2016-05-31 15:34:00

ምስጋና ናይ መላእ ሩሲያን ሞስኮን ፓትሪያርክ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ፈደራላዊት ሩሲያ ልኡከ ቅድስቲ መንበር ንኸዀኑ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ቸለስቲኖ ሚሊዮረ ከምዝሰመዩ ዕለት 28 ግንቦት 2016 ዓ.ም. ብወግዒ ብናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተም ዝተዘርግሔ ዜና ምኽንያት ናይ መላእ ሩሲያን ሞስኮን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪል ንቕዱስ ኣቦና ምስጋናኦም ከምዘመሓላለፉን እዚ ድማ ነቲ ስደት ክርስቲያን ከብቅዕን ኣብ ዓለም ናይ ግብረ ገብ ክብርታት ንምክልኻል ኦርቶዶክሳዊትን ካቶሊካዊትን ኣቢያተ ክርስቲያን ብሓባር ዘካይድኦ ጐስጓስን ሕንጸትን ዘበራትዕ ከምዝኸውን እምነቶም ምዃኑ ከምዝገለጹ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሊዛ ዘንጋሪኒን  ናይ ሩሲያ ኢንተራክስ እተሰምየ ናይ ዜና ኣገግሎት ዝሃቦ ዜና ዝጠቐሰ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ዝሃቦ ምንጪ ዜና ጠቒሰን እንክሕብራ፥

ዓቢይ ናይ ስነ ኣህጉራት ርክብ ሊቅን ተመክሮ ዘለዎም ልኡኽ

ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ቸለስቲኖ ሚሊዮረ ካብቶም ኣብ ናይ ስነ ኣህጉራት ርክባት ብሉጻት ተባሂሎም ካብ ዝንገረሎም ሓደ ምኻኖም ክግለጽ እነክሎ እቲ ኢንተር ፋክስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ነዚ ብምምልካት ናይ ሩሲያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ኣብ ናይ ክልቲኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ዘሎ እቲ ድሕሪ ኣብ ሃቫና ኣብ መንጐ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮን ናይ መላእ ሩሲያን ሞስኮን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪል ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ ዓሚዩቕ እናዀን ንዝኸይድ ዘሎ ርክብ ዘበራትዕን ዘሕይልን ምዃኑ ናይ ሩሲያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ከምእተኣምነሉ የረጋግጽ እንክብሉ ኤሺያን ኔውስ ናይ ሩሲያ ኢንተርፋክስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ጠቒሱ ዝዘርግሖ ዜና ተወኪሰን ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ዘንጋሪኒ ሓቢረን።

ጥብቂ ርክብ ኣብ መንጐ ናይ ሩሲያ ፓትሪያርክን ቅድስቲ መንበርን

ቅዱስ ኣቦና ር.ኢ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሊቀ ጳጳሳት ቸለስቲኖ ሚሊዮረ ሓድሽ ልኡከ ቅድስቲ መንበር ኣብ ሞስኮ ንኽዀን ምስያሞን ነቲ ኣብ ናይ ሩሲያ ፓትሪያርክን ቅድስቲ መንበርን ዘሎ ጥብቂ ርክብ ዘለዎም ሓልዮትን ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ልዕሊ ማሕበረ ክርስቲያን ዝፍነው ዘሎ ሓደጋ ደው ክብልን ኣሳዶ ክርስቲያን ንኸብቅዕ ማሕበረሰብ ዓለም ዘይሕለል ጻዕሪ ክግበር  መታን ኣብዚ መዳይ ኣቢያተ ክርስቲያን ዘካይድኦ ዘለዋ ጻዕርን ጐስጓስን ዘሕይልን ግብረ ገባዊ ክብሪ ንኽኽበርን ማሕበረ ክርስቲያን ነቲ እዋናዊ ብድሆ ክብድህ ዘሳልጦ ነቲ ናይ ሓባር ጻዕሪ ዘነቓቕሕ ምዃኑ እውን ከምእተመልከተ ዘንጋሪኒ ኣፍሊጠን።








All the contents on this site are copyrighted ©.