2016-03-31 19:33:00

እግዚኣብሔር ክንሳሕ ንዝደሊ ሓጢኣተኛ ወትሩ እንደገና ናይ ምትንሳእ ክብሪ ይህብ! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቲ ካብ ነዊሕ እዋን ዝጀመርዎ ዓመት ምሕረት ዝምልከት ትምህርቶም ብምቅጻል ትማል ሮቡዕ እውን ‘ምሕረት እግዚኣብሔር ካብ ዝኾነ ወቀሳ ሕልና ንላዕሊ እዩ’ እንክብሉ ነቶም ልዕሊ ሰላሳ ሺሕ ዝኾነ ካብ ኩሉ ዓለም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪቦም ዝነበሩ ነጋድያንን ምእመናንን ብዛዕባ ዕብየት ምሕረት እግዚኣብሔር ኣስተምሂሮም፣

ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ትማሊ ኣስተምህሮኦም ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዘቅርብዎ ዝነበሩ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዘተኰረ ኣስተንትኖ ንምዝዛም ካብ መዝሙረ ዳዊት ሓምሳን ሓደን ‘ኣነ ኣበሳይ እፈልጥ አሎኹ እሞ፣ ሓጢኣተይ ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ እዩ። ብዘረባኻ ጻድቕ፣ ብፍርድኻውን ንጹህ ኴንካ ኽትርከብሲ፣ ኣነ ንኣኻ ጥራይ በደልኩ፣ ኣብ ቅድሜኻ እከይ ገበርኩ። ካብ ገጽካ ኣይትደርብየኒ፣ ቅዱስ መንፈስካውን ኣይተግድፈኒ። ሓጐስ ምድሓንካ ምለሰለይ፣ ብፍቓደኛ መንፈስውን ደግፈኒ።’ (3-4.11-12) ዝብላ ጥቅስታት ብምንባብ እግዚኣብሔር ንሓጢኣትና ካብ ሱሩ ከምዝድምስሶ ድሕሪ ምምልካት ‘ክትመሓር እንተደኣ ደሊኻ ንስኻ እውን መሓር’ ክብሉ ንመሪሕ ቃል ኢዮቤል ዓመት ምሕረት እንደገና ኣዘኻኺሮም፣

ውድቀት እሞኸኣ ውድቀት ብውድቀቱ ኣብ ሓጢኣት ተመላሊስካ ምውዳቅ ከቢድ እኳ እንተኾነ ይብሉ ቅዱስነቶም፣ ከምቲ ሓደ ሕጻን ምስ ወደቀ ወለዱ ወይ ዘሰንይዎ ሓፍ ንኸብልዎ ኢዱ ንላዕሊ ዊጥ ዘብል ኣብ ሓጢኣት ምስ ወደቅና ክንትንስእ ፍቃደኛታት ኰና ብሓጢኣትና እናተጠዓስና ኢድና እንተደኣ ዘርጊሕና እግዚኣብሔር ኣቦ ምሕረት ስለዝኾነ ምሕረት ብርእሱ እውን ስለዝኾነ ክብሪ ምሕረት የልብሰና እዩ፣ ሓጢኣትና እንተበዝሔን እንተዓበየን ምሕረት እግዚኣብሔር ልዕሊ ኩሉ ስለዝኾነ እግዚኣብሔር ካብ ምምሓርና ኣይስልክን፣ ኣብ ላዕሊ ተጠቂሱ ዘሎ ካብ መዝሙር ዳዊት ዝተወስደ ቃል ኣምላኽ ቅዱስ ዳዊት ብዕጽፍን ድርብን ምስ በደለ ዝደረሶን ምሕረት ዝረኸበሉን መዝሙር እዩ፣ ቅዱስ ዳዊት ምስ ሰይቲ ጀነራሉ ኣብ ዝሙት ምስ ወደቀ ዝገደደ ነቲ ጀነራል ከምዝመውት ገሩ፣ ኮይኑ ግን ብሓጢኣቱ ኣይሓፍርን ምሕረት ይልምን ኣብ መለኮታዊ ምሕረት ኣምላኽ ዘለዎ እምነት ከኣ ኣንዳዕዲዑ ይገልጽ፣

‘ኣብ ሕይወትና እተድልየና እንኮ ነገር እንተደኣ ሃልያ ምሕረት እያ ዝተመሓርካ ምዃን ካብ ዝገበርካዮ ሓጢኣትን ሳዕቤኑ ዝኾነ ሞትን ሓራ ምውጻእ ክንደይ ኮን ይጥዕም፣ ኣብ ሕይወትና ነዚ ብዙሕ ግዜ ተመኲርናሉ ኢና፣ ስለዝኾነ ከኣ ኣብ ምሕረት ኣምላኽ ክንእመን ኣሎና፣ እግዚኣብሔር ካብ ሓጢኣትና ኣጸቢቁ ስለዝዓቢ ልዕሊ እኩብ ድምር ናይ ኩልና ሓጢኣት እውን እዩ ክንብሎ ንኽእል’ እንክብሉ እግዚኣብሔር ንሓጢኣትና ካብ ሱሩ መሰረቱ ከምዝድምስሶ እምበር ከም ገሊኦም ቀባእቲ ዝገብርዎ ብደገ ደገ ኣይኮነን ዝሸፋፍኖ ብማለት ዕብየት ምሕረት ኣምላኽ ገለጹ።

እዚ ክብሪ ናይ ወትሩ ደጋጊምካ እንደገና ምትንሳእ ንሓደ ሰብ ታሪኽ ሕይወቱ ክቅይር ሓዲስ ፍጥረት ክኸውን ብመንፈስ ቅዱስን ብሓጐስን ዝመልአ ይገብሮ። ነዚ መለኮታዊ ጸጋ እዚ ብምቅባል ንካልኦት ንከይሓጥኡ ክንምህር እውን የኽእለና፣ እንክብሉ ምሳሌ ናይ ሓደ ዝወደቀ ሕጻን እኖኡ ወይ ኣቦኡ ከተንስኦ ኢዱ ንላዕሊ ዘውጣውጥ ንሕና እውን ብድኻምነትና እንተወዲቅና ጐይታ ከተንሰኣና ኢድና ናባኡ ንስደድ ክብሪ ምሕረት ኣምላኽ ከኣ እዚ እዩ፣ እንተኾነ ክትመሓር እንተደኣ ደሊኻ ኣቀዲምካ ክትምሕር ከምዘሎካ ኣይትዘንግዕ፣ ኩሎም ኣብ ከባቢና ዘለው ማለት ቤተሰብና ኣዕሩኽትና ብጾትና ድቂ ቊምስናና ኩሎም ከማና ምሕረት ኣምላኽ ዝደልዩ እዮም፣ ክትመሓር ብሓቂ ጥዑም እዩ ኮይኑ ግን ንስኻ እውን መሓር! እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ፣  








All the contents on this site are copyrighted ©.