2016-03-29 16:49:00

ጅሃዳዊ እስላማዊ ሃገር ምስ ሃይማኖት ምስልምና ምንም ዓይነት ርክብ የብሉን


ኣቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ብራስለስን ፈረንሳን እቲ ገዛእ ርእሱ እስላማዊ ሃገር ቢሉ ዝሰመየ ጅሃዳዊ ሓይሊ ዝፈጸሞ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ኤውሮጳ ዝነብሩን ኤውሮጳውያን ዝዀኑ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ከም ተጠርጠርትን ዘይእሙናትን ክረአዩን ክሳብ ንጹጋት ምዃንን ብፍላይ ድማ እቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ናብ ኤውሮጳ ካብ ዝስደዱ ውሽጢ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ንዝዀኑ ብኣሉታዊ ክረአዩ ይገብር ምህላዉ ሮማ ኣብ ዝርከብ ልዊስ መንበረ ጥበብ ናይ ስነ ቋንቋ ዓረብን ባህልን መምህር ናይ ስነ ምርምር ፖሊቲካ ሊቅ ፍራንቸስካ ማሪያ ኮራኦ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድኦ ቃለ መሕትት ገሊጸን፥ ድሕሪ እቲ ኣብ ብራሰልስ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ለኪምካ ምጥፍእ ሓደ ናይ ኢጣሊያ ዕለታዊ ጋዜጣ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ካብ ገዛና ንስጐግ ብዝብል ዓቢይ ኣርእስቲ ቀዳማይ ገጽ ሂቡ ዘቕረቦ ሓተታ ነቶም ኣብ ኢጣሊያ ጥራሕ ዘይኰነስ ነቶም ኣብ መላእ ኤውሮጳ ዝነሩን ኤውሮጳውያን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ዘቖጥዕ እዩ። እቲ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራ ምስ እውነተይና ሃይማኖት ምስልምና ርክብ የብሉን። እቶም ኣባላት ዳዒሽ ካብ ቁርዓን ንናይ ገዝእ ርእሶም ዕላማ ንምቛም ቢሉም ገለ ገለ ጥቕስታት እናቖንጸሉ ዝነዝሕዎ ዘለዉ ሽበራ ምስ ሃይማኖት ምስልምና ርክብ የብሉን። ዝዀነ ይዅን ሃይማኖት ንፍስሓ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝብል እዩ። ስለዚህ እቶም ኣሸበርቲ ጸረ ሕይወትን ናይ ሃይማኖት ነጻነትን ክሳብ ዝዀኑ ዋላ’ኳ ሰዓብቲ ሃማኖት ምስልምና ኢና ይበሉ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ቢልካ ምግላጾም ጌጋ እዩ ኢለን።

ዛዕባ ሕዳሴ ሃይማኖት ምስልምና ዘተ ክህሉ ዝሓትት ሓሳብ ልዕሊ ክልተ ዘመን ዘቑጸረ እዩ። ካብ ግብጺ ክሳብ ሞሮኮ ብዙሓት ናይ ስነ ሃይማኖት ምስልምናን ናይ ሃይማኖት ምስልምና ቲዮሎጊያን ፍልስፍናን ምሁራትን ተመራመርትን ኣለዉ። እዚኣቶም ሊቃውንቲ ንጽሕና እቲ ኣብ ሃይማኖት ምስልምና ማእከል ዝዀነ ሰብኣዊ ኩነት ምዃኑ የነጽሩ፡ ስለዚህ ምስቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ብስም ሃይማኖት ምስልምና ዝፍጸም ዘሎ ግብረ ሽበራ ርክብ ዘይብሉን ምስቲ ካብ 2010 ዓ.ም. ንነጀው ዝረአይ ዘሎ ዝምባሌ ኣኽራነት ምንም ዓይነት ርክብ የብሉን። ብዙሓት ኣብ ጽንክር ኩነትን ማሕበራዊ ኢፍትሃውነትን ዝርከቡ ናይ ዳዒሽ ጻውዒት ክቕበሉ ዝከኣል እዩ። ብዙሓት ማሕበራዊ ኢፍትሕውነት ዘጋጥሞም ኣብ ጽንኩር ኩነት ዝርከቡ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ነቲ ናይ ዳዒሽ ጻውዒት እምቢ ዝብሉ እውን ብዙሓት እዮም። ስለዚህ ሃይማኖ ምስልናን ኣኽራነትን ብማዕረ ምርአይ ጌጋ እዩ። እቶም ኣባላት ዳዒሽ ኣእምሮኦም ዝሰሓቱ ኣብ ልዕሊ እታ ኣብ ዝተፈላለዩ መንግስታት ሰዓብቲ ሃይማኖ ምስልምና እውን ከይተረፍት ተዓቂባ ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ዝተመሓላለፈት ከተማ ፓልሚራ ከዕንዉ ተራእዩ እዩ። ከምኡ እውን ጣሊባናውያን ኣብ ልዕሊ እቲ ታሪኻዊ ናይ ቡድሃ ዘብሚኣን ዓበይቲ ሓውልቲ ግብረ ምዕናው ፈጺሞም እዮም። ስለዚህ ናይቲ እከይ ግብሪ ፈጸምቲ እኰ እቶም መኽረርቲ ደኣ እምበር ኩሉ ሰዓቢ ሃይማኖ ምስልምና ኣይኰነን፡ ምስ እዚ ኣተሓሒዞም ኣብ ናይጀሪያ ቦኮ ሓራም ቢሉ ገዛእ ርእሱ ዝሰመየ እውን ከምኡ። እዚ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ብመንጽር ቲዮሎጊያ ምትንታኑ ናብ ዘብጽሖ የብሉን። ስለዚህ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ናይ ስነ መሬት ኣቀማምጣ ፖለቲካ እዩ።

ኣብ ዝዀነ ይኹን ሃይማኖት ግብረ ቕትለት ከም ፍትሓዊ ኰይኑ ዝግለጸሉ እዋንን ኔሩ እዩ። ኣብ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ቅዱሳት መጻሕፍቲ እውን ክንረኽቦ ዝከኣል ሓሳብ እዩ ኣሎ እውን፡ ኰይኑ ግና ንኣብነት ኣብ ካቶሊክ እምነት እንተርኢና ጥርኑፍ ትርጉም ቅዱስ መጽሓፍ ኣሎ። ስለዚህ ከከም ዝደለኻዮ ክትትርጉሞ ፍቓድ ኰነ ሓላፍነ እውን የብልካን ኣብ ሃማኖት ምስልምና እዚ ዓይነት ጥርናፈ የሎን። እዚ ግና ሃይማኖት ምስልምና እግዚኣብሔር ንውልቃዊ ረብሓ መጋብርያን ነቲ እትፍጽሞ እከይ ግብሪ መጋበርያ ምግባር ይድርኽ እዩ ማለት ኣይኰነን ምስ በላ ኣስዒበን፥ ብዙሓት ሃይማኖት ምልስምና ዓመጽ ኣውሽጡ ዝዓቀበን ወይ ድማ ዓመጽ ኣብ ሃይማኖት ምልስምና ባህርያዊ እዩ ዝብሉ ኣለዉ እዚ ግና ጌጋ ርድኢት እዩ። ዝዀነ ይኹን ሰብ ብባህርይኡ ሰናይ እዩ ስለዚህ ዓመጽን ዘይዓመጽን ናይ ስልጣኔ ሕቶን ስነ ሕንጸት ዝምልከት ጉዳይ እዩ። ስለዚህ ፖለቲካዊ ድዩ ሃይማኖታዊ ናይ ሓባር ዘተ ወሳኒ እዩ እንክብላ ዘካይድኦ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊለን።








All the contents on this site are copyrighted ©.