2016-03-26 15:33:00

ኣባ ቶረስ፥ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቅድሚ ስቓይ ስደተይናታ ተንበርኪዀም


ቅዱስ ኣቦና ኣብ መዕቆቢ ስደተይናታ ተረኺቦም ዝፈጸምዎ ስርዓት ሕጽበተ እግር ኣብ ቅድሚ ስቓይን መከራን መሳቕል ስደተይና ንንበርኸኽ ዝብል ንዓለም ብርቱዕ ትእምርቲ እዩ፡ ኵሎም ስደተይናታት ብቕዱስ ኣቦና ስለ ዝተበጽሑን ሰላም ስለ ዝተባህሉን ዓቢይ ሓጐስ ከምእተሰምዖምን ብፍላይ ድማ እቶም ብቕዱስ ኣቦና እግሮም ዝተሓጽቡ 12 ስደተይናታት ዝተሰምዖም ሓጎስ ዓቢይ ምንባሩ ናይቲ መዕቆቢ ስደተይናታ ክንክን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓላፊ ኣባ ማኑኤል ቶረስ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም።

ቅዱስ ኣቦና ዝፈጸምዎ ስነ ስርዓት ሕጽበተ እግር ብሓቂ ኣበይን ንመንን ምፍጻም ድማ ንዓለም ሕቶን ንሕሊና ዝዛረብን ዘበራብርን ተግባር እዩ። እቲ ዓለም እናርሓቖን እናጥፍኦን ዝኸይድ ዘሎ ምትሕልላይን ምቅርራብን ምትሕስሳብን ኵሉ ናይ ኵሉ ሓውን ኣሓትን ምዃን ክቡሪ ደቂ ሓደ ኣቦ ዝገልጽ ሓቂ ዳግም ዘነቓቕሕን ግብረ ሰናይ ማለት ካብ ዘለካ ዘይኰነስ እቲ ዘለካ ኩሉ እዚ ድማ ገዛእ ርእስኻ ምሃብ ዝብል ብስቓዩን መስቀልን ሞትን ኢየሱስ ዝተገልጸ ፍቕሪ ሎሚ እውን ድሕሪ ዘመናት ኣብቶም ዝሳቐዩን ዝተናዕቁን ድኻታትን ግዳም ሓደርን መበለትን ዘኽታማትን ስደተይናታን ህሙማንን ይቕጽል ኣሎ። እቲ ነቶም ንኡሳን እትገብርዎ ዘበለ ኩሉ ንኣይ ከምዝገበርክምዎ እዩ ዝብል ቃል ኢየሱስ እዮም ዝመስከሩ ኢሎም።

እንነብረሉ ዓለም ብዙሕ እዋን ንምድጋፍን ነቲ ዝወደቐ ሓው ንምንርሳእ ኣብራኽካ ዓጺፍካ ምቕራብ ዝኸበዶ እዩ ዝመስል። ገለ ገለ ሰባት ሰናይ ንምግባር ስንድዋት ኰይኖም ዝከኣሎም ኩሉ ክገብሩ እውን ትርእይ። እቲ ዓቢይ ቅሳነትን ፍስሓን ዝህብ ድማ ሰናይ ምግባር እዩ። ኣሕዋት ምዃንካ ክንርስዕ የብልናን። እዋናዊ ዓለም ብድሆ እዩ ነዚ ኩለ መዳያዊ ብድሆ ካብ መሰረቱ ዝምሕው ድማ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝበልዎ ኣሕዋትን ኣሓትን ምዃንና ምንባር እዩ፡ ሕውነት ምንባር የድሊ።

ስቓይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ካብቲ እንግምቶ ንላዕሊ እዩ፡ ዓለም ክርእዮን ክሰምዖን ዘይደልይ ስቓይ፡ ካባኻ ብባህልን ቋንቋን ሃይማኖትን ሃገርን ዝተፈልየ ክትፈርሕ ዝድርኽ ኩነት እዩ ዝሰፍሕ ዘሎ። እዚ ፍርሒ’ዚ ድማ ከይነእንግድን ግብረ ሰናይ ክይንፍጽምን ይዳርገና ፡ ነቲ ካባኻ ዝተፈልየ ዘይምእንጋድ ድኻምነት እዩ፡ ኣብቲ ንስኻ እትኣምኖን እትጠራጠር ኰይንካን ኣብ እምነትካ ጽንዓት እንተዘይብልካ ጥራሕ ኢኻ ነቲ ካባኻ ዝተፈልየ እትፈርሕ። ስለዚ እዩ ድማ ኣብ ኤውሮጳ ስደተይናን ተመዛበልትን ምእንጋድ ኣከራኻርን ከቢድን ኰይኑ ዘሎ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.