2016-06-04 15:24:00

ቃል ስብከት ቅዱስ ኣቦና ኣብ ናይ ምሕረት ዓመት ዝተነብረ ናይ ካህናት ኢዮቤል


ካብ መላእ ሃገራት ዓለም ዝተዋጽኡ ልዕሊ 6 ሺሕ ዝግመቱ ካህናት ብእንነብሮ ዘሎና ናይ ምሕረት ዓመት ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ካብ ዕለት 1 ክሳብ ዕለት 3 ሰነ 2016 ዓ.ም. ንኽካይድ ኣብ ዝጠለብዎ ናይ ካህናት ኢዮቤልዮ ንምስታፍን ቃል ቅዱስ ኣቦና ንምቕባል ኣብ ሮማ ከምዝተረኽቡ፡ እቶም ካህናት ብጀካ ቃለ ኣስተንቶኖ ቅዱስ ኣቦና ብጉጅለ ተኸፋፊሎም ናይ ቅዱስነቶም ተሓባበርቲ ናይ ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዎት ሓዋርያዊ ሓለፍቲ ብፁዓን ካርዲናላት ኣስተምህሮ ከምዝቐረበሎም ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ገሊጾም።

ቅዱስ ኣቦና ነዞም መንፈሳዊ ነጋዶ ካህናት ዝነብርዎ ሱባኤ መሰረት ዕለት 2 ሰነ 2016 ዓ.ም.  ሰዓት ዓሰርተ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራኖ ቀጺሎም ድማ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅድስቲ ማርያም ዓባይን ሰዓት ኣርባዕተ ድሕሪ ቐትሪ ድማ ኣብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ፎሪ ለሙራ ቃለ ኣስተንትኖ ከምዝለገሱ  ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ሓቢሮም።

ጽማሬ ቃለ ኣስተንትኖ ቅዱስ ኣቦና

ቀዳማይ ቃለ ኣስተንትኖ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራኖ

ምሕረት እግዚኣብሔር ርሒቕካን ተፈሊካን ካብ ምንባር ናብ ዓቢይ ሓባራዊ በዓል ዘሰጋግር እዩ፡ ቅዱስ ኣቦና ነዚ ሓሳብ’ዚ ታሪኽ ናይቲ ኣብ ወንጌል ተነቢሩ ዘሎ ታሪኽ ጥፉእ ውላድ ኣሞርኵይዞም፡ ምሕረት እግዚኣብሔር ደረት ኣልቦ እዩ፡ እቲ ጠፊኡ ዝነበረ ውላድ ክብሩ ኣጥፊኡ ኣብ ሓሳርን መከራን ትሕቲ ሰብእነት ካብ ምንባር ተፈልዩ እንከብቅዕ ናብ ቤት ኣቦይ ምስ በለን እቲ ወትሩ ዝጽበዮ ምሕረት ድማ ሓንጎፋይ ቢሉ ይቕበሎ። ዘይጸባጸብ ምሕረት። ብምምላስካ በዓል ዝገብር ምሕረት ካብ ክብሪ ምጥፋእ ዳግም ናብ ክብሪ ዘሰጋግር እዩ፡ ሓጢኣት መአከብ ናይ እግዚኣብሔር ምህረት ይኸውን። ምሕረት ሓጢኣት ክፍትጽም ዝደሊ ኣይኰነን። ሰገር ልዕሊ ኵሉ ሓጢኣት እዩ፡

ጥፉእ ውላዱ ዝቕበል ኣቦ ነቲ ዝሓለፈ ምንባር ውላዱ ዝጸብጻጸ ኣይኰነን። ናብ ካህን ንኽናዘዝ ዝቐርብ እውን ከምኡ። ብቑጣዔን ብወቐሳን ዘይኰነስ ካብ ሓሳር ናብ ክብሪ እንምለሰሉ እዩ። ስለዚህ ዓቢይ በዓል እዩ። እቲ ዘናዝዝ ካህን ናይቲ ነቲ ጠፉኡ ዝነበረ ውላዱ ዝቕበል ኣቦ ዝነብረ ኩነት ዝነበር ክኸውን ኣለዎ።

ናብቲ ዝወደቕናሉ ዓዘቕቲ ሓጢኣት እትወት እግዚኣብሄር ትስብእቱ እዩ። እቲ ፍጹም ምሕረቱ ድማ ኣብቲ ናይ ዝመሓር ሕይወት እትወት እዩ። ንኣኡ መታን ክንመስል ነኣና መሰለ። መሓሪ ነቲ ተመሓሪ ክመስል ኣለዎ። ምእንቲ’ዚ ካብቲ ፈሪሳዊ ክህነት ምጥንቃቕ የድሊ። መሓርን ተመሓን ክራኸቡ ግድን እዩ። ምሕረት ንናይ ሕልና መርመራ መገዲ እዩ። ንኻልእ ኣብ ምምሓር ገዛእ ርእስኻ ኢኻ ተስተውዕል መንን ከመይ ምዃንካ ተስተውዕል፡ ምሕረት እግዚኣብሔር ሕልፊ እዩ። ካብ ተነጺልካን ምንባር ናብ ተወሃሂድካ ምንባር ክብሪ ዘሰጋግር እዩ። ምሕረት ተግባራዊ ብምዃኑ ድማ ዝተምሓረ ንኻልእ እውን ዝሓስብ ይኸውን፡ ንዝተናዕቁን ንድኻታን ንዝተነጸሉን ክትሓስብ ይድርኽ። ምሕረት ናጻ ዘውጽእ ብምዃኑ ድማ ምቑሓት ናብ ሓርነት መታን ከብሉ ንስኻ ናብኣቶም ንኸተብል የተባብዕ ከዝበሉ ጂሲቶ ገሊጾም።

 

ካልኣይ ቃለ ኣስተንትኖ ቅዱ ኣቦና ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ

ኣብዚ ካልኣይ ቃአ ኣስተንትኖ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ተክብለ ሰብነት ማርያም ኣተኵይሮ ከዝገበሩን። እዚ ድማ ማርያም መንበረ ምሕረትን ምንጪ ምሕረትን ምዃኑ ብምግላጽ ካህናት ንሕዝቦም ብዓይኒ ማርያም ክጥምቱ ከምዝግብኦም ንምትሕስሳብን ምሕረት ልቢ ዝሕድስ እምበር ቤት ስእሊ ኣይኰነን። ቅዳሕ ስእሊ ዝህብ ዘይኰነስ ዝተሓደሰ መንነትካ ዳግም ዘውህብ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ገሊጾም። ፕላጃዊ ቲዮሎጊያዊ ጽንሰ ሓሳብ ናይ ኣዳም ሓጢኣት ሰብኣዊ ባህርይ ኣይትክፍን እዩ ከም ዝብሎ ኣይኰነ፡ እግዚኣብሔር ኣብ ምሕረቱ ዘይስልክይ ኣምላኽ እዩ። ዝምሕር ጥራሕ ዘይኰነስ እቲ ምሕረቱ እንዓቝረሉ ዕትሮ እውን ዝሕድስ እዩ። እቲ ምሕረቱ እንቕበለሉን ሓድሽ ወይኒ ኣነንብረሉን ዕትሮና ዝሕድስ እዩ።

ቅዱሳት ዘይሓጥኣን ማለት ኣይኰኑን እንታይ ደኣ ሓጢኣተይና ምዃኖም ብጣዕሳ ዝእመኑ እያቶም። ቅዱስ ጳውሎስ ካብ ኣጥባቕነት ሕጊ ናጻ ስለ ዝወጸ ካልኦት ካብዚ ኣጥባቕነት ሕጊ ክላቐቑ መታን ወንጌል ከበስር ይጽዋዕ። ዝተምሓረ ካልኦት እውን ንኽመሓሩ ልኡኽ ይኸውን። ስለዚህ ሕጊ ቅድመ ኩነት ዝገበረ ምሕረ ዘይኰነስ ምሕረት ንምቕባል ዕቡይነት ትምክሕትን ኣነ ሕጊ ዘኽብር እየ ምድሓን ካብ ምኽባረይ ሕጊ እዩ  ካብ ዝብል መንፈስ ምልቓቕ ከምዘድሊ ጳውሎስ የረጋግጸልና፡ ምስ እዚ ኣተሓሒዞም ኣምበአር ከስ ቅዱስ ኣቦና ቅዱስ ዮሓንስ ቅዱስ ኣጎስጢኖስን ቅዱስ ፍራንቸስኮን ቅዱስ ኢግናዚዮ ዘሎዮላን ካልኦትን ቅዱሳት ዘኪሮም ብምሕረት እግዚኣብሔር ካብ ትምክሕቶምን ትዕቢቶምን ዝተፈወሱ ምዃኖን ይገልጹ። ማርያም ካህን ንሕዝቢ ብዓይኒ ፍቕሪ ንኽጥምት ትእምርቲ እያ፡ ማርያም ኪዳን ምሕረት ንሕዝቢ ክትከውን ዝተጸውዔት እያ። እምበኣር ከስ ንካህን ኣብነት ንሳ እያ። ናይ ማርያም የዕይንቲ ማሕጸናዊ እምበር ቤት ፍርዳዊ ዓይኒ ኣይኰነን ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ሓቢሮም።

 

ሳልሳይ ቃለ ኣስተንትኖ ቅዱስ ኣቦን ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ፉዎሪ ለ ሙራ

ዮሓንስ ወንጌል ምዕ. 2 ካብ ፍቕዲ 1 ክሳብ ፍቕዲ 12 ዘሎ ጠቒሶም ንሱ ዝበልኩም ግበሩ እትብል እኖ ዘኪሮም ጐይታ ምሕረቱን ግብረ ተኣምር ክፍጽም መታን ንሱ ዝበለኩም ግበሩ። ንሱ ንዝብሎ ካብ ምፍጻን ናይ ዘይሕለል ሕይወት ወሳንነት ማይርያም ኣብነት እያ።

ብዙሕ ሕዝቢ ተኣኪብሉ ኣብ ዘነበረሉ ስፍራ ናይቲ ዓይነ ስውር በርጠለመዎስ ኣውያት ዝሰምዔ እታ ጫፍ ልብሱ ዝተንከፈ ብፍሰት ደም ሕማም ዝተጠቕዔትን ንዘክር። ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ጥልቂ ስቓይ ጽን ዝበለ ኢየሱስ ንዘክር። ቅብኣ ምሕረቱ ክቐብኣና ንኣና መሰለ። ምሕረቱ ጸጋ እዩ እሞ፡ ምሕረቱ ምልማን የድሊ።

ቅዱስ ኣቦና መዝገበ ሃይማኖት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፍቕዲ 2449 ጠቒሶም ንምድሓንና ንኣና ዝመሰለ በዚ መገዲ እዚ ኣቢሉ ናጻ ዘውጽእ ምሕረት ጸገወና  እዩ። ኢየሱስ ኣብቶም ዝተናዕቁን ድኻታትን ህልው እየ እክብል ዝገለጾ ሓቂ ቤተ ክርስቲያን ንእተቕብርቦ ግብረ ሰናይ መሰረት እዩ። ንሕዙናትን ዝተናዕቁን ዝተጨቆኑን ቤተ ክርስቲያን እተቕርቦ ግብረ ሰናይ ናጻ ዘውጽእ እዩ። ካህን ናይዛ ቤተ ክርስቲያን ኣገልጋሊ እዩ። ኩሉ ንእግዚኣብሔር ክወድስን ከመስግንን ዘብቕዕ ተግብር እዩ።

ሕዝበ እግዚኣብሔር ዘይምሕሮ ነገር እንተሎ ፈታው ገንዘብ ካህን እዩ። ገንዘብ ስለ ዘለዎ ዘይኰነስ እግዚኣብሔር ዘረስዕ ብምዃኑ እዩ። ሃብታም መታን ክንከውን ድኽነትና ናይ ገዛእ ርእሱ ገበረ። ምርካብ ኣብ ምሃብ ክኸውን ኣለዎ። ካብ ዘይምሃብ ዘይምርካብ ከየጓንፈና ንጠንቀቕ፡ ፍቕሪ ሒዝና ዘይንጓዓዝ ካህናትን ክርስቲያንን ከይንኸውን ሓደራ ንጠንቀቕ ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ጂሶቲ ኣስዒቦም  ኣብ ግብረ ሰናይ መንፈስ ዝነብር ካህን ናይ ሕዝቢ ስቓይን መከራን ፈልዩ ዘስተውዕልን ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣደነት ዝነብር እዩ፡ ኢየሱስ ነታ ኣመንዝራ ኣይፈረዳን ትወገር እውን ኣይበለን እንታይ ደኣ ኣነ እውን ኣይፈርደክን እየ ዝኹንነክን ዘውግዘግን ሓደ’ኳ የሎን እሞ ኪዲ ደጊም ኣይትሕጥኢ እዩ ዝበላ፡ ኢየሱስ እንክፍውስ ደጊም ኣይትኣብስ እዩ ዝብል። ኣብራኹ ዓጹፉን ነቲ ፈውሲ ዝልምን ትሕት ቢሉ ናብ ዝወደቖ ቀሪቡ እዩ ዝፍውስ። ምስጢረ ንስሓ ድማ እዚ ፈውሲ’ዚዝፍጸመሉ ናይ ፍቕርን ምሕረትን ስፍራ እዩ። ናጻ ዘውጽእ ሓቂ ዝተብሮ ስፍራ እዩ። እተን ዝጠፍአ ኣባጉዕ ዘናድን ሕያዋይ ሳምራውን ነቲ ጥፉእ ወዲ ሓንጎፋይ ቢሉ ዝቕበል ኣቦ ዝነብርዎ መንፈስ ዝንበረሉ ስፍራ እዩ። ግብረ ምሕረት ኣብ ማሕባራዊ ሕይወት ኣንታይ ተመስሎኡ ድማ ተንቲኖም ግብረ ምሕረት ብቕዱሳ ምስጢራትን ብግብረ ሰናይን ብሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝንበር እምበር ዘይጭበጥ ረቂቕ ሓሳብ ኣይኰነን ቢሎም ጸሎት ሕያዋይ ጓሳ ደጊሞም ዝለገስዎ ቃለ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.