2016-05-03 16:36:00

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኵባን


ድሕሪ ዳግማይ ምብጋስ ፖለቲካዊ ርክብ ሕቡራት መግስታት ኣመሪካን ኵባን ስዒቡ ባህላውን መስህባውን ርክባት ይሳለጥ ምህላዉ ዝምስክር ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከተማ ማያሚ ዝነቐለት በጻሕቲ ዜጋታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘሳፈረት ዓባይ መርክብ ኩባ ከምዝኣተወትን ከምዚ ዓይነት ጉዕዞ በጻሕቲ ካብ ማያሚ ኣብ ክልተ ሰሙን ሓንሳብ ክዳለው ምዃኑ ናይቲ ናይ በጻሕቲ ጉዕዞ ዘዳለወ ትካል መጓዓዝያ መጻሕቲ ማያሚ ዝሃቦ መግለጺ የመልክት።

እዚ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ባራክ ኦባማ ጻዕሪ ዝተበጽሔ ናይ ክልቲኣትን ሃገራት ርክብ ዳግማይ ተበግሶ ዘዕትሮ ዘሎ ውጽኢት ምዃኑ እንክንገር ብዛዕባ እዚ ርክብ’ዚ ኣመልኪቶም ኣብ ሮማ መንበረ ጥበብ ልዊስ ናይ ዓለም ለኻዊ ስነ ርክባት ጉዳይ መምህር ሰርጆ ፋብሪኒ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ኣብ መንጐ ክልቲኣተን ሃገራት ዝነበረ ምርሕሓቕ ህልወቱ ትርጉም ኣልባ ካብ ዝኸውን ብዝሕ ገይሩ እዩ። ነቲ ዝጸንሔ ዘይተራኻቢ ፖለቲካ ብወግዒ ናይ ክልቲኣተን ሃገራት መራሕቲ ብምርኻብ ክረጋገጽ ብሓቂ ናይ ቅዱስ ኣቦና ጻዕሪ እዩ፡ ስለዚህ እታ በጻሕቲ ኣሳፊራ ኣብ ኩባ ዝኣተወት መርከብ ካብ ማያሚ ካብታ ንናይ ኩባ መንግስቲ ብዓቢይ ደረጃ ካብ ዝቃወሙ መበቆል ኩባ ዘለዎም ዜጋታት ኣመሪካ ዝቕመጡላ ብምዃና ካብኡ ብምንቃላ ነቲ ኣብ መንጐ ክልቲኣተን ሃገራት ዘሎ ርክብ ናብ ናይ ምሕዝንነት ስምምዓት ከብል ምዃኑ ይሕብር ምስ በሉ ድሕሪ ነዚ ርክብ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2016 ዓ.ም. ዝካየድ ሕዝባዊ ምርጫ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ወሳኒ ከምዝኸውን ፍሉጥ እዩ። ብዙሓት ስደተይናታት ኵዩባ ኣብ ኣመሪካ ዝነብሩን ዜግነት እውን ዘለዎም ገና ኣብቲ ዘየሎ ኩነት ዝሑል ውግዕ ታሪኽ ዓለም ዝነብሩ እዮም ዝመስሉ። ዝሑል ውግእ ተሰጊሩ እዩ። እዚ ምስትውዓል ይግባእ ስለዚህ እቲ ሕዝባዊ ምርጫ እውን እንተዀነ ነዚ ዘስተውዕል ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.