2016-04-07 16:31:00

ጸብጻብ ዛዕባ ንግድ ኣጽዋር ውግእ 2015 ዓ.ም.


ኣብ 2015 ዓ.ም. ንወተሃደራዊ ጉዳይ ዝፈስስ ሃብቲ ገንዘብ ብ 1 ሚእታዊ ክብ ከምዝበለን ብጠቕላላ 1,700 ሚሊያርድ ዶላር ከምእተገመተን ኣብ እስያ ቻይናንን ሱዕዲ ዓረብን ብቐዳምነት ዝጥቀሳ ምዃነን ኣብ ስቶኮልም ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ ናይ ስነ ሰላም መጽናዕቲ ተቛም ኣብ ዘውጸኦ ናይ መጽናዕቲ ሰነድ ሓቢሩ ንወተሃደራዊ ጉዳይ ዝውዕል ፈሰስ ሃብቲ ገንዘብ ካብ 2011 ዓ.ም. ንነጀው ክብ ይብል ምህላው ድማ ጠቒሱ፡ ብዓለም ሓቆፍ ደራጃ ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ ቀዳምነት ስዒበን ድማ ሱዕዲ ዓረብን ሩሲያን ንወተሃደራዊ ጉዳይ ዝውዕለኦ ሃብቲ ገንዘብ ክብ ከምዘበላ የመልክት።

ሕቡራት መግስታት ኣመሪካ 596 ቻይና 215፡ ሱዕዲ ዓረብ 87 ሩሲያ 66,4 ሚሊያርድ ዶላር ንወተሃደራዊ ጉዳይ ዘውዕላ ከምዝዀና እቲ ናይ ስቶኮልም ተቛም ኣብ ዝሃብዎ ጸብጻብ ብምምልካት እቲ ኣብ ምስራቕ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ባሕረ ደቡብ ቻይናን ዘሎ ኩነታትን ከምኡ እውን ዋጋ ናይ ነዳዲ ብምጉዳሉ ምኽንያት ብዙሓት ሃገራት ኣብ ምሽማት ንግድ ኣጽዋርን ንናይ ወተሃደራዊ ጉዳይ ዘውዕለኦ ሃብቲ ገንዘብ ክብ ንምባል ምኽንያት ከምዝዀነን ገሉጹ፡ ዋጋ ነዳዲ ብምንካዩ ድማ ካብተን ሃብቲ ነዳዲ ዘለወን ሃገራት ንኣብነት ቨነዙዌላን ኣንጎላን ባህረይን ብሩነይን ካዛክህስታን ደቡብ ሱዳንን ንወተሃደራዊ ጉዳይ ዘውዕለኦ ሃብቲ ገንዘብ ንኽንክያ ከምዘገደደንን ኣልጀሪያን ሩሱያን ቪየትናምን ብፍላይ ድማ ሱዕዲ ዓረብ ዋጋ ነዳዲ እውን እንተነከየ ንወተሃደራዊ ጉዳይ ዘውዕለኦ ሃብቲ ገንዘብ ክብ የብላ ምህላወን ኣፍሊጡ።

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ጽንኩር ኩነት፡ ሃገራት ከባቢ ማእከላይ ምብራቕ ንሓይሊ ምክልኻል ዘውዕልኦ ሃብቲ ገንዘብ ክብ ከብላ ከምዘገደደን ኣመልኪቱ፡ ብፍላይ ዒራቕ ኣብቲ ከባቢ ብቐዳምነት እትጥቀስ ሃገር ክትከውን እንከላ ካብ 2006 ዓ.ም. ክሳብ 2015 ዓ.ም. ኣብ ዘሎ ናይ ዓመታት ገደብ ዒራቕ ንወተሃደራዊ ጉዳይ እተውዕሎ ሃብቲ ገንዘብ ብ 536 ሚእታዊ ክብ ከምዘበለትን እዚ ድማ ካብተን ንሓይሊ ምክልኻ ዝውዕል ሃብቲ ገንዘብ ክብ ዘበላ ሃገራት ቀዳምነ ከትሕዝ ከምዝገበራ እቲ ናይ ስቶኪልም ጸብጻብ የመልክት።         








All the contents on this site are copyrighted ©.