2016-05-11 16:00:00

ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ዑደት ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን


ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ሊትዋኒያ ዕለት 7 ግንቦት 2016 ዓ.ም. ብምብጻሕ ኣብ ኤስቶኒያን ለቶኒያን ዝካይድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ዕለት 13 ግንቦት 2016 ዓ.ም. ዝጠናቐቕ ምዃኑ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ኣብ ሊትዋንያ ኣብ ዘካይድዎ ዑደት ብናይታ ሃገር መራሔ መንግስቲ ኣቀባብላ ተገይሩሎምን ኣብቲ ናይ ሊትዋንያ ሕዝቢ ስለ ሃገራውን ባህላውን መንነቱ ዝኸፈሎ መስዋዕትነት ዝገልጽ ኮረብታ መሳቕል ኣብ እተሰምየ 400 ሽሕ መሳቕል ዝተነብሮ ቅዱስ ዮሓንስ ጵውሎስ ዳግማዊ ዕለት 7 መስከረም 1993 ዓ.ም. ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዘካይድሉ ስፍራ በጺሖምን ኣብኡ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉን እንከመልክት ብፁዕነቶም ናብ ኤስቶኒያ ቅድሚ ምቃሎም ዕለት 9 ግንቦት 2016 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ቪልኒዩስ ኣብ ዝርከብ ናይ ስነ ርክባት ዓለም ሓቆፍን ፖለቲካዊ ስነ ምርምር መንበረ ጥበብ ኣብ ዘሎ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ምስ ናይቲ መንበረ ጥበብ መምሃራንን ተመሃሮን ከምእተራኸቡን ቅድሚ እዚ መደብ ርክብ’ዚ ምስ ናይታ ሃገር ርእሰ ብሔር ዳሊያ ግርይባኡስካኢተ ከምእተራኸቡ ኣፍሊጡ።

ድሕሪ ሕርየት ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 15 ልክዕ ድሕሪ ፍጻሜ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ክሳብ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሕርየት ዘሎ እዋን ናይ ተኸታሊ ቅዱስ  ጴጥሮስ ናይ ወጻኢ ርክባት እንታይ ተመስሎኡ እንክገልጹ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ሰላም ምርግጋጽ ኣብ ዝብል ቃልን ተግባርን ዝቖመ ምዃኑ ከምዝተንተኑን  ኣብታ ሃገር ኣብ ዝካይድ ዘሎ ብሔራዊ ዓውደ ጉባኤ ስነ ምሕረት ከምእተሳተፉን ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺል፥ ብፁዕነቶም ዕለት 11 ግንቦት 2016 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ናይ ሊትዋንያ ሕዋርያዊ ዑደቶም ኣጠናቒቖም ናብ ለቶኒያ ክነቕሉ ምዃኖም የመልክት።

ኣብ መንጐ መንግስታትን ኣብ ውግእ ምስ ዝርከባ ሃገራትን ቅድስቲ መንበር እንተካይዶ ሕድ ሕዳዊ ርክባ 

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራችነስኮ ዘነቓቕሕዎ ናይ ቅድስቲ መንበር ክሌኣዊ ርክባት ኣብ ሕድ ሕዳዊ ምርድዳእን ምክብባርን ዝቖመ ምዃኑ ኣብቲ መንበረ ጥበብ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረብ ገሊጾም። ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ወጻኢ ርክባት መሰረታዊ ሓሳብ ዘነጽር እዩ፡  ኣብ ዓለም ነባሪ ሰላም ንምርግጋጽ ኣሚታ ካብ ጥንቲ ጀሚራ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባታ ብምንቕቓሕ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ግቡእን ናይ ሕይወት መሰልን ክብርን ናይ ሕልናን ሃይማኖትን ነጻነትን ናይ ሰብኣውነት ሕጋውነትን ክንክን ከባብን ተፈጥሮን ፍጥረትን ምርጋፍ ናይ ውግእ ኣጽዋርን ስደተይናታትን ተመዛበልትን ምንባይን ናይ ሰብኣዊ ምሉእ ዕብየት ብዘጠቓልል ርእየት ከምተነቓቕሕን ገሊጾም፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ኣስተዋጽኦ ግብረ ገባውን መንፈሳውን እዩ። ሰላም ተነቃቕሕ ኣዚ ድማ ምስ ናይ ቤተ ክርስቲያን ምስቲ ናይ ኢየሱስ ተልእዀ ምቕጻል ምስ ዝብል ተልእዀ ዝተጣምረ እዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመልክት።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንነባሪ ሰላም ኣገልጋሊ

ብዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝንበር እውነተይና ሃይማኖታዊ ተግባር ሰላም ዘነቓቕሕ ክኸውን ከምዘለዎ ቅድሱ ኣቦና የነጽሩ። ብፁዕነቶም ወንግላዊ ሃሴት እተሰምየ ናይ ቅዱስ ኣቦና ዓዋዲ መልእኽትን ከምኡ እውን ናይ 2016 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም ምኽንያት ዕለት 24 ጥሪ 2016 ዓ.ም. ኣብ ዘመሓላለፍዎ ዓለም ለኻዊ መልእኽቲ ሰላምን ከምኡ እውን ናይ ቤተ ክርስቲያን ማሕበረሰብኣዊ ስልጣናዊ ትምህርቲ ኣስተዋጽዖ ከምዘመልክቶ ሰላም ጸጋ እግዚኣብሔር ክኸውን እንኰሎ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ሰናይ ድላይን ጻዕርን ከምዝሓትት ተመልኪቱ ኣሎ፡ ብዛዕባ ሰላም ድማ እንነብሮ ዘሎና ቅዱስ ናይ ምሕረት ዓመት ብዙሕ ይብል። ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘካይድዎ ብሔራውን ዓለም ለኻውን ሓዋርያዊ ዑደት ንኣብነት ኣብ ረፓብሊካዊት ማእከላዊት ኣፍሪቃ ቅዱስ በሪ ብወግዒ ምብኽፋትን ኣብ ሳራየቮን ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘካይድዎ ዑደት ሰላም ዘተባብዕን ነባሪ ሰላም ንኽረጋግጽ መገዲ ሓባርን እዩ። ናይ ምትሕብባርን ምትሕልላይን ባህሊ ምንቕቃሕን  ሰላም ንምርግጋጽ ኣይከኣል ቢልካ ኢድካ ዓጺፍካ ኮፍ ምባልን ውልቃዊ ረብሓ ምቕዳምን ዝብል ኣመለኻኽታን ተግባርን ምውጋድ። ሸለልተይናነት ምውጋድ የድሊ። ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዘላትሉ ሃልያ ኣማልዲት ምሕረት እያ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ናይ ምሕረት ቅዱስ ዓመት መገዲ ሰላም እዩ

ቅድስ ኣቦና ዝኣወጅዎን እንነብሮ ዘሎና ናይ ምሕረት ቅዱስ ዓመት ጭቡጥ ውጺኢት ክህልዎ ናይ ቶም ጸሎትን ተስፋን እዩ። ዘይምትሕልላይን ሸለል ምብህሃልን ዘይምግዳስን ዝኣመሰሉ ተግባራት ንምስናፍ ዓቢይ ጻዕሪ የድሊ። ስለ እቶም ተነቀፍቲ ኣባላት ኅብረተሰብን ስደተይናታትን ተመዛበልትን ብስእነት ስራሕ ዝተጠቕዑን ህሙማንን ብዙሕ ምትጋህ የድሊ። እዚ ድማ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝብልዎ ኣብ ምሕረት ዝቖመ ጻዕሪ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ወጻኢ ርክባት መሰረት እዩ። ንናይ ዓለም ሓቆፍ ርክባት እውን ኣብነት እዩ። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘካይድዎም ሓዋራያዊ ዑደታት ብርቱዕ ናይ ምሕረትን ሰላም ዘነቓቕሕ መልእኽቲ እዮም ዘመሓላልፉ እንክብሉ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.