2016-06-11 15:36:00

ቺለ፥ ተመሃሮ ኣብ ዘካየድዎ ኣድማ ዝተራእየ ግብረ ጸረ እምነት


ኣብ ሃገረ ርእሰ ከተማ ቺለ፥ ሳንቲያጎ ደል ቺለ  ዕለት 9 ሰነ 2016 ዓ.ም. ተመሃሮ ኣብ ዘካይድዎ ናይ ሰላማዊ ሰልፊ ኣድማ ገለ ገለ ተመሃሮ ገጾም ብጸሊም ጨርቒ ዝሸፈኑ ኣብታ ብማሕበር ሳሊዝያን ሓዋርያዊ ምሕደራ እትምራሕ ታሪኻዊትን ኣብ ናይ ሃገረ ቺለ ታሪኽ ዓቢይ ሥፍራ ዘለዋ ናይ ብሔራዊ ኣመስግኖ ቤተ ክርስቲያን ብምእታው ኣብ ልዕሊ’ቲ ታሪኻው ቅዱስ ሓወልቲ ስቑል ኢየሱስ መጉዳእቲ ከምዘውረዱ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ዝሃቦ ምንጪ ዜና ዝጠቐሳ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ኣፍሊጠን።

እቶም ተመሃሮ ዝፈጸመዎ እምነት ዘርክስ ተግባር ብሓቂ ዘሕዝንን ታሪኽን ባህልን ክሳብ ክንደይ ይዝንጋዕ ምህላዉ ዝገልጽ ምዃኑ ናይ ሳንቲያጐ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ሪካርዶ ኤዛቲ ኣንድረልሎ ሓቢሮም እቲ ኣብ 1973 ዓ.ም. ኣብ ብሔራዊ ታሪኽ ቺለ ዓቢይ ስፍራ ዝተውሃቦን ኣብታ ሃገር ተኸሲቱ ዝነበረ ወጥሪ ሰላማዊ መፍትሒ ክርከበሉ ኣብ ቅድሚ እቲ ቅዱስ ሓወልቲ ስቑል ኢየሱስ ኣብታ ቤተ ክርስቲያን ይጽለይ ከምዝነበረን ምእንቲ ሰላም ሃገረ ቺለ ብዙሕ ጸሎት ዝተገብረሉን ሕዝቢ ብሓባር ብዘይ ምግምማዕ ከም ኣሕዋት ደቂ ሓደ ኣቦ ዝሓበሩ ምዃኖም ዝምስከሩሉ ክነሱ ሎሚ ንኸምዚ ዓይነት እምነትን ባህልን ዘርክስ ተግበር ክፍጸም ቅልውላው ብሔራዊ ሕልና ምህላዉ እዩ ዘረጋግጽ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ጠቒሰን ዝሓበራ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፒሮ ኣስዒበን፥ ብፁዕ ካርዲናል ኤዛቲ ኣንድረልሎ ኩሉም ነቲ ከምዚ እምነትን ባህልን ክብርን ዘርክስ ተግባር ዝፍጽሙ ኣብ መንጐ ሕዝቢ ሕድ ሕዳዊ ምክብባር ኣገዳሲ ምዃኑ ከስተዕሉ ሓደራ ከምዝበሉ ገሊጸን።

መንቀሊ ማሕበራዊ ኢፍትሓውነት ምልላይ

ብፁዕ ካርዲናል ኤዛቲ ኣንድረልሎ እቲ ኣብ ቺለ ዝረአይ ዘሎ ማሕበራዊ ኢፍትሓውነትን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዘሎካ እምነት ምንቁልቋልን ናይ ከምዚ ዓይነት ዓመጽን ሁከትን ተግባር መሰረታዊ መንቀሊ ክልለይን ብሓባር ከከም ሓላፍነትካ መፍትሒ ክረክብ ምዝታይ ወሳኒ እዩ። እቶም ናይቲ ሁከት መንቀሊታትን ጽን ቢልካን ኣለሊኻን መፍትሒ ምድላይ የድሊ፡ ብርግጽ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ቺለ ክህሉ ዘይግብኦ ማሕበራዊ ኢፍትሓውነት ኣሎ። ኰይኑ ግና እዚ ኣብ ናይ ሓባር ጥቕሚ ብምትኳር ዝፍታሕ እዩ ከምዝበሉ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ካምፒዚ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ተወኪሰን እንክሕብራ፥

ምትሕብባርን ናይ ሓባር ጥቕሚ ምቕዳም

ሕዝቢ ቺለ ኣብ ናይ ሓባር ሕይወቱ ክዝትን እዚ ድማ ብምትሕብባርን ንናይ ሓባር ጥቕሚ ኣተኵሮ ገይሩ ክሳለጥ ዘለዎ ሕድ ሕዳዊ ምርኽካብን ምቅርራብን ዝሓትት ተግባር ከምዝዀነን፡ ማሕበራዊ ኢፍትሓውነት ጠሪሹ ንኽውገድ ናይ ሓባር ጥቕሚ ምቕዳም ወሳኒ እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጠን እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ካህናትን ገዳማውያንን ኣብታ ከተማ ዝርከባ ኣቢያተ ክርስቲያን ቤተ እግዚኣብሔር ናይ ሕዝቢ ኣባይቲ እያተን እሞ ሓለዋ ክግበረለን ጻውዒት ከምዘቅረቡ ኣፍሊጠን።








All the contents on this site are copyrighted ©.