2016-06-24 09:23:00

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16፥ ናይ ተንበርኪኽካ ዝኸውን ቲዮሎጊያ መምህር


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 7 መጋቢት 2016 ዓ.ም.  ዝደረስዎ መቕድምን ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ገርሃርድ ሙዪለርን ዝደረስዎ መእንተውን ዘጠቓለለ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ምምሃርን ምቕሳምን ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝተፈላለዩ ናይ ቲዮሎጊያ ጽሑፋት ዘጠቓልል ናይ ተኸታታሊ መጽሓፍ ካብ 1954 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ምስ ተቐበሉ ኣብ ዘዕረግዎ ናይ መጀመሪያ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝስምዕዎ ስብከት ተበጊሱ ብጠቕላላ 43 ስብከታት ዝሓዘ 304 ገጽ ዘጠቓልል ቀዳማይ መጽሓፍ ብቤት ማሕተም ካንታጋሊ  ዝተሓትመ ናይ ቅዱስስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝኽሪ መበል 65 ዓመት ክህነቶም ምኽንያት ዕለት 29 ሰነ 2016 ዓ.ም. ንንባብ ከምዝበቕዔ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዕለት 28 ሰነ 2016 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ በነዲክቶስ መበል 16 ዝኽሪ መበል 65 ዓመት ክህነት ክበዓል ምዃኑ የመልክቱ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝደረስው መቕድም በነዲክቶስ መበል 16 ኣብነት ንእግዚኣብሔር ናይ ዝውፈይ ሕይወት እንክብሉ ገሊጾም ሕይወቶም ስነ ፍልጠታዊ ብቕዓቶምን ኩሉ ከይበቐቑ ብዘይ ተመሳሰልን ይጥዓመንን ከይዲ ስነ ፍልጠት ናይቲ ኣብራኽካ ዓጺፍካ ናይ ዝብጻሕ ጥበብ ኣብነት እዮም። ብዘይ ተዃለፍ ነፍስን ስጋን ብቐጻልነት ኣብ እግዚኣብሔር ዘእተዉን ልቦም ልክዕ ከምቲ ዘፍቀረ ናብ ዘፍቅሮ ከቕንዕ ዝገብር ወትሩ ናብ እግዚኣብሔር ዝመርሑን ጸሎት ናይ ዝውፈይ ሕይወት ማእከል ምዃኑ ብቓልን ሕይወትን ዝምስክሩ እዮም ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደ ካሮሊስ ኣስዒቦም፥ ሓደ ካህን ናይ ውፉይ ሕይወት ተልእኾ ህላዌ ክርስቶስ ኣብ መንጐ ኣሕዛብ ምስባእ እዩ ከምዚ እንተዘይኰነ ግና እቲ ተደጋጋሚ ዕለት ብዕለት ዝንበር ሕይወት ክህነት ሓቅነት ዘይብሉ ከም ማንም ዓይነት ደሞዝ እናተኸፈለካ እትሰርሖ ዕዮ ኰይኑ እዩ ዝተርፍ፡ ጵጵስና እውን ናይ ቤት ጽሕፈታዊ ዕዮ ይኸውንን እታ ቤተ ክርስቲያን ድማ ናይ ክርስቶስ ቤት ዘይኰነስ ናይ ገዛእ ርእስና ስራሕን ወይ ድማ ዘይመንግስታዊት ናይ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎት ትካል ኰይና ትተርፍ እዛ ቤት ክርስቲያን ከምዚ ምስ እተኸውን ድማ ትርጉም ዘይብላ ትኸውን ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።

በነዲክቶስ መበል 16 በቲ መለለይኦም ዝዀነ ግልጽነትን እቲ ቅድሚ 65 ዓመት ዕለት 28 ሰነ ድልው ውእቱ ተባሂሎም ብስልጣን ቤተ ክርስቲያን ዝተቐበልዎ ክህነት ኣብነታዊ ምዃን ጀሚሩ ናይ ቅድስናን ናይ ሰላምን ናይ እግዚኣብሔር ሰብ ምዃን ዘለዎ ሓጐስ እናመስከሩ ነቢያዊ ኣገልግሎቶም ዘበገሱ ብዘይ እዚ ነቢያዊ ጸጋ’ዚ ክህነት ትርጉም ኣልቦ ኰይኑ ናይ ውዳቤን ናይ ቁጠባን ብቕዓትን ናይ ፍልጠትን ስልጣንን ልዕልና ኰይኑ ከምዝተፍ ኣረጋጊጾምልና እዮም። ኣብ ሕይወት ቅድነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 እቲ ኣብራኽካ ዓጺፍካ ናይ ዝንገርን ዝንበርን ቲዮሎጊያ ዕብየት ነስተውዕል ከምዝበሉ ደ ካሪሊስ የመልክቱ።

እውነተይና ጸሎት፥ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ምስክርነት ግብረኣውነት ዘይብሉ ሓሳብ ዝተመልኤ ረቂቕ እዩ ቢሎም ከምቶም ገለ ገለ ሰባት ስሓስብዎ ዘይነስ ናይ እውነተይና ጸሎት ምስክርነት እዩ። ጸሎት ሕልና ንምድዕዓስ ተባሂሉ ዝኸወን ተግባር ወይ ከኣ ካብ እግዚኣብሔር እንደልዮ ነገር ምስ ዝህሉ እነቕርቦን ወይ ድማ ዘድልይ እውን ኣይኰነን ተባሂሉ ዝሕሰብ እውን ክኸውን ዝከኣል እዩ። ጸሎት ስለ ንቤተ ክርስቲያንን ዓለምን ናብ እግዚኣብሔር ዝዓርግ እዩ። ሎሚ ካብ ቀደም እዚዩ ከም እንጌራ ዘድሊ ሕይወት እዩ፡ ሕይወት በነዲክቶስ መበል 16 ጸላይ እዩ እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝደረስዎ መቕድም ገሊጾም፥ ስለምታይ ብዘይ ምርኻብ ምስ እግዚኣብሔር ኩላትና ልክዕ ከምቲ ናይ ዙረት ቅናቱ ዝሰሓተ ኣብ ባዶነት ዘዕበድብድ ፋሕ ብትን ዝብል ሓደጋ ንገዛ እርሱን ንኻልኦትን ዝኸውን መንኰራዅር ኰይንካ እዩ ዝትረፍ ከምዝበሉ ደ ካኣሮሊስ ኣፍሊጦም።








All the contents on this site are copyrighted ©.