2016-06-07 16:03:00

ፊሊፒንስ፥ ብፁዕ ኣቡነ ቪለጋስ ሱቕታ ፍርሒ ኣይኰነን


ናይ ፊሊፒንስ ሓድሽ ርእሰ ብሔር ሮድሪጎ ዱተርተ ኣብ ልዕሊ ኣብታን ኣብ ፊሊፒንስ ኣብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝፍንውዎ ዘለዎ ናይ ቃላት መጥቃዕቲ እናተደጋገመን ቀጺሎም እውን ኣብ ፊሊፒንስ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳን ካህናትን ምስሉያትን ምግባረ ብልሽዋትን እንክብሉ ንዝነዝሕዎ ዘለዉ ወረ ናይ ፊሊፒንስ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ሶክራተስ ቪለጋስ ሱቕታ ፍርሒ ኣይኰነን ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ምላሽ ከምዝሃቡሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ዝዘርገሖ ምንጪ ዚና ዝጠቐሳ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ሓቢረን።

ሱቕታ ጥበብ እምበር ፍርሒ ኣይኰነን

ሱቕታ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ጽን ምባልን ምስትውዓልን ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ፊሊፒንስ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ሊንጋየን ዳጉፓን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ቪለጋስ ብስም ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፊሊፒንስን ናይ ፊሊፒንስ ብፁዓን ጳጳሳትን ንናይ ሃገሮም ሓድሽ ርእሰ ብሔር መልሲ ዝሃቡሉ መልኽቲ፥ ናይ ሱቕታ ክቡር ሚዛን ትርጉሙ ፍርሒ ማለት ኣይኰነ ኣብ ሱቕታ ክቡር ሚዛን ኣሎ ስለዚህ ድማ ኣብ ሱቕታ ዘሎን ብሱቕታ ዝግለጽ ዓቢይ ጥበብ ምርዳእን ምስትውዓልን የድሊ። ሱቕታ ዝምረጸሉ እዋንን ብቓላት ዝተሰነየ ዝወሃብ መልሲ እውን ናይ ገዛእ ርእሱ ጊዜ  ኣለዎ እቲ ኣብታ ጽምዋ ባዕቲ ስጋ ዝለበሰ ቃል ምስ እነፍቅር ኣብ ጽሞናኡን ስቕታኡን ዘሎ ቃል ክንርዳእ ንኽእል ስለዚህ ኣብ ሱቕታ ዘሎ ጥበብ ምርዳእ እቲ ዝዓበየ ጥበብ እዩ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፒሮ ኣብ ዘመሓላለፈኦ ጠቀስ ምንጪ ሲር ናይ ዜና ኣገግሎት ኣስዒበን፥

ኣብ ቅድሚ ትምካሔን ትዕቢትን ጲላጦስ ናይ ኢየሱስ ሱቕታ

ብፁዕ ኣቡነ ቪላገስ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መእኽቲ እቲ ናቶምን ኣብ ፊሊፒስን ንይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝመረጸቶ ሱቕታ ከምቲ ኢየሱስ ኣብ ቅድሚ ትምካሔን ትዕቢትን ጲላጦስ ዝነበሮ ሱቕታ እዩ፡ ሱቕታኦም ሱቕታ ናይታ ኣብ ፊሊፒንስ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ብፁዓን ጳጳሳትን ሱቕታ ኢየሱስ እዩ ማለት ድማ ንቑሕ ሱቕታን መስተውዓልን ጊዚኡ ምስ በጽሔ ቃላት ኰይኑ ዝወጽእን እዩ። ስለምታይን ናይ ኢየሱስ ሱቕታ ፍጻሜ ክውን ንምግባር ስለ ዝዀነ። ስለዚህ ሱቕታና ይብሉ ፍጻሜ ክውን ዝግበርን ከም ጸላኢ ንዝርኤካን ዝሓስበካን ምኽባርን ስለኡ ዝንበር ጸሎት ዝውክልን እዩ ኢሎም፡ ስለ ናይ መላእ ሃገርን ሕዝቢ ፊሊፒንስ ሃሴትን ናይ ሓባር ጥቕምን ከም ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፊሊፒንስ ናይ ዝዓርግ ጸሎት ትእምርቲ እዩ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ዘመሓለፎ ምንጪ ዜና ዝጠቐሳ ልእኽቲ ጋዚጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፒሮ ኣፍሊጠን።








All the contents on this site are copyrighted ©.