2016-06-16 18:18:00

ንስደተኛ ከም ሸኸም ናይ ምርኣይ ፈተና ዘሎ እዩ! ግን ከም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንመልከቶም ር.ሊ.ጳ


ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሕትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም! 

ሓንቲ መዓልቲ ጐይታ ኢየሱስ ናብ ከተማ ኢያሪኮ እናተጓዕዘ ኣብ መንገዲ ተቀሚጡ ዝልምን ንዝነበረ ዕውር ሰብኣይ እንደገና ከምዝርኢ ብምባር ተኣምራት ገበረ(ሉቃ 18.35-43 ተመልከት)፣ እዚ ተኣምታዊ ምልክት እዚ ነዓናውን ብቀጥታ ስለዝትንክፈና ኣብ ናይ ሎሚ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ ትርጉም ናይዚ ክንምልከት ኢና፣ ሉቃስ ወንጌላዊ ኣብ ትረኻኡ እዚ ዕውርዚ ኣብ ዘፈር መንገዲ ተቀሚጡ ይልምን ከምዝነበረ ይገልጽ፣   ኣብቲ ዘመንቲ ኣብ ግዜናውን ክሳብ ቅድሚ ቊሩብ ዓመታት ሓደ ዕውር ሓንቲ ዕድሉ ልመና እንተዘይኮይኑ ካልእ ዕጫ ኣይነበሮን፣ እዚ ምልክት እዚ ነቶም ኣብዚ ዘሎና ዘመን ብስንክልናስ ይኹን ብኻልእ ምኽንያት ንዝተጐስዩ ወይ ዝነጸልናዮም የመልክት፣ ነቲ ታሪኽ ኣጸቢቅና እንተተመልከትናዮ እዚ ዕውርዚ ኣብ ዘፈር መንገዲ ኮይኑ ካልኦት ወካዕካዕ ክብሉን ንሱ ግን ምስ ጭንቀቱን ኩነታቱን ቊኒን እናበለ በይኑ እዩ ዘሎ፣ መገዲ ኣርባዓ እንክበሃል ሰባት ዝራኸቡሉ ወኻዕኻዕ ዝብሉሉ እዩ፣ ነዚ ዕውር ግን ናይ ብሕትውና ቦታ ኮይኑ፣ በይኑ ተነጺሉ ጽምዋ ወሪርዎ ንርኢ፣

ኣብታ ኣፍደገ ናይ ምድረ ተስፋ ዝኾነት ኣብ ምድረ በዳ ዝተደኮነት ከተማ ኢያሪኮ ከምዚ ዓይነት ናይ ተነጽሎን ጽምዋን ምልክት ምርኣይ ዘሕዝን እዩ፣ ሕዝበ እስራኤል ካብ ባርነት ግብጺ ምስ ወጸ ኣብ ፍጻሜ ናይ ድሕሪ ነዊሕ ጒዕዞ እግሮም ንምድረ ተስፋ ዘንበሩላ ከተማ ከምዝኾነ ቅዱስ መጽሓፍ የዘንትወልና፣ ሙሴ ንሕዝበ እስራኤል ኣብ ምድረ ተስፋ ምስ በጽሑ ክገብርዎ ዘለዎም ቀዳማይ ነገር እንታይ ምዃኑ ንኸጠንቅቅ ‘ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ፡ ኣብ ሓንቲ ኻብ ደጌታትካ ሓደ ኻብ ኣሕዋትካ እንተ ደኸየ፡ ነቲ ድኻ ሓውካ ልብኻ ኣይትጽንዓሉ ኢድካውን ኣይትጨብጠሉ። ኢድካ ኣጸቢቕካ ኽፈትሉ፡ እቲ ዜድልዮ ኸኣ ኣእኪልካ ኣለቅሓዮ። ኣብ ልብኻ ሓሳብ በሊያል ከይህልወካ ተጠንቀቕ፡ እታ ሳብዐይቲ ዓመት፡ ዓመት ሕድገት፡ ቀሪባ እያ ኢልካ፡ ዓይንኻ ድማ ኣብቲ ድኻ ሓውካ ይኸፍእ እሞ ገለ ኣይትህቦን። ንሱ ከኣ ናብ እግዚኣብሄር ይጠርዓልካ እሞ ሓጢኣት ይዀነካ። ፈቲኻ ሀቦ፡ ንእኡ ብምሃብካውን ልብኻ ኣይጕሄ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ ተግባርካን ኢድካ ኣብ ዝዘርጋሕካሉ ዅሉን ኪባርኸካ እዩ። ድኻታት ኣብ ማእከል ሃገር ኣይስኣኑን እዮም እሞ፡ ስለዚ ነቲ ኣብ ሃገርካ ዘሎ ሓውካን ሽጉርካን ድኻኻን ኢድካ ኣጸቢቕካ ኽፈተሉ፡ ኢለ እእዝዘካ ኣሎኹ።’ (ዘዳግ 15.7-11) ቢልዎም ነሩ፣ ነዘን ሕጊ እግዚኣብሔር ዘዘኻኽራ ቃላት ቅዱስ መጽሓፍ ምስዚ ታሪኽ ወንጌል እንክተነጻጽሮ ከም ድምጺ ምሕርቃም ኣስናን ኣብ እዝንኻ ይውጭጭ፣ እቲ ዕውር ኢየሱስ ክረድኦ ይግዕር እቲ ሕዝቢ ከኣ ሱቅ ክብል ይገንሖ! ዳርጋ ንክዛረብ መሰል ከምዘይብሉ ይምልከቶ፣ ክርሕሩሑሉ ኣይከኣሉን! እኳ ደኣ ገዓሩ ከምዝረበሾም ትርዳእ። ንሕናኸ ኣብ መንገዲ ዝተጸገሙን ዝሓመሙን ዝብላዕ ዘይብሎምን እንክርኢ ክንደይ ግዜ ዘይረበሽና{ እዚ ኣብ ኲልና ዘሎ ፈተና እዩ፣ ኲልና ወላ ንኣይውን! ስለዚ ቃል ኣምላኽ ሎሚ ሸለልትነትን ጽልእን ነቶም ዝተጸገሙ ኣሕዋትና ካብ ምርኣይን ምስማዕን ኣብ ገጾም ገጽ ክርስቶስ ካብ ምርኣይን ከዕውሩናን ከጽምሙናን ይኽእሉ፣ እዚ ጥራይ ዘይኮነ ሸለልትነትን ጽልእን ሓኝሳእ ሓንሳእ ናብ ዓመጽን ንካልኦት ምውራድን ከምርሑ ይኽእሉ፣ ‘ነዞም ለመንትን ስደተኛታትን ጽጉማትን ኩሎም ኣባርርዎም! ኣብ ገለ ቦታ ወግንዎም!’ ከምንብል ይገብሩና፣ እቲ ኣብ መንገዲ ኢያሪኮ ምስ ኢየሱስ ዝጐዓዝ ዝነበር ሕዝቢውን ነዚ እዩ ገሩ ‘ተኣለስከ ኪድ ረሓቅ ኣይትዛረብ ኣይትግዓር’ እዮም ዝበልዎ፣

ኣብዚ ታሪኽዚ ኣገዳሲ ዝኾነ ካልእ ገጽታውን ኣሎ፣ ወንጌላዊ ሉቃስ ሓደ ካብቶም ሕዝቢ ‘ኢየሱስ ናዝራዊ ይሓልፍ ኣሎ’ እንክብል ናይቲ ወካዕካዕ ምኽንያት ነቲ ዕውር ነገሮ ይብል፣ እዚ ምሕላፍ ናይ ኢየሱስ ዝገልጽ ዓንቀጽ ነቲ ምስጋር ዝብል ናይ ፋሲካ ዘመልክት ኮይኑ እዚ ከኣ እቲ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ዝወጹላ ለይቲ ንበዂሪ ግብጻውያን ክቀዝፍ ዝተላእከ መልኣከ ሞት ነተን ምልክት ደም ዝነበረን መዓጹ እስራኤላውያን ምስጋር ዘመልክት ትእምርቲ ፋሲካ እዩ፣ (ዘጸ 12.23 ተመልከት)፣ እዚ ምስጋር እዚ ምጅማር ሓራ ምውጻእ ሕዝበ እስራኤል እንክኸውን ኣብዚ ናይ ሎሚ ታሪኽ ከኣ ኢየሱስ ክሓልፍ ከሎ ኩሉ ጊዜ ሓራ ምውጻእ ድሕነት ኣሎ! እዚ ዕውር’ዚኸስ ፋሲካ ተኣዊጅሉ ክንብል ንኽእል፣ ስለዝኾነ ከኣ ብዘይ ፍርሕን ስኽፍታን ኢየሱስ ክረድኦ ይግዕር! እቲ ብነቢይ ኢሳያስ ‘ሽዑ ኣዒንቲ ዕውራት ኪኽፈታ፡ ኣእዛን ጸማማት ከኣ ጋህ ኪብላ እየን’ (ኢሳ 35.5)

ዝብል ብዛዕባ ምምጻእ መሲሕ ዝናገር ብምርዳእ ኢየሱስ እቲ መሲሕ ወዲ ዳዊት ምዃኑ የለልዮ እቶም ሰብ ጥዑይ ዓይኑ ክርእይዎ ንዘይከኣልዎ ከኣ ብዓይኒ እምነት ክርእዮ ክኢሉ፣ ስለዝኾነ ከኣ እቲ ገዓሩን ልመናኡን ናብ ልቢ ኢየሱስ በጺሑ፣ ከምቲ ወንጌላዊ ዝብሎ ከኣ `ኢየሱስ ደው በለ እሞ ናባኡ ከምጽእዎ ኣዘዞም` ይብል፣ ኢየሱስ ከኣ ከምዚ ብምግባር ንወዮ ኣብ ዘፈር መንገዲ ተጐስዩ ማንም ዘይግደሰሉ ዝንበረ ሰብ ናብ ማእከል የምጽኦ፣ ኣተና ሓዋርያቱን እቶም ምሳኡ ዝነበሩ ሕዝብን ናብቲ ዕውር ይኸውን፣ ናብ ገዛእ ርእስና ምልስ ቢልና እሞ ንሕሰብ ንሕናውን ኣብ ሕማቅ ኩነታት ኣብ ንርከበሉ ወላውን ኣብ ብሓጢኣት ካባኡ ምስ ረሓቅና ኢየሱስ ብኢድና ኣልዒሉ ካብ ተጓኒናሉ ዘሎና ወሰን ናብ ማእከል ኣምጺኡ ድሕነት ይዕድለና፣ ኣብዚ ክልተ ደርጃ ናይ ምስግጋር ንርኢ፣ ብመጀመርያ እቲ ብስራት ናይ ሰናይ ዜና ናብ ኢየሱስ ብኡ ምሕላፍ ይነግርዎ ኮይኑ ግን ምስቲ ዕውር ዘራኽብ ወይ ዝምልከት ምንም ነገር ክህልዎ የብሉን በሃልቲ ነሮም፣ ኢየሱስ ግን ኩሎም ናብቲ ዕውር ከተኲሩ ብስራት ወንጌል ከኣ ነቲ ተነጺሉ ዝነበረ ኣብ ማእከል ከምዝስሕቦ ንክርድኡ የግድዶም፣ እቲ ካልእይ ከኣ እቲ ዕውር ክርኢ ኣይክእልን ነበረ ኮይኑ ግን እምነቱ ናይ ድሕነት መንገዲ ይኸፍተሉ ምስቶም ንኢየሱስ ክርእዩ ኣብቲ መገዲ ኣርባዓ ዝተረኽቡ ከኣ ይሕሰብ፣ ኣሕዋተይን ኣሓተይን! ናይ ጐይታ ብማእከልና ምሕላፍ ናይ ምሕረት ርክብ ኮይኑ ኩሎም ሓገዝን ምጽንናዕን ዘድልዮም ንክፈልጥዎ የፍቅድ፣ ኣብ ዕለታዊ ሕይወትናውን እንተኾነ ኢየሱስ ብጥቃና ይሓልፍ እዩ፣ እዚ ምሕላፍ እዚ ናባኡ ክቀርብ ሕያውነተይ ከዕቢ ብሉጽ ክርስትያን ክኸውን ንኢየሱስ ንምኽታል  ዘቅርበለይ ዘሎ ዕደመ ምዃኑ  እርዳእዶ{{

ኢየሱስ ነቲ ዕውር ሓንቲ ሕቶ የቅርበሉ! ‘እንታይ ክገብረልካ ትደሊ’ ይብሎ፣ እዘን ቃላት ኢየሱስ ጸለውቲ እየን፣ ወዲ እግዚኣብሔር ኣብ ቅድሚ ሓደ ዕውር ከም ትሑት ኣገልጋሊ ቀሪቡ ንርእዮ፣ እንታይ ክገብረልካ ትደሊ{ ብከመይ ዝበለ ኣገባብ ከገልግለካ ትደሊ{ ይብሎ፣ እግዚኣብሔር ኣገልጋሊ ሓጢኣተኛ ሰብ ይኸውን፣ ኣብዚ ግዜዚ እቲ ዕውር ንኢየሱስ ከምቲ ናይ ቅድም ወዲ ዳዊት ክብል ኣይኮነን ዝምልሰሉ እንታይ ደኣ ‘ጐይታይ’ ይብል፣ እዚ ኣርእስቲ እዚ ካብ ትንሳኤ ክርስቶስ ጀሚራ ቤተ ክርስትያን ንኢየሱስ ትህቦ እዩ፣ ኢየሱስ ጐይታ፣ እቲ ዕውር ከኣ ‘ጐይታይ ክርኢ እደሊ’ እንክብል ብርሃን ይሓትት ድላዩ ከኣ ይፍጸመሉ፣ እዚ ዕውር እዚ ስም ኢየሱስ እናጸውዔን ክረኽቦ ከምዝደልን ብእምነቱ ገለጸ እዚ ከኣ ናይ ድሕነት ጸጋ ኣውሃቦ፣ ነዛ እምነት እዚኣ ምስጋና ይኹና ከኣ ክርኢ ክኢኡሉ ኢየሱስ ከምዘፍቅሮ ከኣ ኣብ ልቡ ክስመዖ ጀመረ፣ ስለዝኾነ ከኣ እቲ ታሪኽ ድሕሪ ምሕዋዩ እንታይ ከምዝኾነ እንክትርኽ ‘ንእግዚኣብሔር ክብሪ እናሃበ ከኣ ንኢየሱስ ክኸተሎ ጀመረ` ይብል፣ ሓዋርያ ኮይኑ ማለት እዩ፣ ካብ ለማናይ ናብ ሓዋርያ ምዃን ተሰጋጊሩ፣ እዚ መንገድና እውን እዩ፣ ኲልና ለመንቲ ኢና፣ ወትሩ ድሕነት የድልየና እዩ፣ ኲልና ወትሩ ዕለት ዕለት ነዚ ስጒምቲ እዚ ክንወስድ ኣሎና፣ ካብ ለመንቲ ናብ ተኸተልቲ ክርስቶስ ንሰጋገር፣ በዚኸምዚኸስ እቲ ዕውር ንጐይታ ብምስዓብ ኣባል ማሕበሩ ኮይኑ፣ እቲኦም ሱቊ ክብል ዝገንሕዎ ዝነበሩ ሕጂ ብልዑል ድምጺ መሰኻኽር ናይቲ ምስ ኢየሱስ ናዝራዊ ዝተገብረ ርክብ ኮይኖም ‘ኩሉ እቲ ሕዝቢ ነዚ ምስ ረኣየ ንእግዚኣብሔር ክብሪ ኣቅረበ’ ይብል፣ (ቊ.43) ብዙሕ ግዜ ናይቲ ዕውር ተኣምራት ጥራሕ ኢና ንምልከት ኣብዚ ግን ካልኣይ ዓቢ ተኣምራት እውን ኣሎ በዚ ተኣምር ናይ ዕውር ኩሉ እቲ ሕዝቢ ነቲ መሲሕ ክርኢ ክእሉ፣ ሓንቲ ብርሃን ንኩሎም ልቦም ብምኽፋት ኣብ ጸሎተ ክብሪ እግዚኣብሔር ተሕብሮም፣ ኢየሱስከስ ከምዙይ ብዝበለ ኣገባብ ንዝረኸቦም ዘበለ ኩሎም ምሕረቱ ይህብ፣ ይጽውዖም፣ ናባኡ ከምዝመጹ ይገብሮም፣ ይእክቦም፣ የሕውዮም የብርሃሎም በዚ ከኣ ሓዲስ ሕዝበ እግዚኣብሔር ብምቋም ነቲ ዘደንቅ መሓሪ ዝኾነ ፍቅሪ ኣምላኽ የኽብር፣ ንሕናውን ኢየሱስ ክጽውዓናን ከሕውየናን ክምሕረናን ደድሕሪ ብምስዓብ ክብሪ ንእግዚኣብሔር ክነቅርብ ነፍቅደሉ፣ ከማኡ ይኹን፣

 








All the contents on this site are copyrighted ©.