2016-04-07 16:25:00

ጸብጻብ ኣምነስት ኢንተርናሽናል ናይ ሞት ፍርዲ ኣብ 2015 ዓ.ም.


አምነስት ኢተርናሽናል ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰብአዊ መሰልን ክብርን ተማጓቲ ማሕበር ኣብ ዘውጽኦ ናይ 2015 ዓ.ም. ጸብጻብ ዛዕባ ናይ ሞት ፍርዲ ከምዝሕብሮ ኣብ ዓለም ኣብ 2015 ዓ.ም. ዝተፈጸመ ናይ ሞት ፍርዲ ካብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት እዚዩ ዝለዓለ ምዃኑ እንከመልክት፡ ምስ እዚ ብምትሕሓዝ ድማ ናይ ሞት ፍርዲ ካብ ናይ መቕጽዒ ሕጊ ንምሕካኽ ድላይ ዘለወን ሓገራት ዓለም 102 ምዃኑ ከመልክት እንከሎ፡ ነቲ ኣምነስት ዝሃቦ ጸብጻብ ኣመልኪተን ልእኽቲ ጋዜጠይና ፍራንቸስካ ሳባቲነሊ ኣብ ዘመሓላለፈኦ ዜና ኣብ ኢራን ፓኪስታን ሱዕዲ ዓረብን እተን ኣዚየን ናይ ሞት ፍርዲ ኣብ ግብሪ ዘውዕላ ተባሂሉ ዝነገረለ ሃገራት ክዀና እነከለዋ፡ ሎሚ እውን ቀዳሞት ከምዝዀናን ካብ ጠቕላላ እቲ ኣብ ዓለም ካብ ዝፍጸም ናይ ሞት ፍርዲ እቲ 90 ሚእታዊ በዘን ዝተጠቕሳ ሃገራት ዝሽፈን ምዃኑ እንከመልክታ፡ ሕቡራት መግስታት ኣመሪካ ራብዐይቲ ከምዝዀነትን፡ ኣብ 2015 ዓ.ም. 1,634 ብናይ ሞት ፍርዲ ከምእተቐትሉን ከምዚ ዓይነት ብዝሒ ካብ 1989 ዓ.ም. ብሓፈሻኡ ኣብ ዝሐለፉ 25 ዓመታት ተራእዩ ዘይፈጥ ምዃኑ ኣምነስት ኢንተርናሽናል ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ከምዘመልክቶ ኣፍሊጠን።

ቻይና እተቕርቦ ጸብጻብ ኰነ ሐበሬታ ብዘይምህላዉ ድማ ኣብቲ ኣምነስት ኢንተርናሽና ዝሃቦ ጸብጻብ ኣብ ቻይና ዝተፈጸመ ናይ ሞት ፍርዲ ዘየጠቓልል ከምዝዀነ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠና ራዲዮ ቫቲካን ሳባቲነሊ ኣስዒበን ናይ ኣምነስት ኢንተርናሽናል ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ሳሊል ሸተይ ነቲ ናይ 2015 ዓ.ም. ጸብጻብ ዛዕባ ናይ ሞት ፍርዲ ሰነድ ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፡ ናይ ሞት ፍርዲ ዝተቐበሉ ብዝሒ ክብ ዝበለ እውን እንተዀነ ኣብ ዓለም ካብ መቕጽዒ ሕገን ናይ ሞርዲ ዝፈቅድ ዓንቀጽ ከወግዳ ናይ ዝደልያ ሃገራት ቁጽሪ እዚዩ ክብ ይብል ከምዘሎን ኣተሓሒዞም ናይ ሞ ፍርዲ ዝፈቕዳ ሃገራ ውሁዳን ከይነን ኣለዋ። ኣብ 2015 ዓ.ም. ፍዩጂን ማዳጋስካርን ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኰንጎን ሱሪናመን ካብ ናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕገን ናይ ሞት ፍርዲ ዝፈቅድ ዓንቀጽ ከምዝኣለያ ናይ ዋና ጸሓፊ ሸልይ ቃል ጠቒሰን የመልክታ።

ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዘን ጫድ እትርከበን ሃገራት እውን ናይ ሞት ፍርዲ መሊሰን ኣብ ግብሪ ከውዕላ ከምዝጀራን ኣብ ግብጽን ሶማሊያን ትግባሬ ናይ ሞት ፍርዲ ኣዚዩ ክብ ይብል ምህላዉ ሸልይ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ገሊጾም፡ እተሓሒዞም ካብ መቕጽዒ ሕገን ናይ ሞት ፍርዲ ዝፈቕድ ዓቀጽ ዝስርዛ ሃገራት ብዝሒ ክብ እናበለ ይኸይድ ምህላዉ ብምምልካት ኰይኑ ግና ኣብ 2015 ዓ.ም. ናይ ሞት ፍርዲ ተበይንዎም ዝተቐትሉ ብዝሒ ኣብ ዝሐለፉ 25 ዓመታት ዘይተራእየ ምንባሩ ድማ ኣዘኻኺሮም ኣብ ዓለም ናይ ሞት ፍርዲ ጠሪሹ ንኽውገድ ናይ ኵሉ ጻዕሪ ይሐትት ከምዝበሉ ሳባቲነሊ ኣፍሊጠን።








All the contents on this site are copyrighted ©.