2016-05-11 16:03:00

ለንደን፥ ብፁዓን ጳጳሳት ንሓድሽ ከንቲባ ለንደን ክሃን ሰናይ ናይ ኣገልግሎት ዘመን ተመንዮም


ናይ ለንደን ሊቀ ጳጳሳትን ናይ እንግሊጣርን ወይልስን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ቪንሰንት ኒኮልስ ነቶም ናይ ናይ ለንደን ከንቲባ ንምዃን ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ናይ ሰራሕተይናታት ፖለቲካዊ ሰልፊ ኣባል ካብ ፓኪስታናዊት ስደተይና ስድራ ዝተወልድ ሰዓቢ ሃይማኖት ምስልምና ሳዲቅ ክሃን ሰናይ ናይ ኣገልግሎት ዘመን ተመንዮም ለንደን ኣብ ቅድሚኣ ንዘሎ ዝተፈላለየ ሃይማኖትን ባህልን መሰረት ዝገበረ ብድሆታት ንኸተሰንፍን ባህላውን ሃይማኖታውን ፖለቲካውን ፍልልያት ንናይ ማሕበራዊ ጥቕሚ ኣገልግሎት ክውዕል ኣብ ዝግብር ከንቲባዊ ሓላፍነቶም ብጸሎቶም ከምዘሰንይዎም ከምዘረጋገጽሎም ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ፍልልያት ንጥዑይን ሃናጽን ናይ ሓባር ናብራ ምዕቃብ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 6 ግንቦት 2016 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ካርሎ ዓቢይ ስልማት ኣብ ዝተቐበልሉ ዕለት ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ እቲ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣብ ዘሎ ሃብትታት ዝጸንዔ ጽባቔ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘመናትን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ብሔራዊ መንነንት ናይ ሕይወት ኣግባብን ፍልልያትን ከምእተዓቀበን ናይ ሓደ ሕዝቢ ብስለት ድማ ነዚ ኩሉ ፍልልያት ንጥዑይ ናይ ሓባር ናብራ ሕንጸት ክውዕል ከም ሃብትን ክቡራት ዋጋታት ናይ ሓደ ሕዝቢ ገርካ ምርኣይን ምስዓብን እዩ እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ብፁዕ ካርዲናል ኒኮልስ ጠቒሶም እዚ መንፈስ’ዚ ነቶም ሓድሽ ከንቲባ ኣገልግሎት ኣስተንፎ ክኸውን ከምእተመነዩ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.