2016-04-19 16:22:00

መበል 38 ናይ ሰበኻ ሮማ ጨንፈር ካሪታስ ዓውደ ጉባኤ


ብእንነብሮ ዘሎና ቅዱስ ናይ ምሕረት ዓመት ምኽንያት ናይ ሮማ ሰበኻ ዘበገሶ ናይታ ሰበኻ ናይቲ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ረድኤት ማሕበር ጨንፈር ኢጣሊያ መበል 38 ዓውደ ጉባኤኡ ኣብ ከባቢ ሮማ ኣብ እትርከብ ከተማ ሳክሮፋኖ ዕለት 18 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም. ከምዝጀመረ እንክንገር፡ ኣብዚ ክሳብ ዕለት 21 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም. ዝቕጽል ዓውደ ጉባኤ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ኣግሪጀንቶ ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ፍራንቸስኮ ሞንተነግሮን ናይ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ኣቦ መንበር ናይ ማኒላ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኣንቶንዮ ታግለን ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኑንዚዮ ጋላንቲኖን ካልኦት ናይ ቤተ ክርስቲያንን ናይ ማሕበራውያን ጉዳያት ላዕለዎት ኣካላት ዘረባ ከስምዑ ምዃኖም ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሮበርታ ባርቢ እንከምልክታ፥ ብዛዕባ እቲ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ኣመልኪቶም ኣብ ኢጣሊያ ናይ ካሪታስ ጨንፈር ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፍራቸስኮ ሶዱ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ዝካይድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ከም ኣቦ መሓሪያን ኩኑ ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝተመርሔ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም ለምዘበን ናይ ኢጣሊያ ጨንፈር ካሪታስ ካብ ዝቐውም መበል 45 ዓመት የቑጽር ምህላዉ ድማ ሓቢሮም ብቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መሰረት ድማ ዝተፈላለዩ ፍጻሜታት የሳልጥ ኣሎ። እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝነብርዎን ዝገልጽዎን ዝምዕድዎን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንመላእ ቤተ ክርስቲያን ክኸውን እንከሎ ናይ ቤተ ክርስቲያን ዝተፈላለዩ መዋቕራት ከከም ዕላማኦም ድማ ንኣኡ እዮም ዝትግብሩ ኢሎም እቲ መበል 38 ዓውደ ጉባኤ ናይ ኣስተንትኖን ጸሎትን ዘተን መደባት ዘጠቓለለ ምዃኑ ሓቢሮም።

ቤተ ክርስቲያን ንልብን ሕሊናን ሰብ እትዛረብ ምዃና ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝገልጽዎ ዝነበረ ስነ ቤተ ክርስቲያናዊ ኣምር ሊሚ እውን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዝተፈላለየ መልክዕ ይገልጽዎ ኣለዉ። ምእንቲ’ዚ ናይ ካሪታስ ማሕበር ቀንደይና ዕላማኡ ሰብኣዊ ፍጡር እዩ። ስለዚህ እቶም ዝሳለጡ መደባት ኣተኵሮኦም ሰብኣዊ ፍጥረት እዩ። እዚ ድማ ቅዱስ ኣቦና ብሓጹሩ ኣብ ለስቦ ብዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብተግባር ገሊጾምዎ እዮም።

እቲ ዓውደ ጉባኤ ዝዝትየሉ ዘሎ ዝክረ ነገር ኣብ ፍጻሜ ዘጠቓልሎ ናይ ሓባር ናይ ፍጻሜ ሰነድ ክህሉ እዩ። ንኣኡ መርሚሮምን ዝማላእ እንተሎ ወሲኾም ዝእረም እውን እንተሎ ኣሪሞም ናይ ቤተ ክርስቲያን ተግባር ኰይኑ ክግለጽን ክንበርን ንናይ ኢጣሊያ ጨንፈር ካሪታስ ኣገልግሎት መርሕ ኽኸውን ዘመሓላልፍዎ ድማ ቅዱስ ኣቦና እዮም እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.