2016-05-06 10:27:00

መልእኽቲ ፋሲካ ብጹዕ ኣቡነ መንግስተኣብ ሊቀ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፡


ፍቁራን ሕዝበ እግዚኣብሔር

ጸጋ እቲ ምእንታና በጃ ኮይኑ ዝተሰቕለ፡ ዝተቐብረ፡ ዝተንሥአ፡ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ወትሩ ምሳኻትኩም ይኹን (1ተሰሎ 5፡28 ርአ)፣

ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ኢዮቤል ዓመት ምሕረት ዝውዕል በዓለ ትንሣኤ ፍሉይ ትርጉም ኣለዎ፣ ነቲ ኣብ ዓርቢ ስቕለትን ቀዳም ስዑርን ሰንበት ትንሣኤን እነብዕሎን እንዝክሮን ናይ ምሥጢረ ድኅነትና ፍጻሜታት፥ ክርስቶስ፡ ተሰቕለ- ተቐብረ- ተንሥኣ፥ እናበልና ናይ እምነት ስራሕ ክንገብር ንርከብ፣ ብሓጺሩ እዞም ሠለስተ ዓበይቲ ቃላት እዚኦም ንምሥጢር ስቕለትን ሞትን ትንሣኤን መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘመልክቱ እዮም፣ ሠለስቲኦም ከኣ ዓበይቲ መግለጽታት ፍቕሪ ናይቲ ብምሕረት ሀብታም ዝኾነ እግዚኣብሔር ኣምላኽና እዮም፣

“ተሰቕለ” – መጀመርያ “ተሰቕለ” ክንብል ከሎና ብዛዕባ’ቲ ምእንቲ ክብጀወና ኢሉ ዝተሰውዓልና ገንሸል ኣምላኽ ኢና ንዛረብ ዘሎና፣ ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቕ ነቶም ተኸተልቱ ምስ ኢየሱስ ከላልዮም ከሎ “እንሆ እቲ ኃጢኣት ዓለም ዚድምስስ ገንሸል ኣምላኽ” (ዮሓ 1፡29) እዩ ዝበለ፣ ባዕሉ ኢየሱስ ከኣ፥ ገና ኣብ ጊዜ ስብከቱ፡“ንወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ኬትኅዝዎ እዮም ንሳቶም ድማ ንሞት ኪፈርድዎ ነሕዛብውን ኣሕሊፎም ኪህብዎ እዮም፣ ኣሕዛብ ከኣ ኬላግጹሉን ጡፍ ኪብሉሉ፡ ኪገርፉዎ ኪቐትልዎ ኣዮም” (ማር 10፡33-34) እናበለ ደጋጊሙ ሓቢሩ ነቢሩ እዩ፣

ኣብ ብሉይ ኪዳን ከኣ ኢሳይያስ ነቢይ ብዛዕባ ስቕለትን ውርደትን መድኃኔ ዓለም ተነብዩ ከምዝነበረ በዚ ዚስዕብ ቃላቱ ንርድኦ፥“መልክዕን ውቃበን ኣይነበሮን፥ ምስ ረኣናዮ ዜብህገና ትርኢት ኣይነበሮን፥ ንዑቕን ብሰብ ድርቡይን ነበረ፥ ብዓል ስቓይ፡ብሕማም ልዱይ፥ ከምቲ ኣብ ቅድሚ ገጾም ዚጒልበብሉ ሰብ ዝተዋረደ ነበረ፥ ንሕናውን ገለ እኳ ኣይቆጸርናዮን፣ ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮ፡ ንስቓይና ከኣ ኣብ ነፍሱ ጸዓኖ፡ ንሕና ግና ብእግዚኣብሔር ከምዝተወቕዐን ከም ዝተቐዝፈን ከም ዝተዋረደን ጌርና ቆጸርናዮ፣ ንሱ ግና ብሰሪ ገበንና ቆሰለ፥ ብሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትከተ፡ ንሕና ሰላም ምእንቲ ክንረክብ መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ፥ ንሕናውን ብስምብራቱ ሓዌና፣ ኲላትና ከም ዝተባረራ ኣባጊዕ ነበርና፥ ነፍስወከፍ ነናብ መንገዱ ዘምበለ፥ እግዚኣብሔር ከኣ ኣበሳ ኲላትና ኣብኡ ኣውደቖ” (ኢሳ 53፡2-6)፣

ነዚ ኲሉ ግን ዝተረድእዎ ኣዝዮም ውሑዳት እዮም፣“ካብ ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ ሓደ እኳ ነዚ ጥበብ’ዚ ዝፈልጦ የልቦን፥ እንተዚፈልጥዎስ ነቲ ጐይታ ክብሪ ኣይምሰቐልዎን ነይሮም” (1ቆሮ 2፡8)፣ ብዓይኒ እምነት ንዝጠመቶ ጥራይ እዩ መስቀል ኢየሱስ “ዕፀ ሕይወት” ዝኾነሉ፣“ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ኲሉ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ምእንቲ ኪረክብ እምበር ከይጠፍእሲ፥ ከምቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ንተመን ዝሰቐሎ ወዲ ሰብ ድማ ከምኡ ኪስቀል ይግባእ እዩ” (ዮሓ 3፡15)፣ ቅዱስ ዮሓንስ ወንጌላዊ “እቶም ዝወግእዎ ኪርእይዎ እዮም” (ዮሓ 19፡37) ክብል ከሎ ነዚ እዩ ዘስምዕ፣“ኣብ ዕንጸይቲ ዝተሰቕለ ርጉም ይኹን” ዚብል ጽሑፍ ከም ዘሎ “ክርስቶስ ኣብ ክንዳና መርገም ብምዃን ካብ ሕጊ መርገም ኣድኃነና” (ገላ 3፡13)፣ ብሓቂ ከኣ “ንሕና ብክርስቶስ ተኻፈልቲ ጽድቂ ኣምላኽ ምእንቲ ክንከውን ኣምላኽ ነቲ ኃጢኣት ዘይፈለጠ ኣብ ክንዳና ኃጢኣተይና ገበሮ” (2ቆሮ 5፡21)፣

 መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣና ክብል “ንርእሱ ትሕት ብምባል ክሳብ ሞት፥ አረ እኳ ደኣ ክሳብ ኣብ መስቀል ሙማት ተኣዘዘ” (ፊል 2፡8)፣) “ስለዚ ኢየሱስ ‘ንወዲ ሰብ ልዕል ምስ ኣበልኩምዎ፥ ኣነ ንሱ ከም ዝኾንኩን፥ ከምቲ ኣቦይ ዝመሃረኒ ከም ዝገብር እምበር፡ ካብ ርእሰይ ሓንቲ ከም ዘይገብርን፡ ሽዑ ክትፈልጡ ኢኹም” (ዮሓ 8፡28)። መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝፉን መስቀሉ እዩ ንደቅ ሰብ ዘድኃነ፥ ኣብ ዙፋን መስቀሉ ኮይኑ ከኣ ንዓለም ፈረዳ፣ “እዛ ዓለም እዚኣ እትፍረደሉ ሕጂ እዩ፥ መስፍን እዛ ዓለም እዚኣ ዝድርበየሉ ሕጂ እዩ” (ዮሓ 12፡31)፣ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እምበኣር መቕጻዕትናን ውርደትናን መገምናን ስቃይናን ተሰኪሙን በጃና ተሰዊዑን ድኅነትን ምሕረትን ሕይወትና ኣምጺኡልና እዩ፣

 

 “ተቐብረ” — ክንብል ከሎናኸ ከመይ ንርድኦ? ከም እምነት ኣይሁድ “ናብ ሲኦል ወረደ” ማለት ናብቲ ሙታን ነቲ ብክርስቶስ ዝመጽእ ድኅነት እናተጸበዩ ተኣኪቦሙሉ ዝነበሩ ቦታ ወረደ ማለት እዩ ዘስምዕ፣ ኣብቲ ናይ ቀዳም ሥዑር ሥርዓተ ኣምልኾና፡ “ወትቤ ሲኦል ኣይ ውእቱ ዝንቱ ዝእም ሥልጣንየ፥ ሥጋ ለቢሶ ዘሞዐኒ፥ መኑ ውእቱ ዝንቱ ዘምድረ ለብሰ፥ ውእቱኬ ሰማያዊ ውእቱ” (ምልጣን ዘቀዳም ሥዑር)፣ ሲኦል ከኣ ‘መን እዩ እዚ ሥጋ ለቢሱ ካብ ሥልጣነይ ዝሰዓረኒ፥ መን እዩ ሰማያዊ ክነሱ ናይ ምድሪ ዝለበሰ’? ዝብል ሕቶ ንሰምዕ፣ እዚ ተቐብረ ዝብል ናይ እምነት ስራሕ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ፍጹም ኣምላኽ ጥራሕ ዘይኮነ ፍጹም ሰብ ከምዝኾነ፥ ከም ኩሉ መዋቲ ከምዝተቐብረ ዘረጋግጽ እዩ፣ ከም ወልደ ኣምላክ ግን ሥጋኡ ኣብ መቓብር ክብስብስ ኣይተረፈን፣ “እመስቀሉ ክርስቶስ ውስተ ሲኦል ወረደ፥ ለጸላኢ ቀተሎ፥ ርእሶ መተሮ”  ክርስቶስ ካብ መስቀሉ ንሲኦል ወረደ፥ ንጸላኢ ቀተሎ፡ ርእሱ መተሮ(ቀዳም ሥዑር፥ ኣብ ክንዲ ጸልዩ በእንቲኣነ)፣ ኣብ መንጎ ዓርቢ ስቕለትን ሰንበት ዘትንሣኤን እትውዕል መዓልቲ ንብዙኃት ከባድ መዓልቲ እያ፣ ቀዳም ስዑር ጊዜ ሱቕታ፡ ጊዜ ትጽቢት፡ ጊዜ ፍርህን ምጥርጣርን` ጊዜ ፈተናን ምብትታንን እዩ ነቢሩ፣

እግዝእትነ ማርያም ጥራይ እያ ብእምነትን ተስፋን ንዓወት ወዳ ትጽበ ዝነበረት፣ ነቶም ብፍርሃት ርዒዶምን ተዳሂሎምን ዝነበሩ ተኸተልቱ ተስፋ ዝኾነቶም ኣደ ምሕረት እያ፣ ንሳ እምነታ ኣደልዲላ ዝተጸበየት ድንግል እያ፣ ሞት ንወዳ ከተሸንፎ ከምዘይትኽእል ፈሊጣ ብተስፋ ተጸበየት፣ “ከምቲ ምዱብ ምኽሪ ኣምላኽን ዘለዓለማዊ ፍልጠቱን ዝተወፈየ ኢየሱስ ብኢድ እቶም ሕጊ ዘይብሎም ሰቐልክምዎን ቀተልክምዎን፣ ሞት ኂዙ ከጽንዖ ስለዘይከኣለ ከኣ ኣምላኽ ካብ ማእሰር ሞት ፈቲሑ ኣተንሥኦ” (ግሓ 2፡23-24) ይብለና፣ “ዓረገ ማለት ናብ መዓሙቚ ምድሪ ወሪዱ ከም ዝነበረ ማለት እንተዘይኮይኑ እንታይ ከስምዕ ይኽእል? እቲ ናብ መዓሙቚ ዝወረደ ከኣ ንኲሉ ብህላዌ ምእንቲ ኪመልእ ልዕሊ ኲሉ ሰማያት ዝዓረገ ንሱ እዩ” (ኤፈ 4:9-10)፣ ”እቶም ውሉድ ሥጋን ደምን ዝለበሱ ሰብ ስለዝኾኑ፥ ኢየሱስውን ከምኦም ሰብ ኮነ፥ እዚ ከኣ ብሞቱ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሞት ሥልጣን ዘለዎ ዲያብሎስ ምእንቲ ኪስዕር፥ ነቶም ብናይ ሞት ፍርሃት ምሉእ ዕድሜኦም ባራዩ ኮይኖም ዝነበሩ ከኣ ሓራ ምእንቲ ኬውጽእ ኢሉ እዩ” (ዕብ 2፡14-15)፣

 “ተንሥአ” – ኣብ ጸሎተ ሃይማኖት “ተሰቕለ ሞተ ተቐብረ” ምስ በልና “ ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ካብ ሙታን ተንሥአ”ንውስኸሉ፣ እቲ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ዘቕረቦ መስዋዕቲ ብእግዚኣብሔር ኣቦ ምሉእ ተቐባልነት ሪኺቡ ሞት ተሸኒፉ ማለት እዩ፣ በዚ ምኽንያት ኢና ለይቲ ፋሲካ ‘ክርስቶስ ተንሥኣ እሙታን በዐብይ ኃይል ወሥልጣን፥ ኣሰሮ ለሰይጣን ኣግኣዞ ለኣዳም፥ ሰላም እምይእዜሰ ኮነ ፍስሓ ወሰላም” እናበልና እምነትና ንገልጽ፣ “ነቲ ኣነ ዝተቐበልክዎ ቅድሚ ኲሉን ልዕሊ ኲሉን ገይረ ኣመኃላሊፈልኩም እየ፣ ከምቲ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝብልዎ ‘ክርስቶስ ምእንቲ ኃጢኣትና ሞተ፡ተቐብረ፥ ከምቲ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዚብልዎ ከኣ ‘ብሣልሳይ መዓልቲ ተንሥአ፥ ንኬፋ ተራእዮ፥ ደኃርውን ነቶም ዓሠርተውን ክልተ ተራእዮም (1ቆሮ 15፡3-5)፣ ስቕለት ኮነ መቓብር ንክርስቶስ ክዓግቶ ኣይከኣለን፣ “እምበኣርሲ ኣምላኽ ነዚ ንስኻትኩም ዝሰቐልክምዎ ኢየሱስ ንኣኡ ጐይታን መሲሕን ከምዝገበሮ ብዘላ ቤት እስራኤል ብርግጽ ትፍለጥ” (ግሓ 2፡36)፣

ሎሚውን ነዚ ብሥራት’ዚ ኢና ንርእስናን ንካልኦትን ነበሥር ዘሎና፣ ክርስቶስ ምእንታና ክብል ካብ ተሰቕለ፡ ተቐብረ፡ ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ከኣ ካብ ተንሥአ ንሕናኸ ከመይ ዝበለ ግብረ መልሲ ክንህብ ይግብኣና? ቅድሚ ኩሉ “ይትፌሳሕ ሰማይ ወትትሓሰይ ምድር—-ወዮምሰ ዐባይ ፍስሓ በሰማያት፥ ወምድርኒ ትገብር ፋሲካ ተሓጺባ በደመ ክርስቶስ” ሰማይ ይተሓጐስ፡ምድሪ ከኣ ደስ ይብላ፥ ሎሚ ኣብ ሰማያት ዓብይ ሓጐስ ኮይኑ፡ ምድሪ ከኣ ብደም ክርስቶስ ተሓጺባ ፋሲካ ተብዕል ኣላ እናበልና ናይ ኣምልኾ ስግደትን ናይ ምስጋና መዝሙርን ከነዕርግ ይግባኣና፣ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ ንሕና ከኣ፥ “ምስኡ ኃቢርና እንተ ደኣ ሞይትና ምስኡ ኃቢርና ከም እንትንሥእ ርግጽ እዩ፣ ደጊም ንኃጢኣት ከይንግዛእ፥ እቲ ኃጥእ ሰብነትና ምእንቲ ኪጠፍእ፥ እቲ ኣረጊት ሰብነትና ምስኡ ከም ዝተሰቕለ ንፈልጥ ኢና” (ሮማ 6፡5-6)፣ በዚ ምኽንያት እዩ ቅዱስ ዮሓንስ ወንጌላዊ እውን “በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዘበለ ኲሉ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ምእንቲ ኪረክብ እምበር ከይጠፍእሲ፥ ኣምላኽ ንወዱ በጃ ክሳዕ ዚህብ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ” (ዮሓ 3፡16) ዝብለና፣

ብሓቂ ከኣ እቲ መሓርን ርኅሩኅን ኣቦና ወትሩ ኣእዳው ዘርጊሑ ከምዝጽበየና ክንኣምን የድሊ፣ ኣብዚ ዘሎናዮ ዓመተ ምሕረት ፍቕሪ ኣምላኽ ክንደይ ከምዝዓቢ ከነስተማቕር መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ገጽ ምሕረት ኣምላኽ ምዃኑ ክንርኢ ዕድል ተዋሂቡና ስለዘሎ ክንጥቀመሉ ተዓዲምና ኣሎና፣ ነዚ ተዋሂቡና ዘሎ ዕድልን ጸጋን ተጠቒምና ፥ ኣብዚ ሕማማቱን ትንሣኤኡን እነኽብረሉ ቅዱስ እዋን፥ ምስ ክርስቶስ ኣብ ስቅያቱ ተኻፊልና፥ ነቲ ምኽንያት ስቕለቱን ሞቱን ዝኾነ ብቃልን ብግብርን ብሓሳብን እንፈጽሞ ኃጢኣት ብምሉእ ልብና ነጺግና፥ ንሕማቕ ልማዳትና ሞይትና ምሳኡ ንሓዲስ ሕይወት ክንትንሥእ የኽእለና፣ ሽዑ መሓርቲ ከም እግዚኣብሔር ኣቦ ክንከውን ኢና፣ ንኲልና ቡሩኽ በዓለ ትንሣኤ ይኹነልና፣ ኣሜን፣

ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም

ሊቀ ጳጳሳት ዘበኣሥመራ

 








All the contents on this site are copyrighted ©.