2016-05-12 16:25:00

ንናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. መደብ ግብረ ሰናይ ኣብ ኣፍሪቃ ድጋፍ


ስነ ጥበብ ብወጅሂ ምሕረት እተሰምየ ነቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኣፍሪቃ ንዘካይድዎ ግብረ ሰናይ መሳለጢ ዝውዕል ደገፍ ንምኽዋን ዝኣመተ መደብ፥ ዕለት 11 ግንቦት 2016 ዓ.ም. ኣብ ናይ ሃገረ ቫቲካን ቤተ መዘክር ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ራፋኤሎ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙኃን ቤት ጽሕፈትን ናይ ቫቲካን ቤተ መዘክርን ምስ ናይ ቫቲካን ቴለቭዥን ጣቢያን ብምትሕብባር ጋዜጣዊ መገልጺ ከምእተወሃበ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደቦራ ዶኒኒ ገሊጸን።

ስነ ጥበብን ምሕረትን ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሐ ኰይኑ እዚ ናይ ፈለማ መደቡ ድማ ነቲ ኣብ ማእከላዊት ረፓብሊክ ኣፍሪቃ ርእሰ ክተማ ባንጒይ ንዝካይድ ናይ ቅዱስ ኣቦና ግብረ ሰናይ መሳለጢ ዝኣመተ ምዃኑ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ዶኒኒ ኣስዒበን

ኣብቲ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዘረባ ዘስምዑ ናይ ቅድስቲ መንበር መራኸቢ ብዙኃን ቤት ጽሕፈት ኅየንተ የኔታ ኣባ ቪጋኖ እቲ መደብ ብሓሳብ ቅዱስ ኣቦና ናብቲ ሓዋርያዊ ዑደት ዘካይዱላ ሃገር ማእከላዊ ረፓብሊክ ኣፍሪቃ ዘሰንይ እዩ ቢሎም፡ እቲ መደብ ናይ ስነ ቅብእን ስነ ንድፍን ሊቅ ፖፕ ክሪስቶ ዝለገስዎ ናይ ቅብእታን ዓበይቲ ናይ ስነ ንድፊ ስራሓት ዘጫርት መደብ ከምዝዀነ እቲ ዝእከብ ገንዘብ ነቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና መደብ ግብረ ሰናይ መሳለጢ ዝውዕል ብፍላይ ድማ ነቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ባንጒይ ምብጻሕ ኣካይዶም ዝተመልከትዎ ናይ ሕጻናት ቤት ሕክምና ዝተማልኤ ክኸውን እንክብሉ ንዘቕረብዎ ጻውዒት ዝተመነይዎ መደብ ግብረ ሰናይ ናብ ፍጻሜ ዘብጽሕ እዩ ከምዝበሉ ገሊጸን።








All the contents on this site are copyrighted ©.