2016-05-14 16:51:00

ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ደናግል የሕሉቕ ጉባኤ


ዕለት 11 ግንቦት 2016 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ መላእ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ደናግል የሕሉቕ ጉባኤ ኣባላት ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም ካብተን ኣባላት ማሕበር ደናግል ዓበይቲ ኣሕሉቕ ዘቕረባሎም ሕቶ መሰረት ገይሮም ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሰርጆ ቾንቶፋንቲ ሓቢሮም።

እቲ ውዕዉዕ መንፈስ ዝተነብሮ ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዝተኻየደ ርክብ፥ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ካብተን ደናግል ንዝቐርበሎም ሕቶ መልሲ ብምሃብ ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥

ተሳታፍነት ጓለንስተይቲ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ውሳኤታት

ጓለንስተይቲ ኣብቲ ውሳኔ ናይ ምትሕልላፍ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተግባር ግደ ከምዘይብላ ዝከሓድ ኣይኰነን ርኡይ ሓቂ እዩ። ኣብ ቤተክርስቲያን እትወት ጓለንስተይቲ ብፍላይ ድማ ውሳኔ ኣብ ናይ ምትሕልላፍ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተግባር ኣዚዩ ድሑርን ዳርጋ የለን ክበሃል ዝከኣል እዩ፡ ስለዚህ እዚ ንምቕያር ክንደልን ክንዓይን ንቕድሚት ክንብልን ይግባእ ኢሎም፡

ብዛዕባ ስብከት

ኣብ ቤተ ክርስቲያን ወሳኒ ናይ ምዃን ተግባር ምስ ወግዐ ቅስናን ወግዐ ክህነት ዝተኣሳሰረ ተግባር ኣይኰነን። ስለዚህ ኣብ ናይ ቤተክርስቲያን ወሳኒ ተግባር ምትሕብባርን ሱታፌን ጓለንስተይቲ ብሓፈሻኡ ሱታፌ ዓለማዊ ምእመን ኣገዳሲ እዩ። ስለምታይ ሕይወት ብዓይኒ ተባእት ጥራሕ ዘይኰነስ ብዓይኒ ጓለንስተይቲ ምርአይ ኣገዳሲ እዩ። ዝማላእ ርእየት እውን እዩ። ርእየት ጓለንስተይትን ተባዕትን ተማላላኢ እዩ። ምስ እዚ ኣተሓሒዞም ድማ ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ ስብከት ኣብ ስርዓት ቅዳሴ ዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ ኣስዒቦም፡ ሓንቲ ድንግል ሓንቲ ዓለማዊት ኣብ ናይ ቃል ሊጡርጊያ ስብከት ከተስምዕን ክትሰብኽን ክልኩል ኣይኰነን ኣብ ስርዓት ቅዳሴ ግና እቲ ስብከት እቲ ወይንም ህብስትን ናብ ስጋን ደምን ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ምልዋጥ ስልጣን ንዘለዎ ካህን ዝምልከት እዩ። ስለዚህ ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝቐርብ ስብከት ንካህን ዝምልከ ኣገግሎት እዩ። እዚ ድማ ቲዮሎጊያውን ሊጡርጊያውን ጉዳይ እዩ ከምዝበሉ ቸንቶፋቲ ገሊጾም።

ፈተና ኣንስታይነት

ቅዱስ ኣቦና ነተን ናይ ዝተፈላለያ ማሕበር ደናግል ጠቕለልቲ የሕሉቕ ካብ ፈተና ኣንስታይነት ክቑጠባን ክሕለዋን ሓደራ ቢሎም እቲ ቀዳማይ ፈተና ኣንስታይነት እዩ። ናይ ጓለንስተይቲ ግደ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣንስታይነት ኣይኰነን፡ መሰልን ግቡእን ዝምልከት እዩ። እዚ መሰልን ግቡእን’ዚ ድማ ጸጋ ጥምቀ እዩ። ስለዚህ እዚ መሰልን ግቡእን ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ናብ ኣንስታይነት ካብ ምቕያር ምጥንቃቕ የድሊ፡ ስለምታይ ኣገዳስነት ርእየት ጓለንስተይቲ ዘናእእስ እዩ፡ እዚ ሓደጋ’ዚ ኣብ ደናግል ዝረአይ ኣይኰነን። ኣብ ገለ ገለ እዋን ዝተራእየ ሽግር ኣውን እንተነበረ። ሎሚ ኣሎ ክብል ኣይደፍርን ኢሎም።

ፈተና ክህነታውነት

እቲ ካልኣይ ኣዚዩ ከቢድ ፈተና ድማ ክህነታውነት እዩ። ክህነታውነት ኣሉታዊ ጠባይ እዩ፡ ልክዕ ከም ሓደ ሳዕስዒት ታንጎ እዚ ፈተና’ዚ ብሓደ ኣካል ጥራሕ ዘይኰነስ ብክልተ ኣካል ዝኽወን እዩ፡ ስለዚህ ክልኣዊ ምሽባን ዝሓትት ፈተና እዩ፡ እቲ ንድንግልን ዓለማዊ ምእመንን ከኽህን ዝደሊ ካህንን እቲ ክኽህንት ዝደሊ ኩሉ ናይ ቁምስና ሓላፍነት ካብ ገዛእ ርእሱ ኣውሪዱ ንቆሞስ ዝህብ ክዋሳይ ዘይደሊ ዓለማዊ ምእመንን ክህሉ ይኽእል። ነዚ እዩ ድማ ክሌኣዊ ምሽባን ዝሓትት ምዃኑ ዝገለጹ። ብሓደ መዳይ ካህን ኩሉ ንበይኑ ክመርሕን ክእዝዝን ክውንን ዝደሊ ክኸውን ትኽእል ብኻልእ መዳይ ድማ ዓለማዊ ምእመን ወይ ድማ ድንግል ኣብ ቁምስና ካብ ሓላፍነት ንምምላጥን ኩሉ ንካህን ንምሕዳግን ብምድላይ ዝግለጽ ክህነታውነት ኣሎ፡ ክህነታውነት ብጸቕጥን ብንዓይ ይጥዓመኒ ዘስዕቦ ፈተና ምዃኑ ኣረዲኦም።

ማዕርገ ድቁና ንጓለንስተይቲ ዝብል ሓሳብ ዘጽንዕ ኣገዳስነት ምቛም ፍሉይ ድርገት

ቀዋሚ ማዕርገ ድቁና ንጓለንስተይቲ እንተዝፍቀድ ዝብል ሓንቲ ድንግል ንዘቕረባሎም ሕቶ ቅዱስ ኣቦና መልሲ እንክህቡ፡ ምፍቓድ ዘይምፍቃድ ንዝብል ሕቶ ብቑዕ መልሲ ንምሃብ ብዛዕባ ቀዋሚ ድቁና ንጓለንስተይቲ ዝብል ሓሳብ ብዕምቆት ዘጽንዕ ናይ ገዛእ ርእሱ ፍሉዩ ድርገት ምቛም ከምዘድሊ ዝሓበሩ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሓደ እዋን ይብሉ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ ምስ ሓደ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ተወላዲ ሶሪያ ሓሳብ ንሓሳብ ተለዋዊጦም ከምዝነበሩ ድማ ዘኪሮም፡ እቶም ሶሪያዊ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ እውን ኣብ ቀዳማይ ዘመን ሕይወት ቤተ ክርስቲያን ዲያቆናት ደቀንስትዮ ከምዝነበራ ዝገልጽ ታሪኽ ከምዘሎ ከምዘነጸሩሎም ሓቢሮም፡ ኰይኑ ግና እቲ ዲያቆናዊ ኣገልግሎተን ብግልጺ ኣንይታ ዓይነት ምንባሩ ዘነጽር ታሪካዊ ሓበሬታ ግን የልቦን ኢሎም፡ ስለዚህ እዚ ሕቶ’ዚ ዓቢይ ሕቶ እዩ። ከምዚ ብምዃኑ ድማ ነዚ ጉዳይ’ዚ ዘጽንዕ ፍሉይ ንገዛእ ርእሱ ዝኸኣለ ድርገት ምቛም ከድሊ እዩ፡ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ’ዚ ድማ ምስ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ክመያየጠሉ ምዃኖም ሓቢሮም፡ እቲ ኣነ ምስቶም ሶሪያዊ ናይ ቲዮሎጊይ ሊቅ ዘካይድዎ ምይይጥ ከም ሓሳብ ደኣ እምበር ከምኡ ክኸውን ኣለዎ ንምባል ከምዘይኰነ ኣነጺሮም፡ ብዛዕባ እዚ ርእሰ ጉዳይ’ዚ ብዙሕ መጽናዕቲ ከምዘይገበሩ ብትሕትና ገሊጾም። ስለዚህ ብቑዕ ውሳኔ ንምሃብ ነዚ ጉዳይ ዝምልከትን ብዑምቀት ዘጽንዕ ናይ ገዛእ ርእሱ ድርገት ምቛም ከድሊ እዩ ምስ በሉ፥ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ሕቶ’ዚ ዘየማትእ መልሲ ክትህበሉ ስለ ዝግብኣ እቲ ድርገት ምቛም ከድሊ ግድን እዩ ከምዝበሉ ቸንቶፋቲ ገሊጾም።

ኣገልግሎት ጊልያነት ማለት ኣይኰነን

ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ ኣገልግሎ ደናግልን ደቀንስትዮን ኣባላት ውፉይ ሕይወትን ኣመልኪቶም ድማ መልሲ እንክህቡ፥ ንሳተን ዝህብኦ ኣገልግሎት ጊልያነት ወይ ድማ ክድምና ኣይኰነን። ደናግል ኣብ ቁምስናታት ከም መጣዓዓሚ ቅመም ኣይኰናን። ትምህርተ ክርስቶ ይህባ ዝብል ብዙሕ ነዚ ዝመሳሰል መልሲ ዝወሃቦ ኣገግሎት እዩ ዝመስል። እዚ ግና እዅል ኣይኰነን እቲ እተን ኣባላት ውፉያን ህይወት ደናግል ኣብ ቁምስናታት ዝህብኦ ኣገግሎት ጊልያነት ክኸውን የብሉን። ንህሙማን ምብጻሕን ምግልጋን ምንባይ ኣረጋውያንን ዘተናዕቁን ድኻታን ምክንኻን፡ እዚ ግና ማሕበራዊ ዕዮ ማለት ኣይኰነን። እቲ ኣገልግሎት ብውፉይ ሕይወት እዩ ክንበር ዘለዎ። ጸዋዕታ ሓንቲ ድንግል ኣገልግሎት ንቤተ ክርስቲያንን ሕዝበ እግዚኣብሔን እዩ እምበር ክድምና ኣብ መንበረ ጳጳሳትን ኣባይቲ ካህናትን ቤት ትምህርቲ ዘርአ ክህነት ክድምና ማለት ኣይኰነን እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና መልሲ ከምዝሃቡ ቸንቶፋቲ ሓቢሮም።

ህርፋን ሃብቲ ገንዘብን እሩም ምሕደራን

ኣብ ውፍዩ ሕይወት ሕቶ ሃብቲ ገንዘብ ኣሎ። ዲያብሎስ ብጁባ ኣቢሉ ከምዝኣትው ክርሳዕ የብሉን። ብጁባ ጳጳሳት ድዩ ብዘየገድስ ብጁባ እዩ ዝኣትው። ህርፋን ኣብ ገንዘብ ናይ ምግባረ ብልሽውና ቀዳማይ ደርቢ እዩ፡ ኣብ ቁምስናን መንበረ ኣቡናትን ሰበክኻታትን መንፈሳዊ ማሕበራትን ክረአይ ዝከኣል ፈተና እዩ። ገንዘብ ግብረ ሰናይን ንናይ ድኻታት ኣሕዋት ኣባይቲ ትምህርትን ንናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መሳለጢ እዩ ክውዕ ዘለዎ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፥ ገዳማውያን ማሕበራትን ማሕበራት ውፉይ ሕይወትን እቲ ንናይ ሓዋያርያዊ ግብረ ኖልዎ መሳለጢ ክኸውን ዘዋፍርዎ ሃብቲ ገንዘብ ዘመሓድር ኣካል ብብቕዓት ምሕራይ እምበር ብዓይረከይ ዓርከኒ ክኸውን የብሉን፡ ብዓርከይ ዓርከይ ዝፍጸም ምሕደራ ሃብቲ ገንዘብ ዘስዓቦ ጸገም ብዙሕ እዩ። ዝረአይ ዘሎ እውን እዩ፡ ስለዚህ ምሕደራ ናይ ሓባር ሃብቲ ዓቢይ ሓላፍነት ዝሓትት ብርቱዕ ጥንቃቔ ዘድልዮ እዩ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠና ራዲዮ ቫቲካን ቸቶፋንቲ ገሊጾም።

ጸሎትን ተግባርን ብዘጣመረ ሕይወት ዝንበር ናይ ውፉይ ሕይወት መንፈሳዊ ህያብ

ሓደ ሓደ ናይ ቤተ ክርስቲያን ላዕለዎት ዓበይቲ ኣካላት ደናግል ኣብ ሰቂለ ሕሊና ሕይወት ጥራሕ ከድህባን ነዚ ዓይነት ሕይወት ጥራሕ ክነብራን ኣለወን ቢሎም ዝሓስቡን ዘተሓሳስቡን ኣለዉ ቢለን ካብተን ኣሕሉቕ ሓንቲ ንቕዱስ ኣቦና ሓሳበን ዘካፈላ ድንግል ዝጠቐሱ ቅዱስ ኣቦና፥ ብርግጽ ኩለን ደናግልን ኣባላት ውፉይ ሕይወትን ምሱጥ መንፈሳዊ ሕይወት ማለት ሰቂለ ሕሊና ዝነብራ ክዀና ኣለወን ስለዚህ እቲ ጸዋዕታ ደናግል ከም ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣደነት ባህርይ ዝግለጽ እዩ። ኣደነት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ከከም ናይ ማሕበር መንፍሳዊ ዕላማ ዝንበርን ዝግለጽን እዩ። ስለዚህ ደናግል ከከም ናይ ማሕበረን መንፈሳዊ ዕላማ ክነብራ ዝተጸውዓ እያተን። ከከም መንፈሳዊ ዕላማ ኢየሱስ ክርስቶ ምንባር እዩ። ቃልን ሕይወትን ዘጣመረ ሕይወት። ጸሎትን ተግባርን ምውሃድ የድሊ እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ከምዝመለሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸንቶፋቲ ኣመልኪቶም።

ኣድላይነት ዕረፍቲ

ኣብ መወዳእታ ቅዱስ ኣቦና ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን እንከጠቓልሉ፥ ደናግል ኣባላት ውፉይ ሕይወት ኣብ ኣገልግሎት ብዙሕ ድኻም ዘጋጥመን ብምዃነ ብቑዕን ምሉእን ኣገልግሎት ብቐጻልነት መታን ከቕርባ ዕረፍቲ የድልየን፡ ኣገዳሲ እውን እዩ፡ ብሉጽ ኣገልግሎት ንምቕራብ ኣካላዊ ዕረፍቲ የድልይ ከምዝበሉ ቸንቶፋንቲ ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.