይ ከምዘይከውን እንከረጋግጹ፡ ናይ ባላንጋ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ሩፐርቶ ሳንቶስ እውን ብወገኖም እግዚኣብሔር ጥራሕ እዩ ኣብ ልዕሊ ሕይወት በዓል ዓቢይ ስልጣን፡ ሕይወት ዝህብን ዝወስድን ንሱ ጥራሕ እዩ እንክብሉ ናይ መንግስቶም ውሳኔ ብምቅዋም ናይ ሞት ፍርዲ ዘይኰነስ ናይ ፍትሕን ሕግን መዋቕርን ናይ ኣባይቲ ማእሰርቲ መዋቕራትን ምሕዳስ እዩ ዘድሊ ከምዝበሉ ዝሓበረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፥

ናይ ሞት ፍርድ ነቲ ኣብ ፊሊፒንስ ዘሎ ንገበነይና ዝወሃብ ናይ ተሓድሶ ሕንጸት ሜላ ዝቃወም እዩ

ርእሰ ብሔር ዱተርተ ቅድሚ ምማራጾም ኣብ ናይ ምረጹኒ ጎስጓስ ገበነይናነትን ገበነይናታትን ንምቅላስን ሕጋውነት ንምስፋሕን ገበነይናታት ግቡእ ፍርዶም ከምዝረኽቡ ርግጸይናነት ክህሉን ዝብል ኣርእስታት ኣማእኪሎም ከምዝነበሩን እንክዝከር ናይ ፊሊፒንስ ሓድሽ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ድርገት ኣቦ መንበር ኾሰ ልዊስ ጉኣስኮን  እቲ መንግስቲ ከተኣታትዎ ዝብል ዘሎ ናይ ሞት ፍርዲ ነቲ ናይ ፊሊፒንስ ናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕጊ ናይ ገበነይና ተሓድሶ ዝብል መስርሕ ዝጻረር እዩ ከምዝበሉ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.