2016-04-02 17:40:00

ሰንበት ዘደብረ ዘይት መጋቢት 25/2008 ዓ.ም. 4/3/2016


ንባባት፡ 2ቆሮ 5፡17-21፥ ፪ጴጥ 3፡1-15፥ ግ.ሓ. 15፡6-21፥ ሉቃ 15፡1-3,11-32።   ምስባክ፡“ እግዚአብሔርሰ ግሃደ ይመጽእ ወአምላክነሂ ኢያረምም፥ እሳት ይነድድ ቅድሜሁ” ‘እግዚአብሔር ግልጺ ኮይኑ ክመጽእ እዩ፥ አምላኽና ክመጽእ እዩ  ሱቕ እውን አይብልን እዩ፥ ሓዊ አብ ቅድሚኡ ይቃጸል’ መዝ.50፡3።

አብ ናይ ሎሚ ሰንበት መዝሙር “ብዙኃት ብስመይ አነ ክርስቶስ እየ እናበሉ ክመጹኹም እዮም እሞ ከየስሕቱኹም ተጠንቀቑ ተሰናዲኹም ጽንሑ። እቲ ክሳብ መወዳእታ ተዓጊሱ ዝጸንሕ ንሱ ኪድኅን እዩ። ወዲ ሰብ ኪመጽእ እንከሎ ሓይሊ ሰማያትን ምድርን ኵሉ ክካወስ እዩ። ሽዑ ኃጢአተኛታት ምድሪ ኩሎም ኪበኽዩ እዮም፥ ሻቡ እግዚአብሔር ብትእዛዙን ብቓሉን ብአእላፋት መላእኽቱን ተዓጂቡ ብቃንዳ መለኸት ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ክወርድ እዩ። ንሱ ዋና ሰንበት ገባር ሕይወት አቦ እዩ እሞ በታ ስዓት እቲአ ካብ ሞት ኃጢአት ይምሓረና” ይብል።

ሉቃስ ወንጌላዊ አብ ምዕ. 15 ሰለስተ ምሳሌታት ይነግረና። ሰለስቲኡ ምሳሌታት ብዛዕባ ዝተፍአ እሞ ዝተረኽበ ይዛረብ በዚ ኽአ ንሕና እውን ካብቲ ጠፊእናዮ ዘሎና ክንምለስ ይሕብር።

“ምሳሌ ጥፍእቲ በግዕ” (ማቴ 18፡12-14 እውን ንረኽቦ)። “ጠፊኡ ዝተረክበ ቅርሺ ብሩር”፥ “ብዛዕባ ጥፉእ ወዲ”። ኩላትና ከም እንፈልጦ ሓደ ክቡር ነገር ክጠፍአና እንከሎ ዝስምዓና ስቓይ ከቢድ እዩ። አብዚ እዋን ብዙሓት መንእሰያት ደቅና አሕዋትና ስድርኦም ራሕሪሖም ንስደት ንሞት እሞ እዚ እንሰምዖ ጨካን ሞት ብዝተፈላለዩ ዓመጽቲ አብ በረኻታት ሰሃራ ሲናይ ከምኡ አብ ሱዳን አብ ዓድና ከይተረፈ ዝወርዶም ዘሎ ስቓይ ብፍላይ ንወለድን ኣሓትን አሕዋትን ከቢድ ከም ዝኾነ ንኹልና ብሩህ እዩ። አብ ታሪኽ ደቂ ሰብ ዝተፈላለየ ከምኡ ዝአመሰለ ይደጋገም እዩ። አብ ኩሉ ሓባራዊት ነገር እትርአ ወለዲ ፈተውቲ ነቶም ዝጠፍኡ ክምለስዎም ብዓቢ ሃንቀውታ ከም ዝጽበዩ ምዃኖም እዩ።

ወላዲ አይጭክንን እዩ ኩሉ ጊዜ ሰናይ ደቁ ምስ ደለየ እዩ፥ ክቆጻጸሮ ዘይ ክእል ኩነት ምስ ገጠሞ ሓንቲ ዝገብራ ምጽላይ ምንባዕ ምሕዛን፥ እዚ ወደይ እዛ ጓለይ ብድሓንዶኾን ይአትወኒ ይምለሰኒ እናበለ ተኾርምዩ ነታ ዝወጸላ መገዲ ክምለሶ ምጽባይ እዩ።

አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ብዛዕባ ዝጠፍአ ውሉድ አብ ቤት አብኡ ዝተመልሰን ከምኡ ወላዲ ዘርአዮ ምሕረት ግን አብ ቤት ዝነበረ ሓው ናይ ሓዉ ምሕረትን ምምላስን ከምዘየሓጎሶ ይዛረብ።

አብዚ አትኲርና ክነስተንትን እንተ ኸአልና ብዙሕ ብዛዕባ ሕይወትናን ምስ አምላኽ ክህልወና ዝግብኦ ርክብ ብዝያዳ ኸአ አብዚ እዋን ጾም ክንገብሮ ዝግብአና ክንርኢ ንኽእል። እዚ ንኡስ ውሉድ ንቤት አብኡ ክፈልጥ አይ ከአለን፥ አብ ቤት አብኡ እንከሎ ንጣዕሚ ቤቱ ከስተማቕር አይ ከአለን ዳርጋ ዕዉር እዩ ነሩ፥ አብ ቤትካ ዘሎ ፍቕርን ጣዕምን ምርአይ ምስ ሰአንካ አብ ምሽፋት ምጥፋእ እዩ ዝወስድ። እዚ ጎበዝ መንእሰይ ብብዙሕ መገዲ ንሕይወት ነፍሲወከፍና ዝመሳሰል አልኦ። ሰባት አብ ገዝኦም ምስ ሓዳሮም ደቆም ዘልኦም በረኸትን ጣዕምን ምርአይ ምስ ሰአኒ እታ ቀጺላ እትስዕብ ዓገብ ካብ ቤትካ ምውጻእ እያ እዚ ኸአ አብ ዝገደደ ጥፍአትን መከራን ይመርሓና። እዚ ናይ ሉቃስ መንእሰይ ፍቕርን ጣዕምን ቤት አብኡ ምርአይ ምስ ሰአነ  አብ ርሑቕ አብ ዓዲ ጓና አብኡ ወሪኡ አብዘይረኽበሉ ጠፊኡ አብኡ ገንዘቡ ምስ አመንዝራታትን ምስ ዘይረብሑ ነቲ ካብ አብኡ ዝወሰዶ ገንዘብ ብኹንቱ አጥፊኡ። ገንዘብ ክሳብ ዝውድእን ዘጥፍእን ብዙሓት አዕሩኽ ነሮሞ ገንዘቡ ምስ ወድአ ግን ንመግቢ ዕለቱ ዝህቦ ስለ ዝሰአነ አብቲ ዓዲ ጓሳ ሓሳሙ ክኸውን ተቖጺሩ። ሓሳማ አብ ቅዱስ መጽሓፍ ዘይ ንጹሕ ርኹስ ምስ ናይ አጋንንቲ እንስሳ እዩ ዝቝጸር ስለዚ እዚ መንእሰይ ጨሪሹ አብ ዝተሓተ ደረጃ ወሪዱ ንርእሱን ንቤት አብኡን አራኺሱ። እቲ ዝገርም ምስ ሓሳሙ ክምገብ ምስ ጀመረ ሽዑ ዓይኑ ክበርህ ክርኢ ጀሚሩ። አብ ሓሳብና ክሳብ ጥመት አብቲ ዓዲ ዝወርድ ንኽንደይ ዓመት ኮን ጸኒሑ አብ ልቡ ክሳብ ዝምለስከ ክንደይ ጊዜ ወሲድሉ ዝብል ክመጸና ይኽእል እዩ። እዚ ወዲ ኵሉ ንብረቱ ክሳብ ዝውድእ ዘጥፍእ ሓንቲ አፍልጦ አይነበሮን፥ ዓይኑ ክርኢ ዝጀመረ ኵሉ ዝነበሮ ምስ አጥፍአ እዩ።

አብ ሕይወትና ክንምለስ ብዙሕ ጊዜ ከም ሰብ መጠን ንሕና እውን ከም ሰብ መጠን ንአምላኽ ሕቖና ሂብና ብናይ ዓለምን ናብርኡን ዓይንና ዓዊሩ ክንጉዓዝ ከሎና እንኸዶ ከምኡ እዩ። አብ ገለ እዋን ዘሎና ኩሉ ምስ ጠለመና ሽዑ ዘሎናዮ ዓይነት ሕይወትን ምስ አምላኽ ዘሎና ርክብ ክንክእል ንኽእል። ጾም አብ ቅድሚ አምላኽ አበይ ከምዘሎና ከም እንርኢ እምበር ከምቲ መንእሰይ ምስ ሓሳማ ምንባር ከይንጅምር ዝሕግዘና እዩ።

አብ መጽሓፍ ኢያሱ 5፡9-12 ዘሎ እንተ አንበብና ደቂ እስራኤል ናይ መጀመርያ ብዓል ፋሲካኦም ከብዕሉ ከለዉ ብዙሓት ካብኦም አብ በረኻ ከም ዝተረፉ እዚ ኸአ ካብ አምላኽ ስለ ዝረአቝ ከም ዝኾነ ይነግረና። ነቲ ኵሉ አምላኽ ዝገበረሎም ከምዚ በታኒ ወዲ ዝገበሮ ከም አብ ዓዲ ጓኑ ዘለዉ ኮይኖም አብ ካልእ ጥራሕ ይጥምቱ ነሮም። ኃጢአት ንጉዕዝኦም አዝሒልዎ አብ መወዳእታ ጸጋ አምላኽ ካብ ምቅባል ዓጊትዎም። ንአና እውን ኃጢአት ንምሕረትን ጸጋ አምላኽ ከይንርኢ ይዓግተና። ጾም አብ ቅድሚ አምላኽ አበናይ ከምዘሎና ከም እንርኢ ይገብረና።

ሓደ ካብቲ ካብዚ በታኒ ወዲ እንምሃሮን አብ ሕይወት ብዙሓ ክንርእዮ እንኽእል፥ እዚ ውሉድ ልቢ ፈቃር አብኡ ክርኢ ክፈልጥ አይክአለን። አብ ልቡ ምስ ተመልሰ እውን አብኡ ብጽቡቕ ከም ዝቕበሎ ክርኢ አይከአለን። ሓደ ካብቶም ግዙአቱ ክቝጸር እዩ ጉዕዞ ንቤት አብኡ ጀሚሩ። አብኡ ግን እዚ ኹሉ ዓመታት ጠፊኡ እንከሎ ወደይስ ይምለሰኒዶ ይኸውን ኢሉ ይጽበዮ ከም ዝነበረ፥ ፈቃር አቦ ከም ዝኾነ እሞ ከም ዝምሕሮ ንሱ ዝግድሶ ናይ ወዱ ምምላስ ጥራሕ ከም ዝኾነ አይፈለጠን። እዚ እዩ እቲ ካልአይ ስክፍታ እቲ ውሉድ ማለት ናይ አብኡ ፈቃር ልቢ ክፈልጥ ዘይ ምኽአሉ። ሓደ ካብቲ ንብዙሓት ጸጊሙና ዘሎ ብዙሕ ጊዜ ምሕረት አምላኽን ፍቕሩን እሞ ኩሉ ጊዜ ክንምልሶ ዝጽበ ከም ዝኾነ ዘይምሕሳብና፥ አብ ባህርና አቦና አደና ከምዘይ ጭክኑልና ክንፈልጥ እንተ ኸአልና አብ ቤት አቦና ክንምለስ ዓቢ ሓገዝ አልኦ። አብ አምላኽ ክንምለስ ካብቲ ብዙሕ እታ ቀንዲ አምላኽ ፈቃር አቦ ምዃኑ ክንፈልጥ።

አብዚ ምሳሌ ብዛዕባ እቲ አቦ እንተ አተኮርና ንሱ ካብ መጀመርያ ሕያዋይ ከም ዝኾነ ኢና እንርኢ። ንኡስ ወዱ ብጽሒቱ ምስሓተተ ሓንቲ ከይበለ እዩ ሂብዎ ግን ልቡ ጉህዩ፥ ምኽንያቱ ወዱ ክሓድጎ ካብኡ ክርሕቕ ዝደሊ ወላዲ የለን። ገዛብኡ ሓዲጉ ዓዲ ጓና ክናፍቕ ስድርኡ ሓዲጉ ካልኦት ስድራታት ክናፍቕ ካልእ ሕይወት ምድላዩ ብሓቂ ንወላዲ ከቢድ እዩ። እቲ ውሉድ ነቲ ዝመረጾ መገዲ ጌጋ ከምዝኾነ ክርኢ ምስከአለ እሞ ብርሑቕ ክመጽእ ምስ ረአዮ ጎዩ ተቐቢልዎ ሓቚፉ ስዒሙ ተቐቢልዎ። ብሉጽ ክዳን ክኽደን፥ ካትም አብ አእዳዉ አሣእን አብ አእጋሩ ክወድዩሉ፥ ስብሕቲ ላም ክሓርዱሉ እዩ አዚዙ። እዚ አቦ ነዚ ጠፊኡ ዝነበረ ውሉዱ ምሉእ ምሕረት ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ብነጻን ብፍቶትን ብፍቕርን እዩ ሂብዎ።

እዚ ፈቃር አቦ እቲ አብ ገዛ ዝነበረ ወዱ እውን ከም ሓዉ አብ ቤት አብኡ እንከሎ ፍቕሪ ስድርኡ ዘይ ነበሮ እዩ ነሩ። ከም ንኡስ ሓዉ እዚ እውን ፈቃር ልቢ አብኡ ዝርኢ አይ ነበረን፥ ስለምንታይ አብኡ ስብሕቲ ላም ከምዝሓረደ ስለ ዘይተረድአ ንርእሱ ከም ባርያ ቆጺሩ ክንድዚ ዓመታት ተገዛእኩኻ እናበለ ክጸባጸብ ጀሚሩ። አብ መንግኡን አብኡን ሓንቲ ምቅርራብ አይነበረን፥ ንሱ ግቡኡ ዝገብር ግን ብመንፈስ ሓንቲ ርክብ ዘይነበሮ፥ ከምቶም ናይ ዘመኑ መራሕቲ ሃይማኖት ፈሪሳውያን ብዛዕባ ኢየሱስ ዘግሮምርሙ ዝነበሩ፥ ብዘይ ሓቀኛ ፍቕሪ ንአምላኽ ዝእዘዙ ዝመስሉ ዝነበሩ እዩ። እቲ ፈቃር ወላድ ግን ሕጂ እውን ነቲ አብ ቤት ምእታው አብዩ ዝነበረ ወዱ ከእቱ አፍደገ ይወጽእ እሞ ከመይ ኢሉ ክምሕር ከምዘለዎ ከምህሮ ጀሚሩ። እዞም ክልተ ውሉዳታ ነቲ ፈቃር ልቢ አብኦም ክፈልጡ አይክአሉን። እዚ አብ ርእስና ከም እንምለስ ይገብረና፥ ንአምላኽ ክነሓጉስ አብ እንገብሮ ጻዕሪ ብሓቂዶ አምላኽና ፈቃር ከም ዝኾነ ንፈልጦዶ ኢና?

ብዛዕባ እዚ ዓቢ ውሉድ ካልእ ዘገርም ነገር እውን አሎ። ከም አብኡ መሓሪ ዘይኮነ ተቐያማይን ዘይምሕርን እዩ። ንሓዉ ክምሕሮ አይደልን “ነዚ ምስ አመንዝራታት ገንዘብካ በሊዑ ዝመጸ ወድኻ ስብሕቲ ላም ሓረድካሉ” እናበለ ናይ ሓዉ ዝሓለፈ ሕይወት ይዝርዝረሉ። አተሓሳስብኡ ነቲ ኢየሱስ አብ ማቴ 5፡38-39 ዘሎ “ዓይኒ ክንዲ ዓይኒ ስኒ ክንዲ ስኒ ከም ዝተባህለ ሰሚዕኩም አሎኹም፥ አነ ግና . . . . የማነይቲ መትልሕካ ንዝጸፍዓካ ግና እታ ኻልአይቲውን መልሰሉ” እናበለ ንሰማዕቱ ዝሓተቶ ይመሳሰል። እቲ ዓቢ ውሉድ አብኡ ንንእሽቶይ ሓዉ ስለ ዝመሓሮ ተዓንቂፉ ከምቲ ፈሪሳውያን ብኢየሱስ ንኃጥአንን መጸብሓንን ብምቕራቡ ዝተዓንቀፉ። ኢየሱስ እቲ ዓቢ ውሉድ አብቲ ሓጎስ ስድርኡ ከም ዝአተወ አይነግርን እዚ ኸአ እቶም ፈሪሳውያን ብደገ ኮይኖም የዕገርግሩን አብ ክፍአት ወፊሮም ስለ ዝነበሩ ከምኡ አብቲ ናይ ኃጥአንን መኽፈልቲ ቀረጽ ዝርከብዎ እንግዶድ ክሕወሱ አይደልዩን ስለዚ እቲ ውሳኔ ካብ ኦም ክመዝኾነ ከረድእ ኢሉ ክፉት ገዲፍዎ። ገለ ሰባት አምላኽ ስለ ዝመሓረ ዝዕንቀፉ አለዉ፥ ሰባት ክዋረዱ ክኹነኑ ንደሊ አምላኽ ግን ከማና አይ ኮነንን ሓንትስ ብኃጢአትና ተጣዒስና ምሕረት ንሕተት እምበር ምሓራይ እዩ።

ገለ ምመህርና ቅዱስ መጽሓፍ ካብቶም ቀዳሞት ክርስትያን ንብራናታት ቀዲሖም ዝጽሕፉ ዝነበሩ ነቲ ኢየሱስ ዝገበሮን ዝበሎን ፈሊጦም አትሪፎሞ ክኾኑ ይክአል እዩ ዝብሉ አለዉ እዚ ኸአ በቲ ኢየሱስ ዝገብሮ ዝነበረ ናይ ምሕረት ስራሕ ስለ ዝተዓንቀፉ ከምቲ ዓቢ ውሉድ ክምሕሩ አይደልዩን። ስለዚ ነቲ ኢየሱስ ዝበሎ አትሪፎሞ “ኦ አቦይ ዝገብርዎ አይፈልጡን እዮም እሞ ምሓሮም” (ሉቃ 23፡34) ንዝብል አትሪፎሞ። ነዚ ዝመሳሰል አብ ዮሓ 8፡2-11 ዘሎ “ብዛዕባ እታ አብ ዝሙት ዝተረኽበት ሰበይቲ ዝዛረብ” አብ ገለ ብራናታት እቶም ጸሓፍቲ ክቐድሕዎ ከለዉ ፈሊጦም አትሪፎሞ እዚ ኸአ ኢየሱስ ከምቲ ዝግባእ አይቀጽዕን ኮይኑ ስለ ዝተራእዮም እዩ።

አምላኽ ንአና ክምሕር እንከሎ ሓንቲ ጸገም የብሉን፥ ንሕና ኢና አብ ምምሓር ጸገም ዘሎና። አብዚ ዘመና ንሓንቲ ድንግል ፖላንዳዊት ቅ. ፋውስቲና ዝተባህለት “መለኮታዊ ምሕረት” አምላኽ ተገለጽዋ። ነቲ አብ ሉቃስ እንረኽቦ ናይ እዞም ክልተ ውሉድ ክነታት ክነስተንትን ከሎና ንትምህርቲ ኢየሱስ ብሕጽር ዝበለ ክንርእዮ እንተ ኾና አብቲ ዝመሃረና ጸሎት “ንበደላትና ሕደገልና ንዝበደሉን ምእንቲ ክንሓድገሎም” ክንጥርንፎ ንኽእል።

አብዚ “ዓመት ምሕረት” ንመን ክንምሕር አሎና? አብ ስድራና አብ ቍምስናና አብ ስራሕና ዘይንዛረቦ ዘይንቀርቦ ሰብ አሎናዶ? አብ ሓዳርና ዝጠለመና አሎዶ? ካብ ቤቱ ዝወጸ ውሉድ እሞ ዝጠለመና አሎዶ? ኢልና እንተ ሓሰብና መልሲ ክንህብ ንኽእል ኢና። አምላኽ አብ ተግባር ነቲ ከም ዕረ ዝመረና ዘሎ ደፊርና አብ ምሕረት አድሕድ ክንአቱ እዩ ድላዩ። ከምቲ ሰማያዊ አቦኹም ምሓሪ ዝኾነ ምሓሩ እዩ ዝብለና ዘሎ።

መብዝሕትኡ አገልግሎት ኢየሱስ ብዛዕባ ምሕረት እዩ። ምስ ኃጥአን ይበልዕ፥ ብግሉጽ ኃጢአት ይምሕር፥ ጽቡቕ ገሩ ዘይሕለል ምሕረት ሰማያዊ አብኡ ይገልጽ። ዝለዓለ መግለጺ ምሕረት ከአ ንፍቓድ አብኡ ክፍጽም ምእንቲ ሕድገት ኃጢአትና ኢሉ ርእሱ አብ መስቀል አሕሊፉ ሂቡ። እዚ እዩ ብምልኡ ታሪኽ ድሕነትና ብዛዕባ ሕድገት ኃጢአትና። ነዚ መለክዒ ዘይብሉ ምሕረት አምላኽ እሞ ከመይ ኢልና ኢና መልሲ ክንህበሉ ዘሎና።

አስተንትኖና ካብ ቀዳመይቲ ንባብና ካብ ፪ይ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ መሰረት ገርና ክንዛዝሞ “አምላኽ ብክርስቶስ ገሩ ተዓርቀና ንኻልኦትውን ምስኡ ክነተዓርቕ መዚ ዝሃበና አምላኽ እዩ፥ ናይ ክርስቶስ አምባሳደራት ስለ ዝኾና ናይ አምላኽ ፍቕርን ሕድገትን ምስ ካልኦት ንካፈል።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ  








All the contents on this site are copyrighted ©.