2016-05-03 16:24:00

ጋዜጣዊ መግለጺ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ሕትመትን ሓላፊ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቀረባ እዋን ንናይ ቨነዝዋላ ርእሰ ብሔር ኒኮላስ ማዱሮ ዘመሓላልፉሎም ናይ ግሊ መልእኽቲ ብዝምልከት ብብዙሓት ናይ ውሽጥን ወጻእን መራኸቢ ብዙሃን ዝጥቀስ ዘሎ ዜና ርእሰ ጉዳይ ገይሮም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ሕትመትን ሓላፊ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ዕለት 2 ግንቦት 2016 ዓ.ም. ጋዚጣዊ መገልጺ ከምዝሃቡ ክምልክት እንከሎ፡ ኣባ ሎምባርዲ ናይቲ መልእኽቲ ትሕዝቶ ከይጠቐሱ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥

ቅዱስ ኣቦና ንርእሰ ብሔር ማዱሮ መልእኽቲ ከዘመሓላለፉ ሓቢሮም፡ ቅዱስ ኣቦና በዓለ ፋሲካ ምኽንያት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ቅድሚ ምዕራጎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳዊ ንሮማን መላእ ዓለምን ቡራኬ ምስ ሃቡ ኣብ ዘስሞዎ ኣስተንትኖ ነተን ኣብ ዝተፈላለየ ወጥርትን ግርጭትን ዝርከባ ሃገራት ጠቒሶም ኣብ ቨነዝዋላ ዘሎ ጽንኵር ኩነት ተወጊዱ ሕዝብን መንግስትን ምእንቲ ናይ ሓባር ጥቅሚ ክዓዩን ናይ ሕዝቢ መንፈሳውን ንዋታውን ድላይ ከዕትሩ ዘኽእሉ ምድግግፍን ናይ ርክባት ባህልን ፍትሕን ሕድ ሕዳዊ ምክብባርን ኣገዳሲ እዩ ከምዝበሉ ዘኪሮም፡ ኣስዒቦም ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ብትኽክል ናይ ቨነዝዋላ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዕለት 27 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም. ብዛዕባ ኩነታት ሃገሮም ተንቲኖም ናይ ሰላምን ርክብን ዘተ ባህሊ ክተባባዕ እንክብሉ ዝሃብዎ መግለጽን ከምኡ እውን ኣብ ቨነዝዋላ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብፁዕ ኣቡነ ጆርዳኖ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቨነዝዋላ ናይ ዘተ ባህሊ ክተባባዕ እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ ለበዋ መሰረት ናይ ባህሊ ዘተ ክረጋገጽ ከይተሓለሉ ብዙሕ ይጽዕሩ ምህላዎም ገሊጾም።

ስለዚህ ምስ እዚ ሓሳብ’ዚ ብምትሕሓዝ ይብሉ ኣባ ሎምባርዲ ቅዱስ ኣቦና ንናይ ቨነዝዋላ ርእሰ ብሔር መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ኣረጋጊጾም፡ እቲ መልእኽቲ ናይ ዘተ ባህሊ ዘተባብዕ እዩ፡ ካብዚ ወጻኢ ካልእ ትርጉም ዘለዎ ኣይኰነን ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.