2016-04-26 16:02:00

ናይ ኢጣሊያ ብሔራዊ ጉባኤ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ተሓድሶ


ካብ ዕለት 22 ክሳብ ዕለት 25 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ሪሚኒ ዮሓንስ ወንጌል ምዕ. 10 ፍቕዲ 9 “እቲ ኣፍ ደገ ኣነ እየ፡ ብኣይ ዚኣቱ ኪድሕን ኣዩ…” ብዝብ ቃል ተመሪሑ መበል 39 ናይ ኢጣሊያ ብሔራዊ ምንቅስቓስ ተሓድሶ ብመንፈስ ቅዱስ ነቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኩለን ካቶሊካውያን ምንቅስቓሳት ናይቲ እንነብሮ ዘሎና ናይ ምሕረት ዓመት ተመክሮ ክገብሩ እውነተይና ናይ ምሕረት ፍልፋለ ይዅኑ እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ ለበዋ ኣምሪሑ ከምእተኻየደ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣሊና ቱፋኒ ሓቢረን።

ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ካብ መላእ ኢጣሊያ ዝተዋጽኡ 15 ሺሕ ምእመናን ከምእተሳተፉ እንክምልከት፡ ዝተፈላለዩ ኣስተምህሮታትን ምስክርነት ሕይወትን ከምዝቐረቡን ብፍላይ ድማ ከምቲ ናይ ኢጣሊያ ምንቅስቓስ ተሓድሶ ብመንፈስ ቅዱስ ኣቦ መንበር ሳልቫቶረ ማርቲነዝ፡ እቲ ዝተኻይደ ዓውደ ጉባኤ ናይ ምሕረት እዋን ናይ እግዚኣብሔር ሎምን ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ሎምን ኢየሱስ ኣብ ሕይወትካ ተቐበል ዝብል እዋን ምዃኑ ገሊጾም፡ እቲ ናይ ድሕነት ታሪኽ ትማልን ሎምን ጽባሕን እዩ እሞ ቀጻልነት ዘለዎ ወትሩ ምልዋጥ ዝሓትት እዩ ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቱፋኒ ኣስዒበን፥ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝብልዎ ዓለም ካብ ውሻጤኡ ክልወጥ መታን ናይ መንፈስ ቅዱስ  ውሕዘት መሰኻኽር ምዃን የድሊ። ምሕረት ከሰንብደና ይኽእል (ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ) ስለምታይ ዓለም እንተረአናዮ ብሓቂ ተጻይ ምሕረት እዩ ዝመስል። ዓለም ብዝተፈላለዩ ናይ ሓጢኣት ቅርጽታቱ ኣቢሉ ኣልቦ ምሕረት ኤኰኖምን ፍትሒ ብዘይ ምሕረት ፖለቲካ ብዘይ ምሕረት ኣልቦ ምሕረት ዝዀነት ቤተ ክርስቲያንን የናድይ። ብሕጊ ትስብእቲ ዝተገልጸ ምሕረት ናይ እግዚኣብሔር ደረት ሰገርኣውነት እዩ፡ ብናይ ኢየሱስ መንፈስ ክንበር እንከሎ ምሕረት ወትሩ ዘፍርይን ዝከላኸልን ይኽውን። ምእንቲ’ዚ ምሕረት ዝተቐበለ ምሕረት ከበስርን ብቓል ሕይወትን ይመስክር። እግዚኣብሔር ብሕረቱ ሃብታም እዩ። ምሕረት  ናይ ልቢ ስምዒት ዘይኰነስ ኢየሱስ እዩ። ናይ ምዃን ባህርይ ዘይኰነስ ምዃን ኢየሱስ እዩ። ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝብልዎ ካብ ገዛእ ርእስኻ ምውጻእ ዝብል እዩ። ኢየሱስ ዘይተቐበለ ጥራሕ እዩ ናብ ካልእ ምባል ዝጽግሞ ከምዝበሉ ገሊጸን።

ኢየሱስ ናብ ሰብኣዊ ፍጥረት ምብጻሕን ሰብኣዊ ፍጥረት ድማ ናብ ኢየሱስ ምቕራብ እዚ ንምፍጻም ግና ብመንፈስ ቅዱስ ክትምራሕ ገዛእ ርእስኻ ምፍቃድ የድሊ። ግዜኻ ናይ እግዚኣብሔር ግዜ ምግባር። ኣብ ምሕረት ምንባር ምሕረት ምብሳርን ማለት እዩ ከምዝበሉ ቱፋኒ ሓቢረን።

እቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ኢጣሊ ናይ ናፖሊ ከተማ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ክረሸንዚዮ ሰፐ ብዘዕረግዎ ምስዋዕተ ቅዳሴ ከምእተዛዘመን ብፁዕነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ድማ “ናብ ኵሉ ኩርና ዓለም ኪዱ ቃል ወንጌል ኣበስሩ (ማቴ. 16፡ 15-16) ቤተ ክርስቲያን ወትሩ ኣብ ጉዕዞ እያ። በይና እትጓዕዝ ዘይኰንት ሰብኣዊ ፍጥረት ሒዛ እያ እትጓዓዝ፡ ኣብቲ ጉዕዞ ዘዋስእ ድማ መንፈስ ቅዱስ እዩ። እዚ ድማ ከምቲ ኢየሱስ “ኣነ ካብ ኣምልኽ እየ ዝወጻእኵን ዝመጻእኵን ንሱ ደኣ ልኢዅኑ እምበር ባዕለይ ኣይምጻእኵን….” ዝብሎ ቃል ምዃን የድሊ። ሓደራ ካብ ገዛእ ርእስና ከይንኸውን ንጠንቀቕ ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቱፋኒ ኣተሓሒዘን፥ ኢየሱስ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም ነነሓድ ሕድኵም ተፋቅሩ ዝበለና ትእዛዝ ብምንባር ጥራሕ ኢና እውነተና ልኡካነ ምሕረት ክንከውን እንኽእል፡ ስለዚህ ኣብ መጐና ብእንነብሮ ፍቕሪ ብኢየሱስ ኣብ መንጐ ኣሕዛብ ትእምርቲ ህልውተ እግዚኣብሔር ንኸውን። ኵሉ ንምሕረት እግዚኣብሔር ዝተጸውዔ እዩ። ንድኻታትን ዝተናዕቁን ክፉት ልቢ ይሃልወና። ከምቲ እግዚኣብሔር ምሳናን ንኣናን ዝዀነ ምስቶም ሕዙናትን ህሙምንን ድኻታትን ንዅን። እዚ እዩ ምሕረት እግዚኣብሔር ከምዝበሉ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.