2016-05-21 15:34:00

ብሰበኻ ደረጃናይ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት መናንያንን ማሕበረሰብን ማሕበራትን ቅዋመ ዝምልከት ሕጊ


ብሰበኻ ደረጃ ናይ ናይ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት መናንያንን ማሕበረሰብን ማሕበራትን ቅዋሜ ናይ ሰበኻ ፍቓድ ጥራሕ ዝፈቕዶ ዘይኰነስ ናይ ቅድስቲ መንበር ፍቓድ ከድልዮ ግድን እዩ ዝብል ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳ ፍራንቸስኮ ጳጳሳዊ ናይ ሕጊ ሰነዳት ቤት ምኽሪ ዘቕርቦ ሓሳብ መሰረት ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ፊርማ ዝተነብሮ ተንታኒ ውሳኔ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ምሕተምን መግለጺ ሓቢሩ፡ እዚ ሓድሽ መምርሒ’ዚ ድማ ካብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ሰነ 2016 ዓ.ም. ጀሚሩ ገቢራዊ ከምዝኸውን የመልክት።

እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ሓድሽ ውሳኔ መንቀሊ እቲ ብሰበኻ ደረጃ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝውለዱ ናይ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት መናንያንን ማሕበረሰብን ማሕበራትን ኵላዊ ህያብ እዩ ኣብ ዝብል ሓሳብ ካብ ምስትውዓል ምዃኑ ኣብቲ ነቲ ውሳኔ ዘሰንይ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ክታም ዝተነብሮ ናይ ቅዱስ ኣቦና ናይ ውሳኤ ሰነድ ተምልኪቱ ከምዘሎ ብዛዕባ እዚ ሓድሽ ውሳኔ ቅዱስ ኣቦና ኣመልኪቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ቃለ መሕትት ዘካየዱ ጳጳሳዊ ናይ ሕጊ ሰነዳት ሓልዮ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ዅዋን ኢግናሲዮ ኣሬየታ ሓቢሮም እቲ ውሳኔ ድማ እቶም  ዝቖሙ ናይ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት መናንያንን ማሕበረሰብን ማሕበራትን ብዘይ ምምያን ልልያን ከይከውን እቲ ንምቛም ዝግበር ከይዲ ኵሉ ካብ ብርቱዕ ልልያ ክነቅል ከምዘለዎን እቲ ብድኽነትን ተኣዝዞን ንጽሕናን ዝብል ወንጌላዊ ምዕዶ ዝንበሮ ብምዃኑ ድማ እቲ ዝኽተሎ መንፈስ ቅዱስ ዝዕድሎ መንፈሳዊ ዕላማ ብዕምቆት ክመምይ ዝድርኽን እዩ። ስለዚህ ነቲ ዝቐውም ማሕበር ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ክምመይ ከምዘለዎ ዘተሓሳስብ እዩ ኢሎም።

ቅዱስ ኣቦና ዝሃብዎ ውሳኔ ይብሉ ብፁዕ ኣቡነ ኪግናሲዮ ኣሬየታ፥ ነቲ ኣብ ሕገ ቀኖና ዘሎ ናይ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት መናንያንን ማሕበረሰብን ማሕበራትን ዝምልከት ሕገ ዓንቀጽ 579 ዝትንትን እዩ፡ ስለዚህ ነቲ ንሶም ዝሃብዎ ናይ ትንትና ውሳኔ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ገቢራዊ ዝኸውን እዩ። ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝርከቡ ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት መናንያንን ማሕበረሰብን ማሕበራትን ንኽቖሙ ዝህብዎ ውሳኔ ካብ ቅድስቲ መንበር ፍቓድ ዝሓትት ክኸውን ግድን እዩ። ለዚህ ሕቶ ከየቕረቡን ካብ ቅድስቲ መንበር ምኽሪ ከይሓተቱት ዘቑምዎ ናይ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት መናንያንን ማሕበረሰብን ማሕበራት ፍሩስ እዩ ዝኸውን እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.