2016-04-23 12:22:00

ሰንበት ዘሆሣዕና ሚያዝያ 16 2008 ዓ.ም. (4/24/2016)


ባባት፡ ፊሊጵ 2፡6-11፥ ፩ጴጥ 4፡1-12፥ ግ.ሓ. 18፡12-ፍ፥ ሉቃ 19፡28-40። ምስባክ፡ብሩክ ዘይመጽእ ብስመ እግዚአብሔር፥ ባረክናክሙ እምቤተ እግዚአብሔር፥  እግዚአብሔ  እግዚእ አስተርአየ ለነ” “ እቲ ብስም እግዚአብሔር ዝመጽእ ብሩኽ እዩ፤ አብ መቕደስ  እግዚአብሔር  ኮና  ንባርኸኩም  አሎና፤ እግዚአብሔር ጎይታ ተገሊጹና እዩ” መዝ. 117፡26-27።

ሆሣእና ነብዕል አሎና፥ ኢየሱስ አብ አድጊ ተጻዒኑ አብታ ዓባይ ከተማ ዳዊት ኢየሩሳሌም ብዓጀባ ዝአተወሉ ዕለት። ነዚ ዕለት ክንዝክር ከሎና ብዙሕ ንአስተንትኖ ዝጠቅም ነገራት ንረክብ። አብ ወንጌል ኢየሱስ ብዙሕ ጊዜ ንኢየሩሳሌም ከም ዝአተወ ኢዮም ዝነግሩና ግን አይ ከም ዕለተ ሆሳእናን። ከምቲ ኩሎም ነጋድያን ዝገብርዎ ብእግሩ አብ ቅድስት ከተማ ክአቱ አይደለን። ከም መሲሓዊ ንጉሥ አብ አድጊ ተወጢሑ ክአቱ ደልዩ (ዘካ 9፡9)።

ንክልተ ካብ አርድእቱ አብ ከተማ ከይዶም ሰብ ተጻዒንዎ ዘይፈልጥ ጻዕብ (አድጊ) ከምጽኡሉ አዚዝዎም፥ (እዚ በብኽልተ ምልአኽ እቲ ጉዳይ ሓቅነቱ ዘረጋግጽ እዩ፥ ነቶም 72 አርድእት በበኽልተ ክልእኮም እንከሎ ነቲ ዝገብርዎ ሓቅነቱ ክምስክሩ ኢሉ እዩ (ሉቃ 10፡1)። አብ ብሉይ ኪዳን አድጊ ነገስታት ንሰላማዊ ጉዕዞ፥ ፈረስ ከአ ንውግእ ይጥቀሙ ነሮም። አብ ዘካርያስ ነብይ 9፡9 “ንጉሥኩም አብ አድጊ አብ ጻዕቢ ተወጢሑ ይመጽእ አሎ” ይብል እዚ ኸአ ብስራት ሓጎስ ንህዝቢ ከም ዝኾነ ይነግር፥ እቲ ዝመጽእ መስሕ ብሰላም ከም ዝመጽእ እቲ ናይ ውግእ ፈረስ ካብ ኢየሩሳሌም ከጥፍእ ምዃኑ” ይነግር። እዚ ትንቢት እዚ ኢየሱስ አብ ኢየሩሳሌም አድጊ ተጻዒኑ ምስ አተወ ተፈጺሙ። (ማቴ 21፡1-7፥ ማር 11፡1-11፥ ሉቃስ 19፡28-40፥ዮሓ 12፡12-19)። ኢየሱስ አብ አድጊ ተጻዒኑ ንኢየሩሳሌም ክአቱ እንከሎ ንግሥነቱ እንታይ ከም ዝኾነ ክገሊጹ። እቶም ክልተ አርድእት ሰብ ተጻዒንዎ ዘይፈልጥ ከምጽኡ ተላኢኾም እዚ ኸአ አብ ፍሉይ ስርዓት ዝጥቀምዎ ዝኾነ ነገር ቅድሚ ሕጂ ዘይተጠቕሙሉ ክኸውን አለዎ ብፍላይ እንስሳ ንአብነት ንታቦተ ኪዳን ዝስሕቡ አብዑር ሰብ ተጠቒምሎም ዘይፈልጡ ክኾኑ አለዎም (1ሳሙኤል 6፡7፥ ዘኁል 19፡2) ይብል እዚ ኸአ ብዝኾነ ምኽንያት ዘይተራኸሱ ክኹኑ አልኦም ማለት እዩ።

ካልእ አብዚ እንርእዮ ኢየሱስ ነቲ ዝገብሮ አቐዲሙ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ ንኹሎም ክገብርዎን ክብልዎን ዘለዎም ከምኡ እንታይ ከም ዝኸውን ስለ ዝፈልጥ ክገብርዎ ዘለዎም መምርሒ ሂብዎም። እቲ ህዝቢ ኢየሱስ አብ አድጊ ተጻዒኑ ክመጽእ ምስ ረአይዎ ከምቲ ንነገስታቶም ዝገብርዎ ዝነበሩ ክዳውንቶም አንጸፉሉ (2ዘነ 9፡13)፥ ናይ ምስጋና መዝሙር እናዘመሩ መዝ. 118፡25-26 ተቐቢሎሞ። እዚ ክፍሊ ናይ እቲ ነጋድያን አብ ቤተ መቕደስ ቅድሚ ምእታዎም ናይ እንቋዕ ድሓን መጻእኩም ሰላምታ ኮይኑ ዝዝመር እዩ።

አብ አድጊ ክጽዓን አንከሎ ናይ ትሕትና ምልክት እዩ፥ ነቲ ዝወርዶ ውርደትን ስቓይን አቐዲሙ ስለ ዝፈልጥ ዝነበረ ንኹሉ ብትሕትና ይገብሮ ነሩ። ትሑት ሰብ ቀስ ኢሉ ዓላምኡ አይስሕትን እዩ፥ አብኡ ምህዋኽ ተስፋ ምቝራፍ የለን ምኽንያቱ ርእሱ ስለ ዝመልኽ። አብዚ ሰንበት ዘሆሣእና ነዚ መንፈስ ለቢስና ምስ ኢየሱስ ክንጉዓዝ እዩ ዘድሊ ዘሎ። ስምዒት ዓውዓውታ እንኸዶ መገዲ አየብርሃልናን እዩ፥ ብትሑት መንፈስ ጉዕዞ ቀራንዮ ክንድይብ እሞ ምስኡ ክንትንእሥእ ንበራበር። 

እቲ ዋና አድጊ ስሙ ዘይጥቀስ ከሊኡ እንተ ዝኸውን እዚ ዝንገረና ብኸመይ ምቐረበና? ምናልባት እዚ ብዓጀባ ምእታዉ አይ ምፈለጥናዮን እንተ ወሓደ ከምቲ ኢየሱስ ዝደልዮ አይ ምኾነን። ስሙ ንፍለጦ አይ ንፍለጦ ብዘየገድስ ዋና አድጊ መደብ አምላኽ አብ ግብሪ ከም ዝውዕል ገሩ። አምላኽ ንነፍሲ ወከፍና ከምቲ ስሞም ዘይተፈልጡ ዋናታት ከምኦም ይደልየና እዩ። እዞም ዋናታት አስማቶም አይንፈልጥን ግን ካብ ጎይታ ዝመጽኡ ልኡኻት መን ምዃኖምን መን ከም ዝልአኾም ስለ ዝፈለጡ አድጎም ብነጻ ክህቡ ፍቓደኛታት ኮይኖም በዚ ኸአ ምስጢራውያን ስዓብቱ ወይ ዝድግፉ እዮም ክንብል ንኽእል። ከምኡ እንተ ዘይከን ነሩ መን እዩ እዚ ጎይታ እትብልዎ ዘሎኹም ንአድገይ ዝሓትት ዘሎ ምበሉ ነሮም።

አምላኽ ከድሕነና ከምኡ መልእኽቱ ክነብጽሕ ሓገዝና ይሓትት እዩ። መልአኹ ሰዲዱ ንማርያም ከድሕነና ደልዩ “ፍቓዳ ሓቲቱ” እሺ ምስ በለት ካብአ መድኃኒና ተወሊዱ አድሒኑና። ብዝተፈላለየ መገዲ ንጽቡቕ ነገር ምስኡ ክንሓብር መልእኽቱ ይሰደልና። አብ ገለ እዋን አብ ሕይወትና ክንልውጦ ክንቅይሮ ክንሓድጎ ዝደልየና ክኸውን ይኽእል አብ ገለ ኸአ አብ ከማና ዝበሉ ክነብጽሓሉ ክልእከና ይደሊ እዩ። መልእኽቲ አምላኽ ክነብጽሕ ኩሉ ጊዜ ስንድዋት ንኹን። 

አብ ጊዜ ኢየሱስ አድጊ ዓቢ ጥቕሚ ነርዎ። አድጊ ማዕረ ማኪና ናይ መጎዓዓዝያ፥ ናይ ጽዕነት፥  ከም ሓራሲት ትራክተር እዩ ጥቕሙ ነሩ። ከም ማኪና ንርእሶምን አቝሑቶም ክንቀሳቐሱ፥ ከም ማኪና ጽዕነት ከቢድ አቝሑት የመላልሱሉ፥ ከም ሓራሲት ከአ አብ ማሕረስ ይጥቀሙሉ ነሮም። ሰብ ተጻዒንዎ ዘይፈልጥ ክብል እንከሎ ሓዲስ ክቡር ዋጋ ዘልኦ እዩ ዝሓትት ዘሎ፥ ጎይታ ይደልዮ አሎ ኢልካ ምሃብ ናይ ብሓቂ ህያብ እዩ፥ እዚ ኸአ አብ ሕያውነት ዝተመርኮሰ ዓቢ ምስክርነት እምነት እዩ።

ዘሎካ ንአምላኽ ክትህብ መጀመርያ መን ከም ዝሓተካ ምፍላጥ የድሊ። አምላኽ ሰብ መሲሉ ክመጽአና ይክእል እዩ። ክንህቦ ፍቓደኛታት ንኹን ንአና ክሕሸና። አምላኽና ካብቲ ብፍቕሪ ተላዒሉ ዝሃበና ብነጻ ካብ ፍቕሪ ተላዒልና ክንህቦ ይግብአና።

እምነት ናይዚ ዋና አድጊ ምስ ናይ ብዙሓት አባላት ቍምስናና እስከ ነወዳድሮ። ሓደ እዋን ሓደ በጻሒ ሰባኺ ካህን ንምእመናን ዘለዓዕል ስብከት ገሮምሎም ይብሃል። አብ ምውዳእ ስብከት ድምጾም ዓው አቢሎም “እዚአ ቍምስና ክትንቀሳቐስ አልአ” ኢሎም፥ ሓደ ካብቶም አብኡ ዝነበሩ ብድሕሪት ዝነበረ ዓው ኢሉ አባቴ “ምቅስቓስ ሕጂ ንጀምር” ኢሉ። እቶም ሰባኺ ኸአ እዛ ቍምስና ክትንቀሳቐስ እንተ ጀሚራ ትበግስ እሞ ትጉየ” ምስ በሉ ሓደ ካልእ ትቕብል አቢሉ “ትጉየ እምበር” በለ። ሰባኻይ ናይ እዚ ቍምስና ስምዒት አብ ግምት ብምእታው ብዝልዓለ ድምጾም ዓው አቢሎም “እዚአ ቍምስና ክትጎዪ እንተ ኾይና ክትነፍር አልአ” ኢሎም፥ ሓደ ትቕብል አቢሉ ድምጹ ዓው አቢሉ “እዚአ ቍምስና ብሓቂ ክትነፍር እንተ ድአ ኮይና ገንዘብ ከድልያ እዩ” በለ ሽዑ ኵሉ ጸጥ በለ። ሽዑ ሓደ ብድሕሪት ዝነበረ ዓው ኢሉ “ክትከይድ ትጀምር ክትከይድ ትጀምር” ኢሉ። አብዚ እንርእዮ ክሳብ ንአይ ዘይተንከፈ ዝኾነ ጽቡቕ ነገር እድግፎ እየ ንብል ማለት ብሓባር ዝግበር ክኸውን እንከሎ። አብ ንአይ ዝርኢ ዘበርክቶ ክሕተት ከሎኹ ግን ሱቕ እብል እንተ ኾነ ካብ ዝዓበየ ክሳብ ዝንአሰ ንዕብየት ቤተ ክርስትያን ንስፍሓት ወንጌል ናይ ነፍስወከፍና አበርክቶን እሽታን ይሓትት። ባህግን ስምዒትን አየዕብየናን እዩ።

ሓደ Max Lucando ዝብሃል ከም ዝብሎ ነፍስወከፍና ጎይታና ዝደልዮ አድጊ አሎና ይብል። ከምዚ እናበለ ኸአ የስተንትን፡

አብ ገለ እዋን አምላኽ ገለ ነገር ክህቦ ከም ዝደሊ ይስምዓኒ እንተ ኾነ አይህቦን ምኽንያቱ ብርግጽ አይፈልጥን ድሕሪኡ እጉሂ ምኽንያቱ ዕድል ዘጥፋእኩ ኮይኑ ይስምዓኒ። ካልእ ጊዜ ኸአ ገለ ነገር ከም ዝደሊ እፈልጥ ግን ንአይ ይጥዓመኒ ዝብል ስለ ዝኾንኩ አይህቦን። ካልእ ጊዜ ከአ ቍርብ ጊዜ እሰምዖ እሞ እዘዞ ሽዑ ክብሪ ይስምዓኒ በቲ አነ ዝሃብክዎ ንኢየሱስ አብ ካልእ ቦታ አብጽሖ። እንደገና ካልእ ጊዜ እዚ ሎሚ ዝገብሮ ንእሽቶይ ነገር አብዚ ዓቢ ሃጓፍ ገለ ፍልልይ የምጽእዶ ኾን እብል።

እዚ ሕቶታት አብ ሕልናና ንአና እውን ይመጻና ይኸውን። ኩልና አድጊ አሎና። አነን ንስኹምን አብ ሕይወትና ገለ ነገር አሎና፥ ነዚ ነግር ንአምላኽ ክንህቦ እንተ ኸአልና ከምቲ አድጊ ንኢየሱስ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ክነብጽሖ ንኽእል። እንታይ እዩ ንስኻ/ኺ ክትህቦ እትኽእል ሓደ አብ መዝማር፥ ሓደ አብ ምምሕዳር፥ ሓደ አብ ምምሃር ካልእ አብ ምትሕብባር ካልእ ከአ አብ ምዕራቕ ዝተፈላለየ ነገር ዝተወሃብና ኢና። ንኢየሱስ አብ ልቢ ብዙሓት ከም ዝአቱ እንገብር ንሕና ኢና፥ ንሰባት አብ ኢየሱስ እነምጽእ ንሕና ኢና፥ ንካልኦት አብ ኢየሱስ ከም ዝመጽኡ እንገብር ንሕና ኢና ስለዚ ዘብጽሕ አድጊ ሎሚ እውን የድሊ አሎ።

ኢየሱስ አብ ልቢ ሰባት አብ ሕልና ሰባት ዘብጽሖ ዝልአኾ ይደሊ አሎ። ኢየሱስ ክልእከና እንከሎ ምኽንያት ክንገብር አይግባእን ከምቶም ክልተ አርድእት ዝበለና ሰሚዕና እንተ ኸአልና ባዕሉ ንኹሉ ኽገብር እዩ። እግሪ አፍ ዓይኒ ክንኮኖ ይሓተና አሎ።

አየናይ እዩ አድግኻ/ኺ?

አየናይ አድጊ ምዃኑ ናትካ ብዘየገድስ ናቱ እዩ። ብሓቂ ኩሉ ምሳና ዘሎ ናቱ እዩ። ህያባትካ ናቱ እዩ እቲ አድጊ እውን ናቱ እዩ። ነዚ ሓቂ ምዃኑ ኸአ አብቲ ኢየሱስ መጀመርያ ዝበሎ እንተ ረአና ክነረጋግጾ ንኽእል “ሓደ ስለምንታይ ትፈትሕዎ አሎኹም ኢሉ እንተ ሓተተኩም ጎይታ ይደልዮ አሎ በልዎ”። ስለዚ መንእዩ ስም አድግኻ? ጎይታ ዝደልዮ ዘሎ። 

ሰሙነ ሕማማት ንአቱ አሎና እዚ ኸአ ነቲ ካብ አምላኽ ዓጊቱና ዘሎ ስዒርና ክንሕደስ ደቂ ድሕነት ኮና ምስ ሓዲስ ሕይወት ምስ ኢየሱስ ክንሓብር ንማለት እዩ። ሕማማት ኢየሱስ ዘዘኻኽሩና መገዲ ቅድስና ወይ እውን አብ ሰላም አብ ፍቕሪ አብ ሕድገት ክንበጽሕ እንሓልፎ ስቓይ ከምዘሎና እዩ ዘዘኻክረና። ስቓይ ጥዑም አይ ኮነን ግን ንስቓይ አብ ኢድ አምላኽ አውሪድና ክንሓልፎ ከሎና በረኸት ትንሣኤ እዩ ዘምጽእ።

ኢየሱስ አብ ልብና ክአቱ ልብኻትኩም ክፈቱለይ ይብለና አሎ። ምሳና ክኸውን አብ ቤትና አብ ኹሉ ሕይወትና ክአቱ መንፈሳዊ ቆጽሊ ስየ ሒዝና ንቀበሎ።

አብ ቅድስናን ትንሣኤን ዘብጽሕ ሶሙነ ሕማማት ይግበረልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.