2016-05-26 19:19:00

ጸሎት ኩሉ ግዜ ተስልጥ እያ! ግን በትረ ጥንቈላ ኣይኮነትን! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ሮቡዕ ኣብ ዝሃብዎ ትምህርተ ክርስቶስ ‘ክርስትያን ዘቦኡ ካብ ምጽላይ ኣየባትኽን ወላውን ኣብቲ ጽንኩር ግዝያት! ምኽንያቱ ከኣ እምነት ምስ እግዚኣብሔር ቀጻሊ ርክብ ብምግባር እዩ ዚዕቀብ እዚ ከኣ ብጸሎት እዩ ዝፍጸም፣’  እንክብሉ ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከየባተኹ ምእንቲ ክጽልዩ ንሓዋርያቱ ብምሳሌ ገሩ ኣብ ወንጌል ሉቃስ ‘ከይሰልከዩ፣ ወትሩ ኪጽልዩ ኸም ዚግብኦም ንኼረድእ፣ እዚ ዚስዕብ ምስሌ እንኬቅርበሎም ድማ ‘ኣብ ሓንቲ ኸተማ፡ ንእግዚአብሔር ዘይፈርህ ንሰብ ድማ ዘይሓፍር ፈራዲ ነበረ። ኣብታ ኸተማ እቲኣ ድማ ሓንቲ መበለት ነበረት እሞ፡ እናተመላለሰት ‘ምስ በዓል ነገረይ ፍትሒ ኣውጽኣለይ!፡’ ትብሎ ነበረት። ንሱ ንሓያሎ ጊዜ ኣበያ ድሓር ግን ብልቡ፥ ‘ንእግዚአብሔር እኳ  እንተ ዘይፈራህኩ ንሰብ እውን እንተዘይሐፈርኩ፡ እዛ መበለት እዚኣ ላሕ ተብለኒ ኣላ እሞ፡ ወትሩ እናመጸት ዕረፍቲ ከይተከልኣንስ፡ ፍትሒ ደኣ ኸውጽኣላ፡’ ቢሉ ሓሰበ’ በሎም። ጐይታና ቀጺሉ፥ ‘እዚ ዓመጸኛ ፈራዲ ዚብሎ እሞ ኣስተውዕሉ! እግዚኣብሔር ግዳ ነቶም ለይትን መዓልትን ናብኡ ዜእውዩ ሕሩያቱ ፍትሒ ከየውጽአሎምዶ ይድንጒ እዩ፧ ብቅልጡፍ ፍትሒ ኸም ዜውጽአሎም፡ ኣረጋግጸኩም፣  ግናኸ ወዲ-ሰብ እንኪመጽእስ እምበርዶ ኣብ ምድሪ እምነት  ኺረክብ እዩ፧’ በለ። (18.1) ንዝብል ብሰፊሑ ተንቲኖም።

በዚ ምሳሌ እዚ ጌሩ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኩሉ ጊዜ ብጸሎት ኣብ ልቢ እግዚኣብሔር ከይሰልከና ክንኩሕኩሕ ነቲ እንልምኖ ከኣ ከም ልመናናን ቅድስናናን ዘይኮነ ከም ጸጋ ከም እንቅበሎ ኣሚና ልዕሊ እቲ ዝለመናዮ ክሳብ ንረክብ ክንጽዕር ምዃኑ ድሕሪ ምዝኽኻር እግዚኣብሔር ምንጪ ምሕረት ምዃኑ ኣሚና በቲ ኣባኡ ብምጽጋዕን ብምልማኑን ዝሕይል እምነት ክንጐዓዝ ሓደራ ቢሎም፣ እቲ ካልእ ነጥቢ ኢየሱስ በዚ ምሳሌዚ ጌሩ ዘስተምህረና ነጥቢ ጽንዓት ምዃኑ ከኣ ወላውን ፈሪሃ እግዚኣብሔር ናይ ዘይብሉ ጭካኔ ናይቲ ፈራድን ጽንዓት ናይታ መበለትን  ከመይ ቢሉ ኣብ መወዳእታ ከምዝሰዓረን ብምምልካት ይገልጾ፣ እዚ ኩነት ናይዛ ናይዛ መበለት ከም ምሳሌንን ናይቲ ዘመን እቲ ፍጻሜን ገርካ ክውሰድ ዘይብሉ ምዃኑ ምግንዛብ ከምዘድሊ ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኺሮም፣

‘ሓንቲ መሽኪን መበለት ኣብቲ ከባቢ ቤተመንግስቲ ናይዚ ጨካን መስፍን በይን ዝከላኸለላ ዘይብላ እቲ መስፍን ረጊጽዋ ክሓልፍን ምንም ፍትሒ ከውጽኣላን ዘይሕሰበሉ ኩነት ዝርከቡ ሎሚ እውን እንተኾነ ክንደይ ዘኽታማትን ስደተኛታትን ኣለው፣  እዛ መበለት እዚኣ እንኮ መጋበሪኣ ወላ ኣይስመዓያ ጥርዓናን ኣውያታን ምቅጻል እዩ ከምዚ ብምግባር ከኣ ተዓዊታ፣ ኣብ ልቢ እዚ ሰብዚ ምሕረት ዝበሃል የለን ሕልና ዝበሃል እሞ ምርሳዑ ይሓይሽ፣ ኮይኑ ግን ነቲ ቀጻሊ ደወል ልመና ናይታ ሰበይቲ ንምቊጻይ ፍትሒ የውጽኣላ፣ ይብሉ እሞ ናብቲ መሓርን ርሕሩሕን ዝኾነ እግዚኣብሔር ምልስ ብምባል እዛ ሰብዚኣ ምስቲ ፈሪሃ እግዚኣብሔር ዘይብሉ ጨካን ንጉስ ክትዕወት ካብ ከኣለት ንሕናኸ ደኣ ምስቲ መሓርን ርሕሩሕን ፍትሐኛን ዝኾነ ኣምላኽና ለሚናን ጠሪዕናን ተማህሊልናን ጥራሕ ኢድናዶ ንምለስ ይመስለኩም፣ ከየባተኽና ክንጽሊ ንሕተተሉኸስ በዚ ምኽንያትዚ እዩ እንክብሉ ካብ ሓይሊ እምብሎ ሓይሊ ጸሎት ዝብል ናይ ባህልና ምሳሌን ውሕስነቱን ገሊጾም፣

ኣብ እንገብሮ ዕለታዊ ጉዕዞ ሕይወትና ኲልና ብድኻም ናይ እንሽነፈሉ ወይውን ተስፋ ናይ እንቈርጸሉ ግዝያት ከምዘሎ ምናዳኸኣ ጸሎትና ዘይተሰምዔን ዘየድምዔን ኰይኑ ኣብ ዝስመዓና ግዜ ካብዚ ናይዚ ምሳሌዚ ዳኛ ብዘይተፈልየ መንገዲ እግዚኣብሔር ሽሕኳ ከማኡ እንተዘይአመናን ሓሰበናን ኮን ዶ ኾን ይኸውን ኣብ ምባል ንበጽሕ፣ ኣብዚ ክንርዶኦ ዘሎና ግን ጸሎት ማለት ጥንቈላ ወይ ናይ ጥንቈላ በትሪ ከምዘይኮነ ምርዳእ የድሊ፣ ቀንዲ ስራሕ ጸሎት ኣብ እግዚኣብሔር ንዘሎና እምነት ንኽንዕቅብን ነቲ ይኩን ፈቃድከ በከመ በሰማይ ከማኡ በምድር ማለት ፍቃድካ ይኹን ኣብ እንብለሉ ፍቃዱ እንታይ ምዃኑ ኣብ ዘይምርዳእናን ዘሎ ኩነታት ንኩሉ ከኣ ኣብ ኢዱ ንክነወፊ ፍቃደኛታት ክንኮነሉ ኣብ እንውስነሉ ኩነት ርድኢትና ክጽገም ከምዝኽእል ምዝካር ከምዘድሊ ኣዘኻኺሮም፣

ቅዱስነቶም ብምቅጻል ነዚ ኣብነት ዝኾነና እቲ ፍጹም ሰብን ፍጹም ኣምላኽን ዝኾን መድሓኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ጌተሰማኒ ዝገበሮን ዘጋጠሞን ከም ሕያው ምስክር ሒዝና ክንጐዓዝ ከምዘለና ንምዝኽኻር ከኣ ናብ ጌተሰማኒ ይጐዓዙ እሞ እቲ ሓያል ገዓር ናይ ኢየሱስ ‘ነዛ ጽዋዕ እዚኣ ካባይ ክተሕልፋ እልምነካ ኣሎኹ! እንተኾነ ፍቃድካ እምበር ፍቃደይ ኣይኹን’ ብማለት ዘቅረባ ነታ ፍቃድ ኣምላኽ ዝኾነት ብቀራንዮን መስቀልን እትሕለፍ ጐዳና ክልውጣ ከምዘይከኣለ ኮይኑ ግን መላእኽቲ መጺኦም ከምዘጸናንዕዎን ዘድሊ ሓይሊ ከምዝሃብዎን ገሊጾም፣ በዚኸስ እቲ ዋጋ ዘለዎ እግዚኣብሔር ንጸሎትና በየናይ መንገድን ኩነትን እዩ ዝቅበሎ ዘይኮነስ እቲ ምሳኡ ዘሎና ርክብ ማለት ብጸሎት ምስ እግዚኣብሔር ኣቦና ክሳብ ክንደይ ከምእንዋሳእን እቲ ብኣፍና እንልፍልፎ ፍቃድካ ይኹን ክሳብ ክንደይ ኣብ ተግባር ከምእንቅበሎን ምዃኑ እቲ ኣብ ደብረ ዘይት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝበሎ ‘ፍቃድካ እምበር ፍቃደይ ኣይኹን’ ዝበሎ እቲ ዝለዓለ ጥርዚ ጸሎትና ምዃኑ ገሊጾም፣ በዚኸስ ናይ ጸሎትና ቦታ ንፍለጥ ይብሉ ቅዱስነቶም ።

‘በዚኸስ ቀንዲ ዕላማ ጸሎትና ካልኣይ ደረጃ ይሕዝ፣ ማለት ቅድሚ ዝኣገረ ምስ እግዚኣብሔር ኣቦና ዘሎና ርክብ የገድስ እዚ ከኣ ንድላይን ኣገባብን ጸሎትና ምስ ፍቃድ ኣምላኽ ከምዝወሃሃድ ይገብሮ፣ በዚኸስ ዝጽሊ ዘበለ ኩሉ ብቀዳምነት ምስቲ መሓሪ ዝኾነ ፍቅሪ ኣምላኽ ዝኾነ እግዚኣብሔር ኣቦ ሓደ ክኸውን ይጽዕር፣ እንክብሉ ቀንዲ ዕላማ ጸሎት ምስ ገለጹ፣ ኣብታ ‘ኣረጋግጸኩም፣  ግናኸ ወዲ-ሰብ እንኪመጽእስ እምበርዶ ኣብ ምድሪ እምነት  ኺረክብ እዩ፧’ እትብል ናይ መወዳእታ ጥቅሲ ቃል ወንጌል ትምህርቶም ምልስ ብምባል ከኣ እዛ ጥቅሲ እዚኣ ኵልና ክንጥቀቀላ ዘሎና ምዃና ከምዚ ክብሉ የዘኻኽሩ፣

‘ወላውን መልሲ እንተዘይተረኽበሉ ኣብ ጸሎትና ክንጸንዕ ኣሎና፣ ጸሎት ውሕስነት እምነትና እዩ፣ ብዘይጸሎት እምነት ነቀይቀይ እዩ ዝብል፣ ንጐይታ ከምታ ናይታ መበለት ሰበይቲ ዘየባትኽን ጽንዑን ጸሎት ክንዘውትር እምነት ክህበና ንለምኖ። ልዕሊ ኩሉ ከኣ መንግስቱ ንክመጽእ ብርቱዕ ሃረርታ ከሕድረልና ንለምኖ` እንክብሉ ነተን ባዕሉ ኣብ ዝመሃረና እንኮ ጸሎት ዝርከባ ማለት ወትሩ እንደግመንዶ ክብል እንልፍልፈን ትምጻእ መንግስትከ ወይኩን ፈቃድክ ዝብላ ማለት ኣብ ኣቦና ኣብ ሰማያት እትነብር እንደግመን መንግስትኻ ትምጻእ ፍቃድኻ ኣብ ሰማይ ከምዝኾነ ኣብ ምድሪ እውን ይኹን ዝብላ ዘተኮረ ትምህርቶም ዛዚሞም፣ 








All the contents on this site are copyrighted ©.