2016-04-02 16:19:00

ብፁዓን ጳጳሳት ሃገረ ካናዳ፥ ምእንቲ መሰልን ክብርን ቀዳሞት ተወላዶ


ኣብ ካናዳ ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ሃገረ ካናዳ ቀዳሞት ተወላድቲ ማሕበረሰብ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክኽበር ከይተሓለለ ከምእተገልግል ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽ ኣብ ካናዳ ኣብ ልዕሊ ቀዳሞት ተወለድቲ በቶም ኣብታ ሃገራ ዝወሓዙ ኤውሮጳውያን ዝተፈጸመ ዓመጽን በደልን ኣፍልጦ ብምሃብ ከምዘረጋገጹ ናይ ካናዳ ብፁዓን ጳጳሳኣት ቤት ምኽሪ መግልጺ የመልክት።

እቲ ናይ ካናዳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ውሳኔ ብሓባር ናይ ካናዳ ምዕባለ ሓልዮ ካቶሊካዊ ማሕበርን አምኡ እውን ናይ ካናዳ ቤት ምኽሪ ቀዳሞት ተወለድቲ ብሓባር ክታሞም ዘንብርሉ ምዃኑ ዘፍለጠ ናይታ ሃገር ብፁዓ ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ ኣስዒቡ፥ ናይ ኦታዋ መንግስቲ ናይ ሓቅን ዕርቅን ድርገት እቲ ኣብ ልዕሊ ቀዳሞት ተወለድቲ ካናዳ ዝተፈጸመ ዓመጽን ኣብ ልዕሊ 150 ሺሕ ሕጻናትን ኣባይቲ ስድራኦምን ዳግመ ሕንጸት ብዝብል መደብ ኣብ 19ን 20 ክፍለ ዘመና ብመንግስትን ብገለ ገለ ብዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ብዝመሓደራ ዝነበራ ኣቢያተ ትምህርቲ ዝተፈጸመ ግፍዒ ክጻረ ዝብል ዘመሓላለፎ ውሳኔ መሠረት ብዙሓት ቀዳሞት ተወለድቲ ደቂ ሃገር ናብቲ ዝቖመ ድርገት ጥርዓን የቕርቡ ምህላዎም ሓቢሩ ብዛዕባ እቲ ዝተፈጸመ መደል ዝዀነ ይኹን ኣፍልጦ ኣሎኒ ዝብል ኣቢያተ ክርስቲያን ክሳብ ዕለት 31 መጋቢት 2016 ዓ.ም. ነቲ ናይ ሓቅን ዕርቅን ድርገት ክሕብር ዝብል ውስኔ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ 2007 ዓ.ም. መሰልን ክብርን ቀዳሞት ተወለድቲ ውሳኔ መሰረት ገይሩ ኣመሓላሊፉ ከምዝነበረ ኣንከመልክት፡ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ናይ ቀዳሞት ተወለድቲ ደቂ ሃገር መሰልን ክብርን ከምእተነቓቕሕን እቲ ብሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝጸደቐ ውሳኔን ከምኡ እውን ቅድስቲ መንበር ብዘመሓላለፈቶ ውሳኔንን እተቕርቦ ጻውዒት ብምቕላሕ ቤተ ክርስቲያን ዝዀነ ይኹን ዓይነት ጸቕጥን ዓመጽን ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ፍጥረት ብመሰረት ወጌልን ናይ ቤተ ክርስቲያን ማሕበራዊ ትምህርትን ከምእትቃወምን እቲ ናይ ውሳኔ ሰነድ ብምርግጋጽ ቤተ ክርስቲያን ካብ ጥንቲ ጀሚራ እቲ ርኽበት ዝብል ኣመለኻኽታ ዝምራሕ ዝነበረ ዋና ዘይብሉ መሬት ምጒባጥ ዝብል ዝነበረ ሕጊ ንዘመተ ናይ ቀዳሞት ተወለድቲ መሬትንን ሃገርን ተሰማሚዓትሉ ኣይትፈልጥን ብወገና እውን ከምዘይፈጸመቶ ኣብቲ ናይ ሓባር ሰነድ ሰፊሩ ምህላዉ ናይ ካናዳ ብፁዓን ጳጳሳ ቤት ምኽሪ መግለጺ ኣፍሊጡ፡           








All the contents on this site are copyrighted ©.