2016-04-19 15:43:00

ብፁዕ ካርዲናል ታግለ፥ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ለስቦ ንስዕረት ፍርሒ ኣብ ልዕሊ ስደተይናታት


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ግሪካዊት ደሴት ለስቦ ንዝርከቡ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብዝተፈላለዩ ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን ማሕበራውን ሃይማኖታውን ጸገማት ተደሪኾም ሕይወቶም ንምድሓን ዝተሰዱ ንዝተፈላለዩ ጸገማት እውን ተቓሊዖም ንዝርከቡ ዕለት 16 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም. ምስ ናይ ውህደተ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ብሓባር ስለ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕን ዕለት 17 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት ንግስተ ሰማይ ቅድሚ ምዕራጎም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ነቶም ዝበጽሕዎም ስደተይናታትን ተመዛበልትን ብምሕሳብ ከምዝጸለዩን እንክዝከር ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ ኣመልኪቶም ዝተፈላለያ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ተራድኦ ማሕበራት ዝጥርንፍ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ንእተሰምየ ማሕበር ኣቦ መንበር ኣብ ፊሊፒንስ ናይ ማኒላ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኣንቶኒዮ ታግለ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፥ ብርግጽ እቲ ምብጻሕ ነቲ ኣብቲ ግሪክ ምስ መቀዶኒያ ኣብ ዘዳቡው ከባቢ ንዝተዓቖበ ስደተይና ናይ ሓጐስ ምኽንያት እዩ። እቲ ምብጻሕ ፖለቲካዊ ዝክረ ነገር ዘይብሉን ተስፋን ሓሴትን ዘነቓቕሕ ናይ ፍቕሪ ስራሕ እዩ። ብፁዕነቶም ኣብቲ ቦታ በጺሖም ከምዝነበሩን ናይቶም ስደተይናታትን ተመዛበልትን ስቓይ ብዓይኖም ዘረአይዎን ምንባሩ እውን ጠቒሶም ቅዱስ ኣቦና ነቶም ስደተይናታት ምጽንናዕን ተስፋን ሓሴትን እዮም ዘብጽሑ ኢሎም።

ቅዱስ ኣቦና ካብቶም ስደተይናታት 12 ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ኣባይቲ ስድራ ብሓልዮቶም ንኽናብውይዎም ከም ናይ ተስፋ ምልክት ምስኦም ሒዞምዎም ናብ ሃገረ ቫቲካን ከምእተመልሱን ኣቶም ኣባይቲ ስድራ ብካቶሊካዊ ቅዱስ ኤጂዲዮ ምንቕስቓስ ይእለዩ ከምዘለዉ እውን ሓቢሮም። ፍቕርን ምሕረትን ሓልዮትን ብግብሪ ክንበርን ክግለጽን ከምዘለዎ ዝምዕድ ግብረ ሰናይ እዩ።

ናይ ፖለቲካ ኣካላት ነቲ ጉዳይ ስደተይና ምስቲ ኣብ ኤውሮጳ ዝረአይ ዘሎ ኤኮኖሚያዊ ቅልውላውን ምስቲ ኣብ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ እናተዀላለፈ ዝካይድ ዘሎ ሳልሳይ ውግእ ዓለም ዝፈጥሮ ፍርሒ ነቲ ካባኻ ንዝተፈልየ ምፍራሕን ምጥርጣርን ናይ ፖለቲካ ዝክረ ነገር እናገበሩ ምጥቃምን ሕዝቢ ኤውሮጳ ዘርእዮ ዘሎ ፍርሒ ትርጉም ዘይብሉን ንስደተይና ምውጋድን ምስጓጉን ዘይኰነስ ምቕራብን ናይ ርክብ ባህሊ ብምስፋሕ ሰብ ከም ሰብ እምበር ካበይን እንታይን ሃይማኖቱን ዝኣመስለ መምዘኒ ከይገበርካ ምቕባልን ምእንጋድ ዘለዎ ኣገዳስነት ዘነቓቕሕ ምብጻሕ እዩ ቢሎም፡ ቅዱስ ኣቦና ዘካይድዎ ምብጻሕ እቲ ኣብ ኤውሮጳ ንስደተይና ምፍራሕ ዝሰፍሕ ዘሎ ተግባር ክውገድ ዘተባብዕ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።








All the contents on this site are copyrighted ©.