2016-06-11 15:30:00

ቃል ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ ስነ ህዋን ከዋኽብትን ምርምር ማእከል ዓውደ መጽናዕቲ ተጋባእያን


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ልሙድ በቢ ዓመቱ ኣብ ወርሒ ሰነ እቲ ብማሕበር ኢየሱሳውያን ዝመሓደር ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ ስነ ህዋን ከዋኽብትን መጽናዕትን ምርምርን ማእከል ዘዳልዎ ዓለም ሓቆፍ ናይ ስነ ህዋን ከዋኽብትን ምርምር ስነ ሕንጸታዊ ዓውደ ጉባኤ ተጋባእያን ተቐቢሎም መርሕ ቃል ከምዝለገሱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቲዚያና ካምፒዚ ሓቢረን።

ቅዱስነቶም ነቶም ኣብቲ ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ ምርምር ማአክል ኣብ ዘዳልዎ ናይ ክረምቲ መደብ ሕንጸት ንኽሳተፉ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራትን ባህልን ንዝተዋጹ ናይ ስነ ህዋን ከዋኽብትን ተመራመርቲ ሊቃውንትን ተመሃሮን ተቐቢሎም መርሕ ቃል ክልግሱ ሕጉስ ምዃኖም ገሊጾምን ኣተሓሒዞም ድማ ነቲ ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ ስነ ህዋን ከዋኽብትን ምርምር ማእከል ምኽትል ኣመሓዳሪ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ፓል ሙኤለርን ነቶም እዚ በቢ ዓመቱ ዝካየድ መደብ ሕንጸት ዕውቱ ንኽኸውን ጊዚኦምን ፍልጠቶምን ነቶም ኣብዚ ናይ ስነ ህዋን ከዋኽብትን ምርምር ነቲ ናይ እንነብረሉ ዓለም ኣድማስ ብዕምቆት ንምፍላጥን እቲ እጹብን ድንቅን ዝዀን ንጥፈታቱ ንምልላይ ዓቢይ ሃንቀውታ ንዘለዎም ተመሃሮ ንኸበርክቱ ስንድዋት ኰይኖም ንዝተረኽቡ ሊቃውንትን እዚ ናይ ክረምቲ ናይ ሕንጸት ዓወደ መጽናዕቲ ክውን ንኽኸውን ንዘበርክትዎ ዘለዎ ኣስተዋጽኦ ንኢዶም ከምዘመስገኑ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ካምፒዚ ኣስዒበን፥  

እቲ ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ ስነ ህዋን ከዋኽብትን ምርምር ማእከል ኣብ 1891 ዓ.ም. ብሓልዮትን ሰናይ ድላይን ር.ሊ.ጳ. ሊዮነ ሻምናይ ዝተመስረተ ምዃኑ ዝዘከሩ ቅዱስ ኣቦና እቲ ማእከል መበል 125 ዓመት ምስረታኡ ይዝከር ምህላዉ ኣዘኻኺሮም፡ እዚ ናይ ምርምር ማእከል ቤተ ክርስቲያን ሓቀይናን መሰረት ዘለዎ ስነ ምርምር ሰብኣዊ ይኹን መለኰታዊ ናይ መጽናዕቲ ስነ ምርምር ፈታዊትን ናይዚ ዓይነት ስነ ምርምር ደጋፊት እውን ምዃና ከምዘረጋግጾ ድማ ሓቢሮም ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት እዚ ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ ስነ ምርምር ማእከል  ምስ ግዜን ተበጽሖታት ስነ ምርምርን ኣናተጓዕዘን እዋኑ ዝምህዞም ምዕቡላት ናይ ስነ ምርምር መጋበርያ ተጠቃሚ እናዀነ ነቲ ናይ ምስረታኡ ሸቶ ከይሰሓተ ምስ ዝተፈላለዩ ናይ ስመ ምርምር መጽናዕትታትን ውጽኢታትን እናተዛተየ ዝኸይድ ምዃኑ ዘመስከረ እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

በቢ ዓመቱ ኣብ እዋን ክረምቲ ኣብ ዝዳለው ናይ ሕንጸት ዓውደ ጉባኤ ንምስታፍ እቶም ሊቃውንትን ተመሃሮን ነቲ ብእግዚኣብሔር ዝተፈጥረ ተፈጥሮ ኩለንታኡን ኣብዚ ኣድማስ’ዚ ናይ ህያዋን ባይታን ናይ ሓባር ቤት ዝዀነ ዓለምን ንምርዳእ ዘለዎም ድላይ ዘረጋግጽ ከምዝዀነን፡ እዚ ድላይ’ዚ ድማ በቲ ኣብ ቆዝሞስ ብዘሎ ጽባቔ ዝተነቓቕሔ ምዃኑን እቲ ጽባቔ እብ ዝብጽሑ ናይ ስነ ምርምር መጽናዕታት እውን ዝስትውዓልን እዩ። እዚ ድማ እቲ ኣብ ልዕሊ ፍጥረት ኩሉ ዘሎ እጹብን ድንቅን ሓቂ ንምፍላጥ ዝግበር ናብ እግዚኣብሔር ምቕራብና ዘይዕብይ እዩ ከምዝበሉ ካምፒዚ ገሊጸን፥ ቅዱስ ኣቦና እቲ ናይ ለምዘበን ናይ ሕንጸት ዓውደ መጽናዕቲ ማያት ኣብ ጸሓያውን ኣገባብ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝተመርኰዘ ከምዝዀነ ድማ ዘኪሮም ማይ ንሕይወት ኣዚዮም ኣገደስቲ ካብ ዝበሃሉ ጠለባት ቀዳማይ እዩ ንመሬት እውን ከምኡ። ቀዳሞት ስልጣኔታት ኣብቲ ኣብ ገማግም ወሓይዝ ኣብ ዝንበረሉ ቦታ እያቶም ተወሊዶም ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ሎሚ እውን ጽሩይ ማይ ንሰብኣዊ ፍጥረት ናይ ፍትሒ ሕቶ እዮ ከምዝበሉ ኣመልኪተን።

ስነ ምርምራዊ መጽናዕትን ዕዮን ብዙሕ ትዕግስትን ጻዕርን ዝሓትት፡ ውጽኢቱ ድማ ኣብ ዝሓጸረ ወይ ከኣ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ዝዕተርን ክኸውን ይኽእል እቲ ዝድለ ውጽኢት እውን ከይተብጽሔ ክተርፍ ዝከኣል እዩ እንተዀነ እዚ ኣድካሚ ዕዮ ናይ ሓጎስ ምንጪ ምስትውዓል የድሊ፡ እዚ ሓጎስ እዚ እዩ ነቲ ናይ ስነ ምርምር ዕዮ ከነቓቕሕ ዝግብኦ። እዚ ሓጎስ እዚ እዩ እቲ እተካይድዎ ምርምር ንኻልኦት ከተካፍሉ ዝድርኸኩም። ናይ ደላያን ስነ ምርምርን ሓጐስ ወትሩ ማሕበርሰብ ዓለም ተመከሮኦም ክግብሩ መታን  ናይ ዝካየድ ሰነ ምርምር ውጽኢት ምስ መላእ ዘርኢ ሰብ ብሕውነትን ብትሕትናን መንፈስ ድማ ሓደራ ኣካፍሉ ቢሎም፡ ቡራኬ እግዚኣብሔር ተመሕጺኖም ስለይ ሓደራ ጸልዩ ቢሎም ዝለገስዎ ቃል ከምዘጠቓለሉ ካምፒዚ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.