2016-04-16 15:33:00

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ.፥ እግዚኣብሔር ወትሩ ናይቲ ብክብሪ ናይ ምትሳእና ውሕስነት እዩ


እቲ ዕጹውን ተሪርን ልቢ ክኽፈትን ንመንፈስ ቅዱስ ልምሉም ልቢ ኰይኖ ክርክበ ዝመርጽ ካብ ዝወደቐሉ ዘድሊ እውን እንተዀነ ብትሕትና ናይ ምትንሳእ ክብሪ ዋሕስ እግዚኣብሔር ዝዕድሎ ጸጋ እዩ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ስብከት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 15 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም. ከምቲ ልሙድ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከ ቤተ ጸሎት ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዝለገሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብላቲን ስርዓት ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ምንባብ ካብ ግብረ ሓዋያት ምዕ. 9 ካብ ፍቕዲ 1 ክሳብ 20 ከምኡ እውን ካብ ዮሓንስ ወንጌል ምዕራፍ 6 ካብ ፍቕዲ 52 ክሳብ ፍቕዲ 59 ዝተወስደ ምንባብ ኣመርኵይዞም፥ ንቅዱሳን ነገራት ቀናእተይና ምዃን ማለት ግድን ንእግዚኣብሔር ክፉት ዝዀነ ልቢ ኣሎካ ማለተ ኣይኰነን ቢሎም፡ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ በዓል ጠርሲስ፡ ልቡ ንኽርስቶስ ዝዓጸወ ጥርሕ ዘይኰነስ ነቶም ሰዓብቲ ክርስቶስ እውን ዘሳድድ እዩ ኔሩ፥

ልቢ ዘልምእ ትሕትና

ጉዕዞ ታራኽ ሳኦል፡ ናይቲ እግዚኣብሔር ልብኻ ንኽልውጥ ምፍቃድ ታሪኽ እዩ፡ ጳውሎስ ብብርቱዕ ብርሃን ይዕብለል እሞ ዝጽውዖ ድምጺ የስተውዕልን ይወድቕ ናይ ሓጺር ጊዜ ዑረት ድማ የጋጥሞ እቲ ብርቱዕ ኣብ ገዛእ ርእሱ ኣዚዩ ዝተኣማመን ምኵሕ ይወድቕ። ጳውሎስ ኣብዚ ዘጋጠሞ ኵነት እቲ ሓቂ ዝብሎ ንሱ ዝስዕቦ ዝነበረ መገዲ ከም ፍቓድ እግዚኣብሔር ዘይምዃኑ የስተውዕል፡ ስለምታይ እግዚኣብሔር ኵላትና ክንወድቕ ዘይኰነስ ደው ክንብል ስለ ዝፈጠረና። እቲ ስለምታይ እተሳደኒ ዝብል ድምጺ ድማ ጳውሎስ ካብቲ ዝወደቖ ክትንስእ ይጽውዖ፥

ክትንስእ ምስ ደለየ ድማ ዑረት ከምዘጓነፎ ይርዳእ እዚ ድማ ብናይ ክርስቶስ ሓቂ ብሐፈሻኡ ብክርቶስ ክምራሕ ምፍቃዱ እዩ ዘመልክት። ኣብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ሓይሊ ምትእምማን እናረኣኻ ዘይምርኣይን ዘይምልላይን ምስትውዓልን እዩ። ጳውሎስ ካብዚ ዑረት ናብ ርእየት ልቡ ይኸፍት እቶም ምስኡ ዝነበሩ ናብ ደማስቆ መሪሖም ይወስድዎ ሰለስተ መዓልቲ ዓዊሩን ብዘይ መግብን ማይን የሕልፍ። ነዚ ዓይነት ትሕትና ይቕበል። እወ ትሕትና ናይ ልቢ ምኽፋት መገዲ እዩ። ትሕት ዘብል ኩነት እግዚኣብሔር ከውርደልና ልብና ንኽንከፍትን ልምሉም ክንብገርን ልብና ናብ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ንኽልወጥ መታን እዩ።

እቲ ዋና ተዋሳኢ መንፈስ ቅዱስ እዩ

ልቢ ጳውሎስ ልሙእ ይኸውን ኣብቲ ናይ ዑረትን ብሕትውናን እዋን ድማ ውሽጣዊ ምርኣይ ተዓደለ። እግዚኣብሔር ኣናንያ ይልእክን ኢዱ የንብረሉን ነዕይንቱ ሓድሽ ምርአይ ይጽግወሉ። ኣብዚ ታርኽ’ዚ ቀንደይና ተዋስኢ ዘይጥቀስ እውን እንተዀነ ንሱ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ናይ ቤተ ክርስቲያን ቀንደይና ተዋሳኢ እቲ ሕዝበ እግዚኣብሔር ዝመርሕ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ጳውሎስ ይትንስእን ጸጋ ጥምቀት ይቕበልን። ልቢ ቅዱስ ጳውሎስ ንመንፈ ቅዱስ ልምሉም ይኸውን።

ናይ ምትንሳእ ክብሪ

ጐይታ ልቢ ሰብ እንክልውጥ ክንደይ ባህ የብል፡ ልቢ ሰብ ዝልወጠሉ ሜላን መገድን ክንደይ ባህ የብል። እቲ ተሪርን ነቓጽን ልቢ ንመፈስ ቅዱስ ምእዙዝ ይኸውን፡ ኩላትና ትረትን ንቕጽናን ልቢ ኣሎና። ትረትን ንቕጽናን ልቢ ዘይብሉ ካባና እንተሎ ሓፍ ይበል። ኩላትና ልበ ትረትን ንቕጽናን ኣሎና። እቲ ናብ ባይታ ክንወድቕ ዝድርኸና ትረትናን ንቕጽናን ልቢ ከነለልይን ክንርእይን ጐይታ ይደግፈና። ካብቲ ዝወደቕናሉ መሬት ውርደት ማለት ናይ ዝተኸፍተን ልኡም ልቢ ዋሕስ ዝዀነ እግዝኣብሔር ኣብ ምፍጣርና ዘጸገወና ጸጋ ኣቢልና ክንትንስእ ገዛእ ርእስና ትሕት ነብል እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ደ ካሮሊስ ኣመልኪቶም።    








All the contents on this site are copyrighted ©.