2016-04-23 16:31:00

ስምምዕ ቅድስቲ መንበርን ሕቡራት መንግስታት ዓለምን ኣብ ቃልሲ ጸረ ዕጸ ፋርስ


ኣባይቲ  ስድራ ምጥቃም ዕጸ ፋርስ ናጻን ፍቕዱን ብምግባር ጸረ ዕጸ ፋርስ ቃልሲ ዕዉት ምግባር ዝብል ኣመለኻኽታ መሰረት ዘይብሉ ምዃኑ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ መሰረታዊ ግደ ከምዘለዎ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ቅድስቲ መንበር ቋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ በርናርዲቶ ኣውዛ ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ዝርከብ ናይቲ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ሕንጻ ንዝቕጽል ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ዓለም ዝካይድ ቃልሲ ዕጸ ፋርስ ዝመርሕ ቀዳምነት ዘውህቦ ፖለቲካውን ሓፈሻዊ ዕላማታቱ ምሕንጻጽ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣብ ዝተኻየደ ፍሉይ ጉባኤ ተሳቲፎም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዘስመሩሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሊዛ ዚንጋሪኒ ኣመልኪተን።

ዝተፈላለየ ዕጸ ፋርስ ምጥቃም ሕጋዊ ምግባሩ መፍትሒ ኣይኰነን

ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ቅድስቲ መንበር ምጥቃም ዕጸ ፋርስ ናጻን ሕጋውን እዩ ዘብል ኣመለኻኽታ ንምጥቃም ዕጸ ፋርስ ዝድርዅ ቀንዲ መንቀልታቱ ብትብዓት ምግጣም ንዝብል ቀንዲ መፍትሒ ንምንዳይ ዝግበር ጻዕሪ ምቅዋም ማለት እዩ እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዝገለጽዎ ሓሳብ ጠቒሶም ክፍቀድ ዘይግብኦ ፍቑድ ስለ ዝገብርካዮ ካብ ምጥቃሙን ካብ ንምጥቃሙ ፈተናን ንምጥቃሙ ዝድርኹኻ ማሕበራውን ሰብኣውን ምኽንያት ናጻ ኣይገብረካን ናጻን ፍቕዱን ምግባሩ ድማ ንዕጸ ፋርስ ኣገዳሲ ኣይገብሮን ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲኣክን ዚንጋሪኒ ኣስዒበን፥

ዕጸ ፋርስ ቀዲምካ ምክልኻል ኣብ ስድራ ቤት እዩ ዝጅመር

ቅድስቲ መንበር ኣብ ቃልሲ ዕጸ ፋርስ ስድራ ቤት ዘለዎ ዓቢይ ግደ እትኣምነሉን ብኹለ መዳይ እውን እተተሓሳስቦን እተብርሆን ኣብ ቃልሲ ዕጸ ፋርስ መሰረት ምዃኑ እትሕብሮ ሓሳብ ምዃኑ ብፁዕነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ሓቢሮም ዝተወልዱ ሕጻናት እትሕብሕብን እትሓንጽን ስድራ ቤት ኣብ ሕንጸት ጥዑይ ሕብረተሰብ መሰረት እዩ።  ስለዚህ ዕጸ ፋርስ ምፍቃድ ማለት ነቲ ናብ ዕጸ ፋርስ ዝድርኽ ምኽንያት ኣጥፊኣካዮ ማለት ኣይኰነን ከምዝበሉ ገሊጸን።

ውሉፋት ዕጸ ፋርስ ካብቲ ዝወደቕዊ ሓደጋ ንምእላይ ምክንኻን

ኣብታ ጥምረት ዘለዋ ስድራ ቤት እውን ሓደጋ ምጥቃም ዕጸ ፋርስ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ከጋጥም ዝከኣል እዩ፡ እቲ ዘገድስ እታ ስድራ ቤት ጥምረታን ሓድነታን ንሓደጋ ከየቃልዔት ነቲ ብወልፊ ኣደንዛዚ ዕጸዋት ዝተጠቕዔ ኣባላ ቀረባ ኰይና ክትከናዀኖን ክትናብዮን ብዝተፈላለየ መዳይ ደገፋ ብምቕራብ ካብቲ ዝወደቖሉ ሓደጋ ክላቐቕ ክድግፎ ይግባእ፡ ስለዚህ ነዚ ድጋፍ ዘተባብዕ ብሔራዊ ናይ ክንክን ጥዕና ጉዳይ ክህሉን፡ ነቶም ውሉፋት ዕጸ ፋርስ ካብቲ ዝወደቕሉ ሓደጋ ንምልቓቕ ዝድግፍ ናይ ገዛእ ርእሱ ኵለ መዳያዊ ሕንጸትን መደብ ክንክን ጥዕናን ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ ከምዝበሉ ዚንጋሪኒ ኣፍሊጠን።

ኣብ ቃልሲ ጸረ ዕጸ ፋርስ ዓለም ለኻዊ ምትሕብባር ምድንፋዕ

ዕጸ ፋርስ ዘስዕቦ ጸገምን ንመላእ ዓለም ስግኣት እዩ። ስለዚህ ነዚ ዓለም ለኻዊ ሳዕቤን ዘለዎ ዓቢይ ማሕበራውን ሰብኣውን ጸገም ብግቡእ ገጢምካ ንምውጋዱ ዝድግፍ ምሉእን ዝተመዛዘነን መርሓ ግብርን ሜላን ክህሉ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ እንክብሉ ብፁዕነቶም ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዘጠቓለሉ ዚንጋሪኒ ገሊጸን።








All the contents on this site are copyrighted ©.