2016-06-21 15:51:00

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ኡክራይን፥ ክፉት ማዕጾ ቤተ ክርስቲያን ንውህደት


ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ካብ ዕለት 15 ሰኔ 2016 ዓ.ም. ኣብ ኡክራይን በቲ ኣብቲ ከባቢ ተኸሲቱ ብዝነበረ ግጭት ንዝተጐድአ ክፍሊ ሕብረተሰብ ኡክራይን ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅርበትን ደገፍን ንምብጻሕ ኣሚቶም ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ዕለት 20 ሰነ 2016 ዓ.ም. ኣብ ኬየቭ ኣብ ዝርከብ ሓወልቲ ሓርበይናታት ሃገረ ኡክራይን በጺሖም ናይ ሕሊና ጸሎት ከምዘዕረጉን ቀጺሎም ድማ ኣብታ ከተማ ብማሕበረ ውፉያነ ለንጽሕተ ድንግል ማርያም ካህናት ዝመሓደር መእለዪ ድኻታት ዕደት ኣካይዶም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ኪየቭ ኣብ ዝርከብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሕንጻ ኣብ ዝተገብረሎም ናይ ምሳሕ ዕድመ ተቛዲሶም ናይ ኡክራይን ሓዋርያዊ ዑደቶም ከምዘጠናቐቑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሮበርታ ጂሶቲ ሓቢረን።

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ዕለት 19 ሰነ 2016 ዓ.ም. ኣብ ለኦፖሊ ናይ ኡክራይን ናይ ግሪክ ስርዓት እትክተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዘብዓለቶ በዓለ ጰራቅሊጦ ተሳቲፎም ምስ ኣብቅዑ ምስ ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ውሉደ ክህነትን ተመሃሮ ዘርአ ክህነት ከምእተራኸቡ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ኣስዒበን ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብቲ ዓቢይ በዓል በራቅሊጦስ ናይ ግሪክ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዘዕረገቶ መስዋዕተ ቅዳሴ ተሳቲፎም ኣብ ዝለገስዎ ቃል፥ እቲ ሰራሕን ወሃብን ሰላም መንፈስ ቅዱስ ካብታ ብእግዚኣብሔር ፍቕርቲ ዝዀነ ሃገረ ኡክራይን ጽልእን ቅርሕንትን የወግድ ከም ዝበሉ እውን ኣዘኻኺረን፡ ምስታ ናይ ውሁዳን ዝኾነት ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ውሉደ ክህነትን ተመሃሮ ዘርአ ክህነትን ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፥ ኡክራይን ናይቲ ናይ ዝተፈላለያ ብሔራት ብሔራውነትን ሃይማኖታዊ ልምድታትን መለለዪ ነጸብራቕ ዝዀነ ባህልታት መግልጺት እያ። እታ ና ይ ላቲን ስርዓ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ውሁዳን እውን እንተዀነት ኣብ ኡክራይ ሰረት ዘለዋን ኣብ ኩሉ ከባቢ ኡክራይን እውን ከምእትርከብን ንኅብረ ሃይማኖትን ንናይ ሃይማኖት ነጻነትን ኅብረ ባህልን ክፍትን እምበር ኣስዳዒት ሃይማኖት ኣይኰነትን፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓሳብ እተሀብትም እያ ቢሎም ካህናትን ተመሃሮ ዘርአ ክህነት ገዳማውያንን ሃነጽቲ ተመሃሮ ዘርአ ክህነትን እቲ ባህላዊ ምትሕንፋጽ ግምት ዝህብ ፍሉዩ መጽናዕቲ ከካይዱን ነዚ ኣብ ኡክራይን ናይ ሃማኖት ታሪኻዊ ጭቡጥ ኩነት ሰነዲም ናብ መጻኢ ውለዶ ከሕልፉ ሓደራ ከምዝበሉ ገሊጸን።

እቲ ሓቀይናን እንኰን ናይ ብሔራዊ መንነት ዝውክል እየ ቢሉ ገዛእ ርእሱ ዝገልጽ ቁጡዕን ንዱርን ብሔራውነት (ሃገራውነት) ብርግጽ ነቲ ብሓቂ ንናይ ዕብየት ፉሉይ መጋበርያ ዝዀነ ብዙኅነትን ኅብረእውነት ዘይቅበል ስምዒተ ትሑትነት ዝወልዶ ኩነት እዩ ዝበሉ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፥ እቶም ተመሃሮ ዘርአ ክህነት መንፈሳውን ባህላውን ምሉእነትን ሕድ ሕዳዊ ምክብባርን ኣብ ኡክራይን ኣብ ምርግጋጽ ካብ ዝግበር ናይ ሓባር ከይዲ ተወጊዶም ኣብ ገዛእ ርእሰ ምዕጻው ፈተና ከይወድቁ ሓደራ ከምዝበሉ ዝገለጻ ልእኽቲ ጋዚጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ኣተሓሒዘን፥ ብፁዕነቶም ዝለገስዎ ቃል እንከጠቓልሉ፥ ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብምትኳር ሕዝበ እግዚኣብሔር ንምድላይን ምስኡ ሓቢርካ ኣብ ሕይወቱ ሱታፌ ገርካ ብትዕግስቲ ሰማዒ ዕዝንን ልብን ሂብካ ብሓባር ኣናጓሰኻ ምጉዓዝ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ ስለዚ ምስ ሕዝቢ ዝራኸቡን ናብ ሕዝቢ ዘብሉን ክዀኑ ድማ ምዒዶም ነቶም ውጅሂ እግዚኣብሔር ንዝደልዩ ቀረባ ኰይኖም ክድግፉን ነቶም ገና ንእግዚኣብሔር ዘይረኸብዎን ዘየለለይዎን ድማ ክመርሑን ሓደራ ክምዝበሉ ገሊጸን ሓአራ ካብ ርእሰ ጣዕምን ኢጎነትን ረሓቑ ናይ ንጽሕና ማሕላ ከም ከበድ ከይስምዓኩም ብዘይ ናይ ፈተናን ድኻምነትን ፍርሒ ኣፍቃሪ ስምዒትኩም ብሓቅን ግልጽነትን ብዘይ ድርባዊ ሕይወትን ላንጋ ላጋን ብሓቅን ሕነጹ ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።








All the contents on this site are copyrighted ©.