2016-05-10 13:55:00

መንፈስ ቅዱስ ክልሰ ሓሳባዊ ዘይኮነ ሓቀኛ ክርስትያን ይገብረና! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍርናቸስኮስ ትማሊ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ዘዕረግዎ ቅዳሴ ‘መንፈስ ቅዱስ ንቤተክርስትያን የንቀሳቅስ! ኮይኑ ሎሚ ንብዙሓት ክርስትያን ኣብ ወርቃዊ ቤትማእሰርቲ ዝተነብረ ክቡር ነገር ኮይኑ ፍሉጥ ኣይኮነን። ነዙ ድንቊርና እዚ ንምእላይ ነዙ ሶሙን እዚ ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ነስተንትን ንሕተቶ ንዛረቦ፣ ነፍሲ ወከፍ ካብ መንፈስ ቅዱስ እንታይ ከምዘድልዩ ሓሲቡ ይለምኖ’ እንክብሉ ክርስትናና ናይ ሓሳብ ኮይኑ ከይተርፍ ሓቀኛን ግብራውን ክርስትና ንክነብር ንመንፈስ ቅዱስ ኣብ ሕይወትና ክነስርሖ ተማሕጺኖም፣

ኣብ ናይ ዕለቱ ቃል ኣምላኽ ካብ ግብረ ሐዋርያት 19.1-8 ዝተወስደ ኮይኑ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ኤፈውሶን ተረኺቡ ነቶም ንክርስቶስ ክኽተሉ ዝጀመሩ `ምስ ኣመንኩምሲ፡ መንፈስ ቅዱስዶ ተቐቢልኩም፧ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ኣይፋልናን፡ መንፈስ ቅዱስ ከም ዘሎ እኳ ኣይሰማዕናን፡ ኢሎም መለሱሉ። ንሱ ኸኣ፡ ብኣየናይ ጥምቀት ደኣ ተጠመቕኩም፧ በሎም። ንሳቶምውን፡ ብናይ ዮሃንስ ጥምቀት፡ በልዎ። ሽዑ ጳውሎስ፡ ዮሃንስሲ በቲ ድሕሪኡ ዚመጽእ፡ ማለት ብየሱስ ክርስቶስ፡ ኪኣምኑ፡ ነቶም ህዝቢ እናነገረ ጥምቀት ንስሓ እዩ ዘጥመቐ፡ በሎም። እዚ ምስ ሰምዑ፡ ብስም ጐይታና የሱስ ተጠምቁ። ጳውሎስ ኢዱ ምስ ኣንበረሎም ከኣ፡ መንፈስ ቅዱስ ናባታቶም ወረደ። ሽዑ ብቛንቋታት ተዛረቡን ተነበዩን።’ ዝብል ነበሩ። ሎሚውን ይብሉ ቅዱስነቶም ሎሚውን ሽሕኳ ብክርስቶስ ዚኣመኑ እንተኾኑ ‘መንፈስ ቅዱስ ከም ዘሎ እኳ ኣይሰማዕናን’ ዝብሉ  ናይ ስም ክርስትያን ብተግባር ግን ዘይክርስትያን ብዙሓት ኣለው፣ ኮይኑ ግን ንቤተክርስትያን ዘንቀሳቅስን ንኢየሱስ ክንምስክር ዘብቀዓናን መንፈስ ቅዱስ እዩ፣ ብዘሕዝን መንገዲ ግን ብዙሓት ክርስትያን ኣብ ትምህርተ ክርስቶስ መንፈስ ቅዱስ ኣካል ቅድስት ስላሴ ምዃኑ ከምዝተማህሩን ብድሕሪኡ ግን ሓሲቦምሉ ከምዘይፈልጡ ይዛረቡ፣ እንክብሉ ዘሎ ኩነት ምስ ገለጹ ከምዚ ክብሉ ሓደራ ቢሎም፣

‘ኣብ ልባትና ኰይኑዝሰርሕን ካብ ካልኦት ፍሉያት ዝገብረናን መንፈስ ቅዱስ እዩ። ልዕሊ ኩሉ ግን ሓድነት ፈጢሩ ነቲ ረጊጥና ሒዝናዮ ዘሎና መዓጹ ጋህ ኣቢሉ ብምኽፋት ናብ ምስክርነት ኢየሱስ የውፍረና፣ ኣብ ግብረ ሐዋርያት ‘መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ዚወርድ ግና፡ ሓይሊ ኽትቅበሉ፡ ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኲላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም’ (1.8) እንክብል ንሓዋርያት ክልእኾምን ከተባበዕምን ነንብብ፣  ስለዚኸስ ንእግዚኣብሔር ክነኽብርን ክነምልኽን ዝደፋፍኣና ንክንጽሊ ዘንቀሓና መንፈስ ቅዱስ እዩ፣ ንእግዚኣብሔር ኣባ ኣቦ ቢልና ንክንጽውዕ ዘኽእለና እውን ንሱ እዩ፣ በዚ ከኣ ካብቲ እዚ ዓለም እዚ ዝወፍየልና መንፈስ ዝኽትምና የናግፈና። እንተዘየሎ ንእምነት ከም ሓደ ሞራላዊ መንገዲ ብምምልካት ንመቀረቱን እንታይነቱን ሓይሉን ክነድክሞ ስለዝከኣል ጥንቃቄ የድሊ፣

ሕይወት ክርስትያንኸስ ናይ ጽቡቅ ጠባይን ተመሳሲልካ ምንባርን ሰናይ ምግባርን ዘይኮነ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ምርኻብን ምስኡ እናነበርካ ንኣኡ ምምስካርን እዩ፣ ነዚ ዘብቅዓና ከኣ መንፈስ ቅዱስ እዩ፣ መንፈስ ቅዱስ ክገብራ ዘይክእላ ሓንቲ ነገር እያ ብስም ጥራይ ክርስትያን ምዃንን ኢድካን እግርኻን ኣጣሚርካ ልሙስ ምዃን እያ፣ ንሱ ሓቀኛ ክርስትያን ከምእነኸውን ገሩ ነቲ ኣብ ልብና ዝዘርኦ ከምንዝክር ብምግባር ክሳብ ኩነታትን ምልክታትን ኣንቢብና ክንበ የኽእለና፣ ስለዚ ኣብዚ ግዜ እዚ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ሕይወትና እንታይ ይገብር ከምዘሎ ክነስተንትንን ነቲ መንፈስ ዓለም ዝለገሰልና ዛሕልን ሸለልትነትን ዝኽትምናን ኣወጊድና ከምቲ ሓዋርያት ድሕሪ ጰራቅሊጦስ ካብ ዕጽው ገዛ ወጺኦም ብትብዓት ንክርስቶስ ዝመስከሩ ንሕና እውን ካብ ገዛእ ርእስናን ኩነታትናን ወጺእና ትብዓት ለቢስና ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሕና ንክርስቶስ ንመስክር እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣

 








All the contents on this site are copyrighted ©.