2016-06-09 15:16:00

ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ረድኤት ማሕበር ኣገልግሎት ኣብ ኣፍሪቃ


እተን 14 ኣብ ኣፍሪቃ ብዝተፍለየ ሰብኣውን መንፍሳውን ድጋፍ ዘቕርባ ብካሪታስ ናይ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ረድኤት ማሕበር ዝህብኦ ኣገልግሎት ብብሉጽ ኣሰራርዓ ንምውህሃድ መታን ክከኣል ካብ ዝተፈላለያ 15 ሃገታት ዝተዋጽኡ 11 ብፁዓን ጳጳሳት ዝርከብዎም ብጠቕላላ አስታት 50 ዝግመቱ ልኡካን ዘሳተፈ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ፓሪስ ካብ ዕለት 8 ሰነ ክሳብ ዕለት 9 ሰነ 2016 ዓ.ም. ከምእተኻየደ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ካሪታስ ኣብ ኣፍሪቃ መዋቕራውን ውደባዊ ተባራትዖን ብዝብል መርሕ ሓሳብ ዝሓንጸጾ መደብ ልምዓት ለምዘበን 2016 ዓ.ም. ዝጠናቐቅ ቀዳማይ ደረጃኡን ገምጊሙ እቲ ኣብ 2018 ዓ.ም. ዝጠናቐቕ 60 ሚእታዊ ወጻኢታቱ ብናይ ፈረንሳ ናይ ልምዓት ማኅበራት ድጋፍ ዝሽፈን 2.5 ሚሊዮን ኤውሮ ዝሓትት ካልኣይ ደረጃኡ ብዓንተውኡ ከምእተመያየጠሉ ዝሓበረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣተሓሒዙ፥

ከይድታት ትግባሬ ዝተሓንጸጹ መደብ ልምዓት ብሉጽ መታን ክኸውን ዘድሊ ሕንጸት ንኣባላት ካሪታስ ምቕራብ

እቶም ኣብ ናይ ኣፍሪቃ ልምዓት መዳይ ዝተዋፈራ ማሕበራት ካሪታስ ሓለፍትን ኣባላትን እቲ ዝቐርብ መደብ ልምዓት ብሉጽን ዕውትን መታን ክኸውን ናይ ሰብኣውን ምሕደራ ሃብቲ ገንዘብን ዝምልከት ሕንጸት ክወሃቦም ከምዝዀነ እቲ ናይ ፓሪስ ዓውደ ጉባኤ ገሊጹ ናይዚ መደብ ልምዓት ተጠቐምቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፥ ሰነጋልን ቡርኪናፋሶን ማሊን ኣይቨርይ ኮስትን ቶጐን በኒንን ኒጀርን ጫድን ማእከላዊት ኣፍሪቃን ኮንጐ ብራዛቪልን ማዳጋስካርን ብሩንዲን ኮሞሮን ዴሞክራሲያዊት ረፓብሊ ኮንጐ ከምዝዀና ኣፍሊጡ።

ኣድላይነት ደገፍ ካሪታስ ኣብተን ፖለቲካውን ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ቅልውላው ዘለወን ሃገራት

ናይቲ ናይ ካሪታስ መደብ ልምዓት ተጠቐምቲ ሃገራት እተን ዝተፈላለየ ፖሊቲካውን ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ቅልውላው ኣጋጢምወን ዝነበራ ሃገራት ክዀና እንከለዋ፡ ኣብዘን ሃገራት ካሪታስ ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ከምዘበርከተን የበርክት እውን ምህላውን ነቲ ቅልውላው ንምውጋድ ኣብ ዝተገብረን ዝግበርን ዘሎ ጻዕሪ ዘለዎ ተራ ዓቢይን ዝእመነሉን  ምዃኑ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎ እቲ ኣብ 2002 ዓ.ም. ቀጺሉ ድማ ኣብ 2011 ዓ.ም. ኣብ ኣይቨርይ ኰስት ኣብ ትሕቲ ብዕጡቓት ሓይሊ ቅጽጽርን ኣብ ትሕቲ ኢድ መንግስትን ኣብ ዝነበሩ ከባቢ’ታ ሃገር ብዘይ ጸገም ዘቕርቦ ዝነበረ ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ዝምስክሮ ምዃኑ የመልክት። 








All the contents on this site are copyrighted ©.