2016-06-23 16:57:00

ናይ ምስማዐ-ርእየት መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ኣርመኒያ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 24 ሰነ ክሳብ ዕለት 26 ሰነ 2016 ዓ.ም. ኣብ ኣርመን ንዘካይድዎ መበል 14 ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ምኽንያት ዕለት 22 ሰነ 2016 ዓ.ም. ናይ ምስማዐ-ርእየት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥

ዝተፈተኹም ኣሕዋተይን ኣሓተይን

ኣብ መንጐኹም ክርከብን ምሳኹም ክሓብርን ንቕሎይ ናባኻቱኩም ከብል እየ፡ ምእንቲ’ዚ ሓዋርያዊ መገሻይ ጸልዩለዩ።

ብሓገዝ እግዚኣብሔር ኣብ መንጐኹም ክርከብ እየ። ከምቲ ናይዚ ሓዋርያዊ መገሻ መርሕ ቃል ምብጻሕ ኣብታ ቀዳመይቲ ክርስቲያን ሃገር ዝብል እዩ። ኣብዚ ናይ ምሕረት ዓመት ካብቲ ናይ ሕዝብኹም ጥንታዊ ጥበብ ጥበብ ክቐስምን ካብቲ ጥንታዊ ምንጪ ዝዀነ ታራኻዊ ፍሉጥነት ዘለዎ ካብ እምነት ዝተጸርቡ መሳቕልኩም ዘረጋግጾ ጽኑዕ እምነትኩም ማይ ክሰቲ ናባኹም ከመጽእ እየ።

ናብቲ ናይ ኣርመን ናይ ሰቂለ ኅልና ትእምርቲ ዝዀነ ኩርባታትኩም ከም ሓውኹምን ገጽክም ንኽርእይ ብዘሎኒ ድላይ ተነቓቒሔ ምሳኹም ሓቢረ ክጽልን ናይ ምሕዝነት ጸጋ ምሳኹም ክቋደስን ከም ሓውኹም ናባኹም ክመጽእ እየ። ታሪኽኩም እቲ ናይ ሕዝብኹም ኵነት ኣባይ ብዘነቓቕሖ ኣድናቖትን ናይ ታሪኹ ስቓይን ኣድናቖተይ ነቲ ካብ ናይ ኢየሱስ መስቀል ዝረኽብክምዎ ወትሩ ካብ ምውዳቕ ንኽትንስኡ ዝደረኸኩም ሓይልን ከምኡ ድማ እቲ ስቓይ እቲ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝዝክሮ ስለ እቶም ቀዳሞት ኣበው ሃገርኩም ዘሕለፍክምዎ መሪር ኩነት ዝዘኻኽር እዩ።

እቲ ናይ መሪር ስቓይ ተዘክሮ ንልባትና ከይውንን ኣብ ኣቅድሚ እቲ ሎሚ እውን ብምድግጋም ንዝረአይ ዘሎ ምልዕዓል ናይ ክፍኣት መንፈስ ኢድና ከይንህብ። ነቲ ድሕሪ እቲ ማየ ኣይሂ ርእሱ ኣቕኒዑ ንሰማይ ካብ ምጥማት ዘይደኸመ ደጋጊሚ ኣዕዋፍ እናለኣኸ ክሳብ ናብኡ እቲ ሕይወት ዳግም ክትንስእን ተስፋ ዳግም ክምንጭውን ምዃኑ ናይ ሕይወትን ተስፋን ትእምርቲ ዝዀነ ቆጽሊ ኣውሊዕ ሒዘን ክሳብ ዝምለሳ ከም ዝተዓገሰ ኖህ ንኹን (ኦርት 8,11)።

ኣብ ኵሉ ናይ ሰላም ጐዳና እተካይድዎ ጻዕርን እቲ ተስፋ ዘፍርይ ናይ ዕርቂ መገዲ ንኣኻትኩም ከካፍሎ ከም ኣገልጋሊ ወንጌልን ናይ ሰላም መልእኽተይናን ኰይነ ኣብ መንጐኹም ክርከብ እምነይ።

እቶም ዓበይቲ ቅዱሳት ሃገርኩም ከም ናይ ቤተ ክርስቲያን ሊቅ ቅዱስ ጎርጎሪዮስ ዘናረቕ ነቲ ምርኻብና ይባርኹ፡  ነቲ ንምሉእ ሓድነት ዝግበር  ብዕርቅን ብተስፋን ዝነቓቓሕ ንምሉእ ሓድነት ዝግበር ናይ ሓባራ ጻዕሪ ሓድሽ ተነቓቕሖ ንምሃብ ምስ ፍቱው ሓው ካረኪን ክራኸብን ክተሓቛቖፍን ፍሉይ ሃረርታይ እዩ።

ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ተኣኻኺብኩም ኣብ ሮማ ቅዱሳት መቓብር ቅዱስ ጴጥሮስን ዎጳውሎስን ክትሳለሙ ኣብ ሮማ ንጊድኩምን ምሳይ ብሓባር ከምዝጸለኹም እዝክር። ሕጂ ድማ ነቲ ኣብ ጐደና ዕርቂ ንምንቕቓሕ ብተስፋ ገዛእ ርእስና እነሆ ብምባል ኣብ መንጐና ንዝጸንዔ ሱታፌ ንምሕያል ኣነ ናብቲ ዝተባረኸ መሬት ሃገርኵም ክበጽሓኩም እመጽእ ኣለዅ።

የቐንየለይ ክሳብ ንራኸብ እክብሉ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ-ርእየት መልእኽቶም ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.