2016-04-05 16:00:00

ናይ ፊሊፒንስ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ


ኣብ ፊሊፒንስ ደቡባው ከባቢ ኪዳፓዋን ብዝተኸስተ ደርቂ ምኽንያት ንዝተፈላለየ ሓደጋ ዝተቓልዑ ሓረስቶት ንዘክየድዎ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዝግ ንምባል ምስ ዝተዋፈሩ ሓይሊ ጸጥታ ዝተጥረ ግጭት ምኽንያት ብዙሕት ንመቁሰልቲ ክልተ ድም ንሞት ሓደጋ ከምተቓልዑ እንክሕበር ናይ ፊሊፒንስ ብፁዓን ጳጳሳት ዝዀነ ይኹን ሞት እዚዩ ዘሕዝን እዩ። ብፍላይ ድማ ንድኻታት ዘጋጥምን ኣብ ልዕሊ ድኻታት ዝፍጸም ዓመጽ፡ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘንበረ መልእኽቲ ከምዘመሓልለፉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ሰላም ምትብባዕ ደኣ እምበር ሕነ ምፍዳይ ከይለዓዓል ሐደራ

ናይ ፊሊፒንስ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ሶክራተስ ቪለጋስ ክታም ዝተተነብሮ ብዘመሓልለፎ መእኽቲ ዝዀነ ይኹን ሕቶ ብሰላማዊ መገዲ ክፍታሕ እንከሎ ጥራሕ እዩ እውነተይና ፍታሕ ከምጽእ ከምዝኽእል ብምምልካት ሓረስቶትን ናይቶም ዝቖሰሉን ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ኣባይቲ ስድራ ሓደራ ድላይ ሕነ ከየሕድሩ ድማ ሓደራ ከምዝበሉ ዝሓበረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፥

ናይ ኵሉ ሰብ መሰልን ክብርን ክሕሎ

ሓይሊ ምክላኽልን ሓይሊ ጸጥታን ተልእኾኦም ሰላም ንምርግጋጽን ንድኹማትን ተነቃፊ ክፍሊ ሕብረሰብ ክከላኸሉ ዝብል ናይ ፍትሒ ኣገልግሎት ምዃኑ ናይ ፊሊፒንስ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ኣዘኻኺሮም ዕርቂ ክረጋገጽን እቲ ዝተፈጥረ ሽግር መፍትሒ ክረክብ መንግስትን ማሕበር ሓረስቶትን ብሓባር ክዝትዩን ድማ ጽዋዒት ከምዘቕርቡ ገሊጹ እቲ ናይ ፊሊፒንስ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መልእኽቲ ካልኦት ኣብ ፊሊፒንስ ዝርከባ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲንን ሃይማኖታት ከዘቃልሐኦን ቅኑዕን ስላማውን መፍትሒ ክረክብ ናይ ኵሉ ጽቡቕ ድልያ ኣገዳሲ እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.