2016-06-07 16:57:00

ቨነዝዌላ፥ ናይቲ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ኣደዳ ሕጻናት ዘጋታት እያቶም


እቲ ኣብታ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ኣብ እትርከብ ሃገረ ቨነዘዋላ ተኸሲቱ ዘሎ ኤኰኖሚያውን ማሕበራውን ቅልውላው ኣብዚ እዋን’ዚ ኣዚዩ ንትሕቲ ዕድመ ዜጋታት’ታ ይሃስይ ምህላዉ ኣብ ኢጣሊያ እትርከብ ካቶሊካዊ ቤተ ክርስቲያን እቲ ኣብታ ሃገር ተኸሲቱ ዘሎ ወጥሪ ዝተመልኦ ህሉው ኩነት ብሰላማዊ መገዲ ክፍታሕ ጻውዒት ንምቕራብ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ዘስመረሉ ሓሳብ ክኸውን እንከሎ ናይ ቨነዝዋላ ብፁዓን ጳጳሳ ቤት ምኽሪ ብተደጋጋሚ እቲ ፖለቲካዊ መዋቕራዊ ቅልውላው ኣዚዩ ሓደገይና ምዃኑ ገሊጹ እዚ ውጡር ኩነት’ዚ ንካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ኣዚዩ የተሓሳስቦ እውን ምህላዉን ብፍላይ ድማ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ምኽንያት ኣብታ ሃገር ዝተኣታተወ ዘሎ ናይ መድሃኒትን መግብን ሕጽረትን ስእነትን ሓደ ወዲ 8 ዓመት እድመ ሕጻን ብስእነት መድሃኒት ዘጋጠሞ ንሕልና ዝትንክፍ ናይ ሞት ሓደጋ ነቶም ናይቲ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ተሓተቲ ኣካላት ዓቢይ ናይ ሕልና ሕቶ ምዃኑ ዝንገረሉ ዘሎ ክውን ታሪኽ ዝጠቐሰ ናይ ቅድስት መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ናይ ዕለት 6 ሰነ 2016 ዓ.ም. ሕትመቱ ኣፍሊጡ፥ ስእነት መድሃኒትን መግብን የጋጥም እውን ምህላዊ ሓቢሩ፡ ካብ ጠቕላላ ትምህርቲ ዝከታተሉ ሕጻናት እቲ 25 ሚእታዊ ዝሽፍን ትምህርቱ ንኸቋርጹ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ከምዘገደዶን ካብ ጠቕላላ ብዚሒ ሕጻናት እታ ሃገር ልዕሊ 30 ሚእታዊ ዝሽፍን እውን ብስእነት ዝተመጣጠነ መግቢ ይሳቐይ ምህላውን ኣባይቲ ስድራ ናብ ድኽነት የንቆልቁሉ ከምዘለዉ ህልው ኩነታት ቨነዝዋለ ጠቒሱ የመልክት።

ብፁዓን ጳጳሳት ቨነዝዋላ ኣብ ቀረባ እዋን ብናይታ ሃገር ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ኩማና ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ዲየጎ ራፋኤል ፓድሮን ሳንቸዝ ኣቢሉ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ፖለቲካዊ መዋቕራዊ ቅልውላው ማሕበራዊ ሕይወት ዘመዛብልን ብፍላይ ድማ ኣብ ዞባ ትሩኹዮ ስለስተ ምንእሰያት ከምእተቐትሉ ገሊጾም እዚ ማሕበራዊ ሕይወት ንሓደጋ ዘቃልዕ ዘሎ ቅልውላው ንምውጋድ ኵሉ ዜጋ እታ ሃገር ኣሕዋት ምዃኑ ተኣሚኑን ኩሉ ብሓባር ንናይ ሓባር ጥቕሚ ደው ቢሉን ብዘይ ፖለቲካዊ ርእየት ዓለም ምግምማዕ ብምትሕስሳብ ቅድሚ ኩሉ ፍቕርን ምትሕልላይን ብምቕዳም ኩሉ በቢ ሓላፍነቱ ንምርግጋእን ሰላምን ክዓይ ድማ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ናይ ሓደ ዜጋ ስቓይ ናይ ሕዝቢ ስቓይ እዩ፡ ናይ ሕዝቢ ስቓይ ድማ ማሕበራዊ ስቓይ እዩ ቢሎም እቲ ንቨነዝዋላን ሕዝባን ንዝተፈላለየ ሓደጋ ዘቃልዓ ዘሎ ፖለቲካዊ መዋቕራዊ ምስሕሓብ ዘተኣትዎ ዘሎ ቅልውላው ብዘተ ብዝተሰነየ ብህጹጽ መዕለቢ ክርከበሉ ጻውዒት እውን ኣቕሪቦም፡ ምእንቲ ሰላምን ስምምዕን ከይተሓለሉ ከምዝጽልዩ ድማ ብምርግጋጽ ናይ ሕዝብን ሃገርን ጥቕሚ ነቐድም ከምዝበሎ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ናይ ዕለት 6 ሰነ 2016 ዓ.ም. ሕትመቱ የመልክት።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዝተፈላለያ ናይ ካቶሊካዊት ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራትን እቲ ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ረድኤት ማሕበር በቲ ኣብ ቨነዝዋላ ብዘሎ ጨንፈሩ ኣቢሉ ሕዝቢ ኣጋጢምዎ ንዘሎ ስእነት መግብን ኣገልግሎት ሕክምናን ዘቃልል ደገፍ ኣብ ምቕራብ ይዓዩ ከምዘለዉን ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብዚ መዳይ’ዚ ዓቢይ ሓገዝ የቕርብ እውን ምህላዉ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ ጠቒሱ እንክሕብር፡ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ፖለቲካዊ መዋውቕራዊ ቅልውላው ብዝተ መዕለቢ ክረክብ ሓደራ ቢሉ ምትሕልላይን ምትሕብባርን ኣብ ጽንኩር ኩነትን ኣብ ሰናይን እዋንን ክንበር ዘለዎ ክብሩ ዋጋ እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.