2016-04-05 16:05:00

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣንጐላ ኣብ ውሕስነት ሰላምን ምርግጋእን


ኣብ ኣንጐላ እቲ ኣብ 1975 ዓ.ም. ዝተባርዔ ንልዕሊ 20 ዓመታት ዝተኻየደ ሕድ ሕዳዊ ውግእ ዕለት 4 ሚያዝያ 2002 ዓ.ም. ብዝተበጽሔ ናይ ሰላም ስምምዕ ከምእተወገደን ኣብታ ሃገር ድሕሪ እቲ ናይ ሰላም ስምምዕ ዕለት 4 ሚያዝያ ብሔራዊ መዓልቲ ሰላምን ዕርቅን ዝበዓለሉ ዕለት ንኽኸውን ከምእተወሰነ ዝዘከረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት፥ ብፁዓን ጳጳሳት ኣንጐላ ምዝዛም ውግእ ንዝተረጋገጸን ውሑስን ሰላም ተበግሶ እዩ ብዝብል ኣርእስቲ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፈ ኣፍሊጡ።

ናይ ሉባንጐ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ጋብሬለ ምቢሊንጂ ብምኽንያት በዓልቲ ሰላምን ዕርቅን ናይታ ሃገር ብሔራዊ መደብር ራዲዮ ናይ ቤተ ክርስቲያን ርእየት ሰላም ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘዳለዎ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዎ ዘረባ ዕለት 4 ሚያዝያ ኣንጐላ ናይ ሓድሽ ኣተሓሳስባ ሃገር ዘብላ ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፈተትሉ ማሕበራውን ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን ባህላውን ሃይማኖታውን ሕይወታ ዝሓደሰትሉ ዕለት እዩ ቢሎም እቲ ሓድሽ ምዕራፍ ፍትሒ ንሕብረተሰብ ኣንጐላ ዝሓሊ ኣብ ናይ ምትሕብባር ሓሳብን ተግባርን ዘተኣኻኸበን ከምዝዀነን እቲ ብድሆ ድማ ናይ ሃገር ሓድነትን ዕርቅን ጽኑዕ ምግባርን ዝብል እዩ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ሰላም ጸጋ እግዚኣብሔር እዩ

ብፁዕ ኣቡነ ምቢሊንጂ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ሰላም ናይቲ ደቁ ጥዑም ቅንይት ኣብ ዝዓሰሎ ውህደት እምበር ተገማሚዖም ክነብር ናይ ዘይደሊ እግዚኣብሔር ኣቦ ህያብ እዩ። ናይ ክርስቶስ ሰላም በቲ እግዚኣብሔር ዝሃቦ ሓዋርያዊ ተልእኾን ንሱ ብተራኡ ንሰዓብቱ ብሓላፍነት ዝሃቦም ተልእኾ መሰረት ዝቕጽልን ዝረጋገጽን ምስ እግዚኣብሔር ዘተዓርቕን እዩ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.