2016-05-03 16:29:00

ስልማት ወርቃዊ ብርዒ


ናይ ኢጣሊያ ሚንስትራዊ ቤት ምኽሪ በቢ ዓመቱ ንብሉጻት ጋዜጠይናታን ደረስትን ዝህቦ ወርቃዊ ብርዒ እተሰምየ ስልማት ለምዘበን ንናይ ናይ 2016 ዓ.ም. ስልማት ብቑዕ እንክብል ንጳጳሳዊ ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጃንፍራንኮ ራቫዚ ከምዝሓረየ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ናይ ትማሊ ሕትመቱ ገሊጹ።

ናይ ኢጣሊያ ሚኒስትራዊ ቤት ምኽሪ ንሃገረ ኢጣልያ ብዝተፈላለየ ባህላዊ መዳይ ናይ ኢጣሊያ ባህልን ተበጽሖታትን ብሓፈሻኡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ብዘዕግብ ደረጃ ክትፍለጥ ንዝገበሩ ዝህብዎ ወርቃዊ ብርዒ እተሰምየ ስልማት ኣብ 1957 ዓ.ም. ኣብ ፊረንዘ ከተማ ዕለት 9 ጥሪ 1881 ዓ.ም. ዝተወልዱን ኣብታ ከተማ ዕለት 8 ሐምለ 1956 ዓ.ም. ዝዓረፉን ደራስን ገጣምን መሳልን ስም ዘበገሶ መደብ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ንዝተፈላለዩ ደረስትን ጋዜጠይናታን ናይ ታሪኽ ፖለቲካን ስነ ጥበብን ሊቃውንትን ንኣብነት ንሳልቫቶረ ኳሲሞዶን፡ ኤውጀኒዮ ሞንታለን፡ ካርሎ ኤሚሊዮ ጋዳን፡ ጁዘፐ ፕረዞሊኒን፡ ኣልበሮቶ ሞራቪያን ኡጎ ስፒሪቶን ሪካርዶ ባቸሊን ማርዮ ሶልዳቲን ኣብ ናይ ቀረባ መወዳእታ ዓመታት ድማ ንናይ ታሪኽ ሊቅ ጋዜጠይና ፓውሎ ሚየሊን ኤውጀንዮ ስካልፋሪን ብቑዓት እንክብል ወርቃዊ ብርዒ ስልማ ከምዝሃቦም እውን ጠቒሱ ናይቲ ስልማት ፍሉዩ ወሳኒ ኣካል ናይ 2016 ዓ.ም. ተሰላሚ ንኽዀኑ ብምሉእ ድምጺ ንብፁዕ ካርዲናል ራቫዚ ከዝሓረየ ገሊጹ ብፁዕነቶም እቲ ስልማት ዕለት 2 ሓምሌ 2016 ዓ.ም. ማሕበር ስልማት ኢስኪያ ኣብ ላኮ ኣመኖ ኣብ ዘዳልዎ ስነ ባህላዊ ምርኢት ክርከቡ ከምዝዀኑን እቲ ናይ ስልማት ስነ ስርዓት ቅድሚ ምፍጻሙ ስካይ እተሰምየ ናይ ቴለቭዥን መደብር ትጂ 24 ጋዜጠይናታን ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ናይ ኤኮኖምን ናይ ወጻኢ ፖለቲካ ጉዳይ ፈላጣት ዘዋሰኤ ናይ ዘተ መደብ ክካይድ ምዃኑ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.