2016-05-21 15:31:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፥ ሓቂ ኣብ ሕቶን ድርዳንን ከይእተኻ ንሓጢኣተይና ግና ምርዳእ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ልሙድ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጽሎት ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብምቕጻል ዕለት 20 ግንቦት 2016 ዓ.ም. ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ ብላቲን ስርዓት ባህረ ሓሳብ መሰረት ካብ ማርቆስ ምዕራፍ 10 ካብ ፍቕዲ 1 ክስብ 12 ካብ ቀዳማይ ምንባብ ካብ መልእኽቲ ያዕቆብ ምዕ. 5 ካብ ፍቕዲ 9 ክሳብ 12 ዝተወስዱ ምንባባት ኣሞርኵይዞም ስለ ናይ እግዚኣብሔር ሓቅነት ምንጋርን ምቅላሕን ካብ ንናይ ሰብኣዊ ድኻምነት ናይ ምርዳእ ኩነት ክፈለ የብሉን፡ እዚ እዩ ድማ ኢየሱስ ኣብ ናይ ሎሚ ወንጌል ዘተሓሳስበና ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘማእከለ ስብከት ከዝለገሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደካሮሊስ ሓቢሮም።

ወንጌል ብዙሕ ፈተናታትን መጻወዲያታትን ዝተመልአ እዩ እዚ ድማ በቶም ፈሪሳያንን ናይ ሕጊ መምህርንን ሊቃውንትን ኢየሱስ ዘለዎ ዓቢይ ስልጣንን ኣብ ሕዝቢ ዘለዎ ተቐባልነት ከጥፍኡን ንኸጥቅዕዎን ኣሚቶም ዘቕርብዎ መሰናኽል እዩ። ካብቲ ሓደ እቶም ፈሪሳውያንን ናይ ሕጊ ሊቃውንትን  ዘቕርብሉ መጻውዲያ ድማ ኣብ ናይ ሎሚ ወንጌል ከምእተነንበ ክፍትንዎ ቢሎም “ሰብኣይ ንሰበይቱ ክፈትሓዶ ግብእ እዩ?” እንክብሉ ይሓትዎ፥

ሓቂ ፍርደ ብሂላዊ (ብሂላዊ) ኣይኰንን

ቅዱስ ኣቦና እቶም ናይ ሕጊ መምሃራንን ፈሪሳውያንን ካብታ ንእሽተይ ጉጅለ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንቲ እቲ ኵላዊ ስነ ፍልጠት ናይ ሕዝበ እግዚኣብሔር ጥበብ ዝጨበጡ ኰይኖም ዝስምዖም  ንኢየሱስ ዝቕረብሉ ሕቶ መጻወዲያን ፍርደ ብሂላውን እዩ። ኢየሱስ ግና ካብቲ ንሶም ዘቕርብሉ ፈታኒ ሕቶ ሰገር (ክንየው) ይኸይድ። ንሱ ድማ ኣብቲ ምልኣት ቃል ኪዳን (ምስጢረ ተኢሊል) የብል። በዚ ጥበብ’ዚ ኣቢሉ ካብቲ ዘቕርብሉ መጻወዲያ ይወጽእ። ኢየሱስ ምስ ሰደቃውያን ኣብ ሓደ እዋን ብዛዕባ እታ ካብ ሸውዓተ ኣሕዋት ብመርዓ እናተወራረሰት ብናይ ሙሴ ሕጊ መሰረት ሓደ ብሞት ምስ ዝፍለፈ ናብቲ ሓደ ሓዉ  እናተሰጋግረት ንሸውዓቲኦም ኣሕዋት ዝተመርዓወት ኣብ ትንሳሴ ሙታን ናይ መኖም እያ እትኸውን እንክብሉ ኣቕሪቦምሉ ንዝነበረ ሕቶ ቅዱስ ኣቦና ጠቒሶም፡ ኢየስስ ግና ካብቲ ናቶም ሕቶ ሰገር የብል። ድሕሪ ትንሳኤ ናይ ሓዲኦም እኳ ኣይክትኸውንን እያ። ከምቶም ኣብ ሰማይ ዘለዉ መላኽቲ ዝኽወነሉ ስፍራ ስለ ዝዀነ። ኣብኡ ድማ ምምርዓዓው የልቦን እንክብሉ ከምዝመለሰሎም ኣዘኻኺሮም፡ ኢየሱስ ብዛዕባ መርዓ ዝምልከት ንዝቐርበሉ ዝነበረ ሕቶ ናይ መርዓ ኣብ ፍጻሜ ሕይወትን ዓለምን ዝህልዎ ምልኣተ ትርጉም ዘቃልሕ መልሲ እዩ ዝህበሉ ዝነበረ፡ ምስቲ እግዚኣብሔር ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ፈጠሮም ንሳቶም ድማ ሓደ ኣካል ክዀን እዮም ምስ ዝብል ምልኣተ ትርጉም ቃል ኪዳን ምስ ፍጻሜ ሕይወትን ዓለምን ዝተተሓሓዘ ምልኣተ ትርጉሙ ከምዘለዎ የነጽር፡ ክልተ ዘይኰኑ ሓደ ኣካል፡ ስለዚህ እቲ እግዚኣብሔር ዝኣሰሮ ማንም ክፈትሖ ኣይከኣሎ እዩ። ወትሩ ምልኣት። ወትሩ ናይ ምዃን ምልኣት እዩ ዘነጽር። ኢየሱስ ሓቂ ኣብ ክትዕ ኣይእትውን። እቶም ሊቃውትን ፈላጣት ሕግን ቲዮሎጊያን ግና ሓቂ ናብ ድርዳን ዘእትዉን ነቲ ሓቂ ናብቲ ፍርደ ብሂል የነኣእስዎ። ኢየሱስ ሓቂ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣየእትውን እዩ። ናይ መርዓ ትርጉሙ ድማ ኢየሱስ ገሊጽዎ እዩ። ካልእ ትርጉም የብሉን፡።

ሓቅን ምርዳእን

ኢየሱስ ብምሕረቱ ኣዚዩ ልዑል። ንሓጥኣን በራቱ ጠሩሹ ዘይዓጽው እዩ። ስለዚህ ድማ ናይ እግዚኣብሔር ሓቂ ምብሳር ጥራሕ ዘኰነስ ነቶም ፈሪሳውያን ሙሴ ነቲ ንሶም ዝውከስዎ ዘለዉ ሕጊ ስለምታይ ከምዝኣወጆልኩም  ትፈልጡ ዶ እንክብል እዩ ዝሓቶም፡ እቲ እታ ኣመንዝራ ትወገር ዝብል ትእዛዝ እውን ከይተረፈ ሙሴ ክእውጆ ዘገደዶ ትረት ልባትኩም እዩ። ትረት ልብኻትኩም ርእዩ እዩ ዝኣወጆ እንክብል ድማ ይገልጸሎም፡ ኢየሱስ ሓቅን ሰብኣዊ ድኻምነትን ወትሩ ፈልዩ እዩ ዝርእይ።

ቅዱስ ኣቦና ነዚ ምስቲ እንነብረሉ ኵነት ዓለምን ሕይወን ድማ ኣገናዚቦም እንነብረሉ ዘሎና ኵነት ዘይቅውምነት ናይ ጊዚያውነትን ባህሊ ዝዓብለሎ እዩ። ኢየሱስ ሙሴ ትረት ልባትኩም ርእዩ ከምዚ በለ፡ እው ሓጢኣት ከምዘሎ ይገልጸሎም ምሕረትን ምርዳእን ምስናይን ድማ ከምዘሎ ይሕብሮም። ኣብዚ ድማ ናይ ምምያ ብቕዓት ዘለዎ ኣገዳስነት ዘመላኽት እዩ(ናይ ልልያ)፡ ኢየሱስ ነቲ ሓቂ ኣዚዩ ንጹር ክገብር እንከሎ ብማዕሪእዩ ድማ ንድኻምነትን ሓጥኣንን ምሕረቱን የቃልሕ።

ምሕረትን ይቕረ ምባልን ምዕረት ኣይኰነን

ኢየሱስ ዘስተምህረና እምበአር ከስ ሓቅን ምድርዳእን ማለት እቶም ብርሃነ ኣዕምሮ ዘለዎም ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንቲ ኣብቲ ናይ ሕሳብ ምዕረት ፈተና ሕጹራት ኰይኖም፡ ይከኣል ኣይከኣልን  ዝብል መልሲ መርገጺእም ገይሮም እቲ ንድኹምን ሓጥኣንን ሰብ ፍቕሪ ዘለዎ ልዑል ምስትዓውል ዘየማዕድዉ ካብ ዝሓስብዎን ዝኣምንዎን ፍልይ ዝበለ እዩ፡ ብሓጺሩ ኢይሱስ እታ ክትውገር ኣለዋ ዝተባህለት ኣመንዝራ ብኸመይ ከምዝቐረባን ዝኸናኸናን ምዝካሩ ይድሊ። ኣነ እውን ኣይኵንነክን ኪዲ ዳግማይ ግና ኣይትኣብሲ ኣይትሕጥኢ እዩ ዝበላ ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልእኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደ ካሮሊስ ኣስዒቦም፥

ቅዱስ ኣቦና ዝለገስዎ ኣስተንትኖ እንከጠቓልሉ፥  ብልብና ንሓቂ ንኽንስዕብን ነቶም ኣብ ድኻምነትን ሽግርን ዝርከቡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብልብና ክንርዳእ መታን ኢየሱስ ይምሃረና። እቶም ኣእምሮኦም ዝበርሃሎም ናይ ሕጊ ሊቃውንትን መምህራንን እቲ ምልኣት እግዚኣብሔር ናብ ናይ ክርስትናዊ ምዕረት ዘነኣእሱ ከስተህርዎ ዘይከኣሎም ትምህርቲ መንፈስ ቅዱስ እዩ ዘስተምህሮ ስለዚህ ድም ጸጋ እዩ ቢሎም ጐይታ ጸጋኡ የውርደልና ከምዝበሉ ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.