2016-03-26 15:24:00

ሕጽበተ እግር


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብላቲን ስርዓት ዕለት 24 መጋቢት 2016 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ሰሜናዊ ከባቢ ክፍሊ ከተማ ሮማ ኣብ ዝርከብ ናይ ፓለቲካን ሰብኣውን ዑቕባ ሓተትቲ ስደተይናታት መእለዪ ማእከል ተረኺቦም ኣብ ዝሰርዕዎ ሊጡርጊያ ሕጽበተ እግር፡ ናይ 12 ስደተይናታት እግሪ ከምዝሓጸቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፍራቸስካ ሳባቲነሊ ገሊጸን።

ቅዱስ ኣቦና ስነ ስርዓት ሕጽበተ እግር ሰሪዖም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ኵላትና ኣሕዋን ኣሓትን ኢና ዝብል ቃል ደጋጊሞም ብምግላጽ እዚ ሕውነት’ዚ ድማ ነቲ ከምቲ ኣብ በልጂም ብራሰልስ ከተማ ዝተፈጸመ ዓይነት ፍሰት ደም ዝቃወምን ከይሁሉን ዝግበር እዩ፡ እዚ ኹሉ ጸገም ከይህሉ ዝሕግዝ ሕውነት ምንባር እዩ።

ቅዱስ ኣቦና ተንበርኪኾም ናይቶም ናይ 12 ስደተይናታት እግሪ እናሓጸቡን ነቲ ካብ ሃገሮም ነዊሕን መሪርን በሸሓት ዝቝጸር መገዲ ምድረ በዳ ዝተጓዕዘ ኣእጋር ናይቶም ሕይወቶምን ሕይወት ኣባይቲ ስድራኦምን ንኸድሕኑ ዝተሰዱ እናሰዓሙ ከምቲ ኢየሱስ ንሱ ርእሲ እንከሎ ናይቶም ትሑታት ደቀ መዛሙርቲ እግሪ ዝሓጸበ፡ እዚ ኢየሱስ ዝፈጸሞ ምልክት ፍቕርን ኣገልግሎትን ድማ ይብሉ የዕይንቲ ናይቶም ካብ መከራን ሕሰምን ነኸምልጡ ዝተሰዱ የዕይንቲ ስደተይናታት እናጠመቱ ናይ ስቓዮምን ጽንኩር ኩነታቶምን ተኻፋሊ ምዃኖም በቲ ዝብልዎን ዝፈጸምዎን እናረጋገጹ፥ እዛ ዕለት እዚኣ ኢየሱስ እግሪ ኣርድእቱ ዝሓጸበላን ክሕደት ይሁዳ ዝተፈጸመላ ዕለት እያ ከምዝበሉ ሳባቲነሊ ኣፍሊጠን።

ቅድስ ኣቦና ኣብ ከተማ ካስተልኑዎቮ ዲ ፖርቶ ምልክታ ናይቲ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተፈጸመ ናይ መወዳእታ ድራር ዝገልጽ ሊጡርጊያ ኣዕሪጎም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፥ “ኣብዚ ዝተኣከብና ኩላትና  ኣስላማይ ሂንዱን ካቶሊክን ኦርቶዶክስን ወንጌላውን ይኹን ኩላትና ደቂ ሓደ ኣቦን ኣሕዋትን ኢና፡ ብሰላም ተወሃሂድና ክንነብር ኢና ንደሊ” ምስ በሉ ኣተሓሒዞም ነቲ ኣብ ብራሰልስ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራ ቅትለትን ጠቒሶም እቲ ኣብታ ኤውሮጳዊት ዝዀነት ከተማ ዝተፈጸመ ጭካኔ ብድሕሪኡ ክምቲ ድሕሪ ክሕደት ይሁዳ ክፍሊት ገንዘብ ከምዘሎ ኢየሱስ ኣሕሊፉ መታን ክህቦም ዝተኸፍለ ገንዘብ ኣሎ፡ ድሕሪ እቲ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራ ሰላም ዘይኰነስ ምፍሳስ ደም ክህሉ ዝደልዩ ምህርቲ ናይ ውግእ ኣጽዋርን ንግድ ናይ ውግእ ኣጽዋርን ወነንቲ ፋብሪካታት ናይ ውግእ ኣጽዋርን ኣለዉ። ኢየሱስ እግሪ ኣርድእቱ ይሓጽብ ብይሁዳ ድማ ይከሓድን ይሽየጥን እዚ ክልተ ትእምርቲ’ዚ፥ እቲ ቀዳማይ ማለት ሕጽበተ እግር ናይ ሕውነትን ሓልዮትን ኣገልግሎትን ፍቕርን ምልክታ ክኸውን እንከሎ እቲ ካልኣይ ይሁዳ ዝፍጽሞ ተግባር ድማ ግብረ ክሕደት እዩ ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሳባቲነሊ ኣስዒበን፥ “ኩላትኩም ካብ ዝተፈላለያ ሃገራ ዝመጻኹም ሰዓብቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታን ባህልን እውን እንተዀንኩም፡ ደቂ ሓደ ኣቦ ኣሕዋትት ኣሓትን ኢኻትኩም፡ እቲ ዘሕዝን ድማ ነዚ ሕውነት’ዚ ንኸዕንዉ ናይ ውግእ ኣጽዋር ዝሸጡን ዝገዝኡን ሰላም ዘይደልዩን ደም ዝጸምኦን ምህላዎም እዩ።

ሎሚ ኢየሱስ ናይ ኣርድእቱ እግሪ ይሓጽብ። እዚ ነኣኻትኩም ምሳኹም ሓቢረ ዝሰርዖ ዘለኹ ሕጽበተ እግር ኣሕዋት ምዃንና እዩ ዘረጋግጸልናን ስምስክረልናን። እወ ዝተፈላለየ ባህልን ቋንቋን ሃይማኖትን ዘሎና ኢና። ግና ኣሕዋትን ደቂ ሓደ ኣቦን፡ ነፍሲ ወከፍና ናይ ገዛእ ርእሱ መሳቕልን ስቓይን ኣብ እንግዳዑ ዝተሰከመ እዩ፡ እዚ ታሪኽ ሕይወትኩም’’ዚ ድማ ደላይ ሕውነት ምዃንኩም ይምስክር። ሕውነት ደለይቲ ምዃንኩም የረጋግጽ። ነፍሲ ወከፍና እዚ ሕውነትን’ዚ ከም ሕማም ተላገብ ናብ ኩሉ ክመሓላለፍ መታን ከምኡ እውን ሓው ንምቕታልን ኣሕሊፉ ዘውህብ ኣይሁድ ዝመረጾ መገዲ ከይህሉን ወትሩ ሕውነትን ምግባረ ሰናይን ክህሉ ከከም ቋንቋናን ሃይማኖትናን ናብ ጐይታ ንጸልይ ከምዝበሉ ገሊጸን።

ቅዱስ ኣቦና ስነ ስርዓት ሊጡርጊያ ሕጽበተ እግር ፈጺሞም ምስ ኣብቅዑ ነቶም ኣብቲ ማእከል ዝርከቡ 892 ስደተይናታ እናተዘዋወሩ ሓደ ብሓደ ሰላም ቢሎም ሓደራኹም ብሓደ ምንባር ክንደይ ባህ ዘብል ምዃኑ መስክሩ። ብባህልን ቋንቋን ሃይማኖትን ብሃገርን ዝተፈላለኹም ግና ደቂ ሓደ ኣቦ ብምዃንኩም ኣሕዋት ኢኹም፡ ጽባቔ ናይዚ ሕውነት መስክሩ። ኩላትና ኣሕዋት ኢና፥ ሰላምን ፍቕርን ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠና ራዲዮ ቫቲካን ሳባቲነሊ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.