2016-06-14 15:53:00

ዕለት 20 ሰነ 2016 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝጠለብዎ ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ጉባኤ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ሓሙሽተ ብፁዓን ደቂ ቤተ ክርስቲያን ናይ ቅድስና ኣዋጅ ኣፍልጦ ዝህቡሉ ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ጉባኤ ንዕለት 20 ሰነ 2016 ዓ.ም. ከምዝጸውዑ እንክምልከት፡ እቲ ጉባኤ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሓዋርያዊ ሕንጻ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዝመርሕዎ ናይ ሰዓታት ጸሎት ክጅመር ምዃኑን ቀጺሉ ድማ ቅዱስነቶም እብቲ ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ጉባኤ ናይቶም ብፁዓን ናይ ቅድስና ኣዋጅ ውስኔ ከመሓላልፉ ምዃኖም ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ካብ ዘመሓላለፍዎ ጸብጻብ ክፍለጥ ተእኻኢሉ ኣሎ።

እቶም ቅድስና ዝእወጀሎም ድማ

ማሕበር ኣሓው ክርስቲያን ኣባይቲ ትምህርቲ ብላሳል ናይ ዝፍለጥ ማሕበር ኣባል ሓው ሳሎሞነ ለክለርክ ኣብ 47 ዓመት ዕድሚኡ ኣብ እዋን ናይ ፈረንሳይ ሶውራ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያንን ኣባላትን ብዝካይድ ዝነበረ ኣሳዶ ምኽንያት ንእምነቱን ቤተ ክርስቲያኑን ኪሒዱ  ንናይ ሃገረ ፈረሳ ሕገ መንግስቲ እሙን እየ ዝብል ቃለ ማሕላ ክፍጽም ተሓቲቱን ነዚ ውሳኔ እንተድኣ ዘይተቐበሎ ግና ንሕልፈት ክፍረድ ምዃኑ ዝተንገሮ ከነሱ እምነት ኣይክሕድ ማሕላይ ንሕገ መንግስቲ ኣይኰነን ዝብል መልሲ ብምሃቡ ምኽንያት ኣብ ፓሪስ ኣብ 1792 ዓ.ም. ዝተቐትለ ሓደ ካብቶም ቅድስና ዝእወጀሎም ምዃኑ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ናይ ታሪኽ ማህደር ዝተወከሱ ደ ካሮሊስ ኣፍሊጦም።

ናይ ዝተጠንጠኑ መናብርተ ታቦት ሓላይ ተወላዲ ስፐይን ብፁዕ ኣቡነ  ማኑኤል ጎንዛለዝ ጋርሲያ ኣብ 1800 ን 1900 ዓመታት ብሕይወት ዝነበሩን ስግደት ንቕዱስ ቁርባን መንፈሳውነት ዘስፈሑን በዚ ንቕዱስ ቁርባን ብዝነበሮም ዓሚይቕ ፍቕሪ ምኽንያት ድማ ናይ ሓዳሲ ቅዱስ ቁርባን ሓድነትን ማሕበር ደናግል ልኡካን ቅዱስ ቁርባን ዘናዝሬት ዝመስረቱን ኣብ ማድሪድ ኣብ  1940 ዓ.ም. ኣብ ሰማያዊ ቤት ዝተወልዱ ምዃኖም ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደ ካሮሊስ ኣመልኪቶም።

ኣብ 1800 ዓመታት ትኵር መደብ ሕንጸት ዘለለዩን ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ብዙሓት ሃገራት እዋናዊ ተባሂሉ ዝንገረሉን ኣብ ኣባይቲ ትምህርቲ ዝቐርብ ናይ ሕንጸት ሜላ ገና ብዓንተውኡ ኣብ ዘይጥርጡር እዋን ዘለለዩን፡ ኣባይቲ ትምህርቲ ተግባረ እድ ዘቖሙን ማሕበር ደናግል ደቂ ንፅሕቲ ድንግል ማርያም ዝመስረቱን ርሂጸ ሓደር ሓው ዝብል መለለዩ ዝተውሃቦም  ካብቶም ቅድስና ዝእመነሎም ሓደ ከምዝዀኑን፡ ኣብቲ እዋን ብዝነበሩ ናይ መንግስቲ ኣካላት እውን ድሂጸ ሓደር ዝብዝል ቅድል ሽም ዝፍለጡ ከምዝነበሩ ክምልከት እንከሎ። ኣብ 1849 ዓ.ም. ኣብ ናይ ኢጣሊያ ዘመነ ባህላዊ ትንሳኤ ምኽንያት ኣብ ብረሺያ ተባሪዑ ካብ ዝነበረ ናይ ዓሰርተ መዓልታት ውግእ ነቶም ተመሃሮኦም ካብ ሓደጋ ንምድሓን ተጸሚዶም እንከለዉ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልዮም ኣብ ሰማያዊ ቤት ዝተወልዱ ኣባ ብፁዕ ሎዶቪኮ ፓዶቫኒ ናይ ብረሺያ ሰበኻ ካህን ቅድስና ዝእወጀሎም ምዃኑ ዝሓበረ ደ ካሮሊስ ኣስዒቦም፥

ኣብ 1800 ዓመታት ኣብ ኢጣሊያ ክፍለ ሃገር ሳሌርኖ ዝተወልዱ ኣብ ግብረ ሰናይን ምኽርን ብርጡብን ጥዑምን መንፍሳዊ ቃል ዘጸናንዑን ኣብቲ እዋን ነቶም ካብ ትምህርቲ ዓለም ተነጺሎም ዝነብሩ ንዝነበሩ ሓረስቶት ክርድእዎ ብዝኽእሉ ሓሳብ ትምህርተ ክርስቶስን ስብከትን ብምቕራብን ንመንእሰያት ብፍላይ ድማ ዘኽታማትን ድኻታትን መንእሰያት መጻኢ ሕይወቶ ብሩህ ንኽኸውን ዝድግፎም ሕንጸት ኣብ ምቕራብ ዝተጸምዱን ማሕበር ደናግል ዘቕዱስ ዮሓንስ መጥምቕ ዝመስረቱ ኣብ 1910 ዓ.ም. ኣብ 71 ዓመት ዕድሜኦ ኣብ ሰማያዊ ቤት ዝተወልዱ ኣባ ብፁዕ ኣልፎንሶ ማሪያ ፉስኮ ቅድስና ካብ ዝእወጀሎም ሓደ ምዃኖም ኣፍሊጦም።

ቀርመለሳዊ ውፉይነት

ኤሊዛቤጥ ካተዝ ዝስመን ኣብ 1800ን 1900 ዓመታት ኣብ ኣዲጆነ ኣብ ዝርከብ ገዳመ ቀርመለሳውያን ማሕበር ደናግል ኣብ 1901 ዓ.ም. ገና ጓል 21 ዓመት እንከለዋ ዓቢይ መሓላ ዝፈጸማን ኣብቲ ሓጺር ናይ ሓሙሽተ ዓመት ገዳማዊ ሕይወተን ዓሚዩቕን መሳጥን መንፈሳውነት ዝነበራን ዘጋጠመን ስቓይ ኣብ ፍቕሪ ኢየሱስን ቤተ ክርስቲያኑን ዘዕብይ እንክብላ ዝገልጽኦ ዝነበራን እቲ ስቓይ መሳልል ፍቕሪ እዩ ዝበላን ኣብ 1906 ዓ.ም. በቲ ዘጓነፈን ሕማም ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልየን ኣብ ሰማያዊ ቤት ዝተወልዳ ናይ ብመነኵስ ስመን ኤሊዛቤጥ ዘቅድስት ስላሴ ብዝብል መጸውዒ ንዝፍለጣ ቤተ ክርስቲያን ቅድስና ከምእትእውጀለን ደ ካሮሊስ ኣመልኪቶም።








All the contents on this site are copyrighted ©.