2016-06-07 15:48:00

ኣፍሪቃ፥ ናይ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ዞባዊ ዓውደ ጉባኤ ዛዕባ ሓደስቲ መራኸቢ ብዙሃን ንኣስፍሆተ ወንጌል ኣገልግሎት


ሓደስቲ መራኸቢ ብዙሃን ብኸመይ መገዲ ንኣስፍሆተ ወንጌል ምጥቃም? ንዝብል ሕቶ መልሲ ንምሃብ ናይ ኣፍሪቃ ዞባዊ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ዘካይዶ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ጋና ርእሰ ከተማ ኣንካራ ናይ መላእ ኣፍሪቃ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ድርገት ኣቦ መንበር ኣብ ናይጀሪያ ናይ ሰበኻ ኦዮ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ማኑአል ባደጆ ተመሪሑ ዕለት 6 ሰነ 2016 ዓ.ም. ከም እተጀመረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ገሊጹ።

እቲ ዝካይድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ናይ መራኸቢብዙሃን ኣገልግሎ ብሉጽ ንምግባር ዝድግፍ ኣንፈት ንምልላይን ርክባት ንምውህሃድን ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘተኰረ ክኸውን እንከሎ፥ ኣብ መንጐ ናይ ዞባዊ ብፁዓ ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ዝሓልዩ ድርገታት ምትሕብባር ክህሉን ልምድታትን ተመክሮታትን ምልውዋት እውን ክህሉን ዘተባብዕን ዕላማ መራኸቢ ብዝሃን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘንጽር ክኸውን እንከሎ፥ ኣስዒቡ እውን እቲ ናይ መላእ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብፁዓን ጳጳሳ ቤት ምኽሪ ብመራኸቢ ብዙሃን ኣቢሉ ናይ ዘካይዶ ርክባት ሜላ እንታይ ተመስሎኡ ዝትንትንን ብዞባውን ብክፍለ ዓለማዊ ደረጃ ኣብ መንጐ ናይ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳ ኣባይቲ ምኽሪ ብናይ መራኸቢ ብዙሃን ኣባይቲ ጽሕፈት ኣቢሉ ምትሕብባን ርክባት ምስላጥ ኣብ ዝብል ነጥቢ እውን ዓሚዩቕ ናይ ሓሳብ ኣስስተንትኖ ከምዝካይድን ምስ እዚ ብምትሕሓዝ ድማ እቶም ተጋባእያን ኣብ ኣፍሪቃ ዘላ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘለዋ መርበባት ሓበሬታ ምሕደራኡን ኣጠቓቕማኡን እዚ ድማ  ንኸመይ መልክዕ ኣጠቓቕማ መርበብ ሓበሬታን ናይ መርበባ ሓበሬታ ኣድራሻታት ብዘይተደናገረ መልክዕ ክስራሕን ናይ ብፁዓን ጳጳሳት እጦማር ማለት ኢማይል ፈሊኻ ብትኽክል ንምቕራብ ዝሕግዝን ብሉጽ ንምግባርን  ዘብቕዕ እወታዊ ድርዀት ከምዝቕበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት፡

እቲ ዓውደ ጉባኤ ናይ ምዕራብን ምብራቕን ደቡብን ማእከላይ ኣፍሪቃን ግብጽን ማዳጋስካርን ናይ ህንዲ ውቅያኖስ ሃገራትን ናይ ሰሜናዊ ሃገራት ኣፍሪቃ  ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ዝውክሉ ተጋባእያን ዘሳተፍ ምዃኑ ሲር ካብ ዝሃቦ ሓበሬታ ክፍለጥ ተኻኢሉ።








All the contents on this site are copyrighted ©.