2016-04-09 19:35:00

ሰንበት ዘገብር ኄር (ጾም ፵) መጋቢት 2 2008 ዓ.ም (4/10/2016)


ንባባት፡ ፊልጲ 3፡8-14፥ 1ጴጥ 2፡11-19፥ ግ.ሓ.16፡17-19፥ ዮሓ 8፡1-11  ስብከት፡“ከመ እንግር ፈቃደከ መከርኩ አምላኪየ፥ ወሕግከኒ በማከለ ከርስየ ዜኖኩ ጽድቀከ    በማሕበር ዐቢይ”። “አምላኽይ ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ አሎኒ፥ሕግኻ እውን አብ ውሽጢ ልበይ እዩ፥ጽድቅኻ አብ ጉባኤ አብሰርኩ” መዝ. 40፡8።

ሰንበት ዘግብር ኄር አብ ቅድሚ አምላኽ እሙናት ኮና ነቲ ዝተዋህበና ጸጋ ክነፍርየሉ ከምኡ በቲ ዝተዋህበና ጸጋ ንአምላኽን ሰብን ክነገልግል ከም ዘሎና ዘዘኻኽር እዩ። መጠን አብ ሶሙን ሕማማት ዝቐረብናሉ መጠኑ ምቅርራብና ብዝያዳ ክነስተውዕለሉ ዝሓትት እዋን እዩ። ዓቢ ውራይ ይአትወና አሎ ሕይወትና ከመሎ? ንመገዲ ጽድቂ ተተሓሒዝናዮ ዘሎና? ጾምና ከመሎ? ብዝተዋህበና ጸጋ ከም ዝድለ ነፍሪ ዘሎና? ምስ ሓውናን ሓፍትናን ዘሎና ርክብ ከመሎ እናበልና እዝን ካልእን ክንሓትት ይግብአና። ጾምና አብ ምውዳእ ገጹ ስለ ዝኸይድ ዘሎ ምስጢረ ትንሣኤ ከነብዕል ንቀራረብ አሎና። ብኻልእ አዘራርባ ካብ ዞና ስቓይ ናብ ዞና ክብርን ሰላምን ንአቱ አሎና። ናይ ሎሚ ንባባትና ብሩህ ተስፋ እናሃቡ ብሩህ መጻኢ ከም ዝጽበየና ዘሎ ይገልጹልና።

ቅ. ጳውሎስ አብ ናይ ሎሚ መልእኽቱ ናብ ሰብ ፊልጵስዩስ (3፡8) “ምእንቲ እቲ መዘና ዘይብሉ ፍልጠት ናይ እቲ ጎይታ ዝኾነ ክርስቶስ ኢየሱስ ንዅሉ ነገር ከም ክሳራ እቖጽሮ አሎኹ፥ ንእኡ ኽረክብን ምስኡ ክኸውንን ኸአ ንዅሉ ኸም ጎሓፍ እጽሮ አሎኹ” እናበለ ምእንቲ ፍቕሪ ክርስቶስ ኢሉ ንኹሉ ናይ ኮንቱ ኮንቱ ከም ዝቖጸሮ ይነግር። እዚ ኹሉ ኸአ ነቲ አብ ዳሕራይ እዋናት ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝግለጽ ክብሪ ከም ዝስዕር ብምእማን እዩ። ንሱ “ካብቲ ቀዳማይ እቲ ዳኅራይ ክብሪ ከም ዝበለጽ” ስለ ዝተረድአ እዩ (ነብይ ሓጌ 2፡9)። ጳውሎስ እዚ ኹሉ ስለ ዝተገልጾ አብ እምነቱ ጽኑዕ ዝመጸ እንተ መጸ ሓንሳብ ምስ አመነ ምንቕ አይበለን አብ መጨረሻ ኸአ ብሴፍ ክሳዱ ተመቲሩ ብሰማዕትና ምእንቲ ፍቕሪ ጎይትኡ በጃ ኾይኑ። ሞት ክርስቶስ ቀጺሉ ከም ዝአምን ገርዎ እዚ ኸአ እዩ ሎሚ ንአና ዘድልየና ዘሎ።

ጳውሎስ ህላዌ አምላኽ አብ ኩሉ ገጻት ሕይወቱ አብ ዝሓለፈ ዘሎ ዝመጽእ ክርኢ ክኢሉ እዚ ብርሃን ኮይንዎ አብ እምነቱ ነቕ አይበለን። ንሕና እውን አብ ክርስቶስ ድልዱል እምነት እንተ ገበርና ወላ እኳ ምድራዊ ሃብትና እንተ አጥፋእና ኵል ዘድልየና ክንረብሕ ኢና። ብክርስቶስን ትንሣኤኡን ምስ አምላኽ ሓደ ከም እንኸውን ተረጋጊጹልና። አብዚ ዓለም አብ ግዕዞ ኢና ዘሎና፥ አብ ምልአት በጺሕና አይንበል ሞትን ትንሣኤን ኢየሱስ እዩ ንመጻኢ ተስፋ ዝህበና። በዚ ርድኢት ክንከይድ ከሎና ጩራ ትንሣኤ ክበርቀና ይኽእል እዩ እሞ አብ መድሕና ምሉእ እምነት ገርና ቅዱስ ሕይወት ክንመርሕ መብጽዓና ንሓድሶ።  

አብ ናይ ሎሚ ወንጌል መማህርና ሕግን ፈሪሳውያን (ክልተ አንጻር ዝኾኑ ጋንታት) ሓንቲ አብ ዝሙት ዝተረኽበት ሰበይቲ አብ ክርስቶስ ከም ዘምጽኡ ይነግረና አብዚ እንርእዮ እዞም ክልተ ተጻረቲ ጋንታ ኢየሱስ ናይ ሓባር ጸላኢኦም ገሮም ስለ ዝርእይዎ ሰሚሮም ንረኽቦም አብ ማር ሉቃ ማቴ ብተመሳሳሊ ተገሊጹ ንረኽቦ። “ናይ ጸላኢአይ ጸላኢ ዓርከይ እዩ” ዝብል እዩ ነገሩ። ነዚ ዝገበሩ ንኢየሱስ አብ ቅድሚ ሮማውያንን ህዝብን መኽሰሲ እንተ ረኽቡሉ ኢሎም እዮም። ንሞት ትፈረድ እንተ በለ ንሱ ክፈርድ መሰል ዘለዎ ቆጺሩ ነቲ ሮማውያን ጥራሕ ዝፈርድዎ ብምፍራዱ አብ ቅድሚኦም ክኸስዎ፥ ከምኡ ንሞት እንተ ፈረደ አንጻር ትምህርቱ ምሕረትን ርሕራሔን ዝብል ብምፍራስ ምስቶም ነዚ ሕጊ ዝጻረሩ ይብአስ አሎ። ነታ ሰበይቲ ነጻ እንተ ገበራ ኸአ አንጻር ሕጊ ሙሴ ብምኻዱ ምስቶም ንሕጊ ሙሴ ቃል ንቓሉ ዝትርጉሙ ይብአስ አሎ። ስለዚ ጸላእቱ ብኽልቲኡ መጻወድያ ገሮም እዮም ነዚ ቀሪቦምሉ።

ኢየሱስ ኵሉ ጊዜ አብ ከምዚ ዝአመሰለ ኵነታት ዘርእዮ ፍቕሪን ሓልዮትን ርሕራሐን እዩ። ወላ ነቶም ከሰስቲ አብ ልቦም ክምለሱ እሞ ክፍአቶም ርእዮም ክኽእሉ ኢሉ ጽን ኢሉ ይሰምዖም። ነቲ አብ ምድሪ ዝጽሕፎ ዝነበረ ክገልጹ ከለዉ ገለ ኃጢአቶም ይጽሕፍ ነሩ ዝብሉ አለዉ ብሓቂ ክንርእዮ ከሎና ብዙሕ ዘገድስ አይ ኮነን። ኢየሱስ ድንን ኢሉ ብምጻሓፉ አብቲ ጉዳይ ኢዱ ከእቱ ከምዘይደሊ ነቶ ጉዳይ ከምቲ ንሶም ዝርእይዎ ዘይኮነስ ብኻልእ ከም ዝርእዮ ከረድኦም ኢሉ ሓንቲ አይምልሰሎምን። ደጋጊሞም ምስ ሓተትዎ ግን አትኲሩ ብዓይኒ ፍቕርን ርሕራሔን እናጠመተ ካባኻትኩም ኃጢአት ዘይብሉ መጀመርያ እምኒ ይደርብየላ ኢልዎም ሽዑ አብ መጻወድያ ከእትውዎ ዝሓሰቡ ንርእሶም አብ መጻወድያ አትዮም። ኲኖ ሕጋዊ ነገር ርእዩ ብዛዕባ ኃጢአት ናይ እታ ሰበይቲ ዘይኮነ አብ ናይ ከሰስታ ኃጢአት እዩ አተኵሩ። አብ ርእሶም ክርእዩ እሞ ጸብጻብ ሕይወቶም ክህቡ ሓቲትዎም ሽዑ መልሲ ስኢኖም። ካብ ዝዓበየ ክሳብ ዝንአሰ በብሓደ ክሃድሙ ጀሚሮም። እቲ ህዝቢ እውን ፋሕ ኢሉ ከይዱ ኢየሱስን እታ ሰበይትን ጥራሕ ተሪፎም። ሽዑ ኩሉ ጊዜ ከም ዝገብሮ ናይ ድሕነት መልእኽቱ እናርአየ ብአኽበሮትን ብርሕራሐን እናጠመታ ይዛረባ። “አነ እውን አይኩንነክን” እናበለ ዳግማይ አይትአብሲ ኢልዋ።

ሎሚ ንኢየሱስ በይንና ምስ ርኡይ ኃጢአትና አብ ቅድሚኡ ደው ንበል። ተአምኖተ ኃጢአትና ገርና እነኹ ምስ ኵሉ ክፍአተይ አባኻ ረማዕ አብኻ ገማዕ ክንብሎ ንቅረቦ። ብርግጽ ሥጋና ክሓፍር ክአቢ እዩ ምስ እዚ ኃጢአት ከመይ ኢለ ክናዘዝ ከመይከ ኢለ አብ ሰብ ክቐርብ ክፍአተይ ኵሉ ዝፈልጦ እንድዩ አይንበል አምላኽ “ኃጥአን እየ ዝደሊ” ኢሉና እዩ። ፍርሒ ምጥርጣር ካብ ርእስና አርሒቕና አብ ቅድሚኡ እናተነሳሕና ምሓረኒ ንበሎ።

መመህራን ሕግን ፈሪሳውያንን አብነት ነፍሲ ወከፍና እዮም ንኃጢአትና ከዊልና ኃጢአት ድኽመት ካልኦት ተጠቒምካ አብ ጥቅምኻ ከም ዝውዕል ምግባር ናይ ብዙሓት ናይ እዋና ጸገም እዩ። ሰብ ክፍአት ካልኦት ክርኢ ቀሊል እዩ ንኽፍአት ንድኽመቱ ዝርኢ እሞ ዝንሳሕ ግን ውሑድ እዩ። እዋን ጾም ዓይኒ ሕልናና ክንከፍት እሞ ንኃጢአትና ድኽመትና ክንርኢ ዝሕግዘ እዋን እዩ። ኃጢአትና ክንርኢ እንተ ኸአልና ወላ ናይ ካልኦት ኃጢአት ክንርኢ እንተ ከአልና አይ ንክንፈርዶምን ኢና እቲ ምንታይ ኃጢአትና ስለ ዝኸብደና።

                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                            አብዚ ክንዝንግዖ ዘይብልና እዞም ከሰስቲ ተጋግዮም ክርስቶስ ዝመጸ ከድሕን እምበር ክኹንን አይ ኮነን፥ ናይ ክርስቶስ መገድን አተሓሳስባን ካብ ናቶም ዝተፈልየ እዩ። ኢየሱስ አብ ክንዲ ዝኹንና ሕይወታ ብሓዲስ ሰሪዓ ከም እተኸይድ ገሩ ሓዲስ ዕድል ሕይወት ቀሪብላ። ሕጽር ብዝበለ “ኪዲ ዳግም አይትአብሲ” ኢልዋ እዚ ማለት ከአ ንሳ ከይዳ ሓዲስ ሕይወት ክትጅምር ንማለት እዩ። አብዚ ጊዜ ጾም ነፍስወከፍና ዓይነት ኃጢአትና ብዘየገድስ አብ ክርስቶስ ክንቀርብ እሞ ምሕረት ረኺብና ሓዲስ ሕይወት ክንጅምር ንጽዋዕ አሎና።

አብዚ ክንሓቶ እንኽእል አሎ እቲ ምስአ ዝዝሙ ዝነበረ ሰብአይከ አበሎ? ስለምንታይ ዘየምጽእዎ ወይ እውን ብዛዕብኡ ዘይዛረቡ? አብ ቅድሚ ሕጊ ዘዳግም 22፡22-24 ክልቲኦም ሰብአይን ሰበይትን አብ ዝሙት ዝተረኽቡ ይቀተሉ እዩ ዝብል። አብዚ እንርእዮ መጀመርያ እቲ ክሲ አብታ ሰበይቲ ዘይ ኮነስ አብ ኢየሱስ ዝዓለመ እዩ ነሩ። ካልአይ ባህሊ አይሁድ አብ ከምዚ ዝአመሰለ ብዙሕ ጊዜ እቲ ኃጢአት አብ ሰበይቲ የውድቕዎ እዚ ግን ግጉይ አተሓሳስባ እዩ። አብ ዓድና እውን ከምኡ ዝአመሰለ አሎ ንአብነት ሰብአይ ብወሰን እንተ ወለደ አቕልል አቢሎም ይርእይዎ ሰብይቲ እንተ ወለደት ግን ምርጫ የለን ምፍትሓ እዩ። አብ ልዕለይ እንድያ ዓንዲራ እናተባህለ አብ ፍትሕን ካሕሳን ይጎዩ። ብሓቂ ክርአ እንከሎ ግን ኵሉ ሕጊ አምላኽ ዘፍርስ ብማዕረ እዩ ዝብድል። እቲ ካሕሳ ኃጢአት ብማዕረ ብደቂ ተባዕትዮን ደቂ አንስትዮን እዩ ክግበር ዘለዎ።

አምላኽ ከምዚ ነዛ ሰበይቲ ዝገበሮ ንአና እዋን ከም በደልና ዘይኮነ ካልአይ ዕድል ይህበና እዩ። ክሳብ ክንደናይ አብ ኃጢአት ቅሉዓት አብ ዝንባሌ ክፍአት ዘሎና ባህርይ ይፈልጦ እዩ። አብ  ሕይወትና አብ ሕብረተ ሰብን ምስ ተጻረርቲ ኃይልታት እንገብሮ ቃልሲ ይፈልጥ እዩ። ንሱ ካብ ግላውን ዝኾነ ድኽመታትና ከድሕነና እዩ መጺኡ። ምጽአቱ ክኹንነና አይኮነን በዚ ምኽንያት ከአ እዩ “ሕይወት ምእንቲ ክረኽቡ ብምልአት እውን መታን ክረኽቡ እየ መጺአ” (ዮሓ 10፡10)) እናበለ ዝገለጸልና።

ኢየሱስ “አነ እውን አይኩንነክን እየ” ዝበለን ቃላት ንነፍስወከፍና እውን አይ ኩንነካን/ አይ ኩንነክን እየ እናበለ ይዛረበና አሎ በዚ ተበራቲዕና ሕይወትና ክንቅይር ንዝሓለፈ ኃጢአትና አብ መንበረ ንስሓ ሓጺብና ሓዲስ ሕይወትን ርክብን ክንጅምር ዕድል ይውሃበና አሎ። አምላኽ ብኃጢአትና ክምሕረና እንከሎ ብምሉእ እዩ ዝምሕር እስከ ክርእየካ/ኪ አይብለናን እዩ። ነዘን ቃላት ንአና ክብለን እንከሎ ነቲ ዝበሎ እየን ዘስምዓ እምበር ንቀለዓለም አይ ኮነን። ነዚ ክብለና እንከሎ ዝሓለፈ ኃጢአትና መይቱ እዩ ከም ዝጠፍአት ሽምዓ ጨሪሹ ይጠፍእ ምሳና የለን ተሓዲጉና እዩ። ሽዑ ክርስቶስ ብሓጎስን ደስታን ይመልአና ደቂ ቤት አሕዋቱ ንኸውን። እዚ እዩ አብዘን ዝመጽአ ዕለታት ብሞቱን ትንሣኤኡን ዝፍጽመልና።

ናይ ሎሚ ንባባትና እምብአር ንንስሓ ዘዘኻኽሩ ንኃጢአት ዝመልኦ መገዲ ሕይወትና ሓዲግና ሓዲስ ሕይወት ክንጅምር ዝዕድሙ እዮም። አብ ሶምን ሕማማት መጠን ዝቐረብናሉ እዚ መጻዋዕታ ህጹጽ ይኸውን። አብ ጉዕዞ ጾምና ከይኃጣእና ክንውድኦ ተመባጺዕና ንኸውን እንተ ኾነ አብ ዓቢ ኃጢአት ወዲቕና እንተ ኾና ተስፋ ንቖርጽ ንኸውን፥ ዝአቶናዮ መብጽዓ ጾምና ስዒርና ከም ዝጀመርናዮ ንቕጽሎ የለናን ተስፋና ተጸንቒቁ ይህሉ ይኸውን አብዚ እዋን እዩ እምብአር ከምቲ ነታ ዘማዊት ሰበይቲ ሓዲስ ዕድል ዝሃባ ንአና እውን ዝህበና። ጉዕዞ ንስሓን ምሕረትን አይተወድአን አሎ። ካባና ዝድለ ሓዲስ ውሳኔ ገርና ንሓዲስ ጉዕዞ ጥራሕ ንበገስ እምበር ንሱስ ኵሉ ጊዜ ምስ አፍቀረና እዩ።

ፍቑራት አሕዋተይ ከምዛ ሰበይቲ ክንደይ ጊዜ ኢና ንሕጊ አምላኽ ዘይጠሓስና። ነቲ አብ መንበረ ታቦት አብ ቅድሚ አምላኽ ዝአቶናዮ ክህነታዊ እሽታ፥ ማሕበራዊ መብጽዓ፥ ኪዳናዊ ማሕላ አብ ጎኒ አንቢርና ዘንጊዕና ዘሎና። ምናልባት ሰባት ከሲሶም ከምጽኡና ንጽበ እንተ አሎና ዘንጊዕና አሎና ሎሚ ከሳሲና ሕልናና እዩ ክኸውን ዘለዎ። እምብአር አብ ቅድሚ አምላኽ ብዝተፈላለየ መገዲ ዝተቐበልናዮ ሓላፍነት ዘኪርና አብ መብጽዓና ክንምለስ እሞ እሙናት ደቂ አምላክ ክንከውን። “አብ ውሑድ ተአሚናካ ኢኻሞ አብ ብዙሕ እሸመካ አሎኹ” ንዝብል ተስፋ ክርስቶስ ሒዝና ንተሓድሶን ንስሓን ደፊርና ንእተዎ። 

አብ መወዳእታ መጠን አብ ትንሣኤ ክርስቶስ ክነብዕል አብ እንቀራረበሉ ዘሎና ዝብለና አልኦ “ኪድ/ ኪዲ ዳግም አይትአብስ” ዝብል እዩ። እዘን ቃላት አብ ልብና አትየን አብ ግብሪ ክነውዕለን ይደሊ አሎ። አብቲ ንሱ ዝብለና እንተ ጸናዕና ካብ ኃጢአትና ወጺእና አብ መገዲ ንስሓ እንተ ተጎዓዝና ዝበለጸ ሕይወትን ክብርን ከም እንጎናጸፍ ተስፋ ሂቡና አሎ። ኵነታትና ብዘየገድስ ጸጸኒሕና አብ ኢየሱስ ክንመላለስ አሎና። ወዳቒ ባሕሪ ስለ ዘሎና ብቀጻሊ አብኡ ክንምለስ ከምዘሎና ክንሓስብ አሎና፥ ምኽንያቱ ንሱ ኩሉ ጊዜ ሓንትስ ከምቲ በታኒ ወዲ አብ ሉቃስ 15 እነንብቦ ንኹን እንበር  ክቕበለና ኵሉ ጊዜ ምስ ተጸበየ እዩ። አብ አቦና ቀሪብና “አብ ቅድሜኻን አብ ቅድሚ ሰማይን ምድርን በዲለ” እናበልና ንተአመን እምበር ክቕበላን ጸገም የብሉን። ጉዕዞ ንስሓ ደፊርና ክንለብሶ የድሊ።

ዝንሳሕ ልቢ ሂቡ ብሰላምን ፍቕርን አብ ብርሃነ ትንሣኤኡ የብጽሓና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ  

 








All the contents on this site are copyrighted ©.