2016-03-24 16:00:00

ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅዱስ ኣቦና


ሰሙነ ሕማማት ናይ ምሕረትን ጽሞናን ጊዜ

ኣብ እዋን ዓቢይ ጾም ናብ በዓለ ፋሲካ ዘሰጋግር ሳልስቲ ፋሲካ ማለት ካብ ሓሙስ ክሳብ ቀዳም ዘሎ እዋን ይብሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 23 መጋቢት 2016 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮ ከምቲ ልሙድ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ እንከቕርቡ፥ “ዓቢይ ናይ ፍቕርን ምሕረትን ምስጢር” ዝብል ትርጉም ዘለዎ እዩ፡ ናይ ክርስቶስ ስቓይን ሞትን ዝኽወነሉ ጽንኩር እዋን እዩ። ቤተ ክርስቲያን ካብ ዕለተ ሓሙስ ጀሚራ እትኣትዎ ዓቢይ ምስጢር እዩ። ስለዚህ ኩሉ ናይ ሰሙነ ሕማማት ሊጡርጊያ ክንነብርን ብፍላይ እቲ ዘይጠራጠር ተስፈይና ናይ ማርያም እምነት ንሱ ድማ ሱቕታን ጽሞናን  ንኽንነብር ዘተሓሳስብ እዩ እሞ እዚ ማርያማዊ ናይ እምነት ጽሞና ንንበር ሓደራ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ገሊጾም።

ሰለስተ መዓልቲ ናይ ምሕረት፡ እዘን ሰለስተ ማዕልታት እተን ናይ ክርስቶስ ከም ሰብ ምድራዊ ሕይወቱ ዝድምደመሉለን በዚ ኩነት’ዚ ዝግለጽ ምሕረት ድማ ናይ እግዚአብሔር ፍቕሪ ኣበይ ከምዝበጽሕ ዘመልክት እዩ።

ሰሙነ ሕማማት “ሳልስቲ ፋሲካ” ተዘክሮ ናይ ፍቕሪ እንታይነት ተመስሎ

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ልዕሊ ሳላሳ ሺሕ ዝግመት ሕዝቢ ኣብ ዝተኣከበሉ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዕለት 23 መጋቢት 2016 ዓ.ም. ኣብ ዘቕረብዎ ትምህርተ ክርስቶስ ይብሉ፥ ኣብዘን ሰሙነ ሕማማት ታሪኽ ናይቲ ዓቢይ ከንሳሕብ ዝድርዀ ዕንቅፋት ዝሰግርን ዝዀነ ይዅን ዕንቅፍት ዘይብድሆ ፍቕሪ ኢና እነምልኽ። ናይ ኢየሱስ ስቓይ ክሳብ ፍጻሜ ዓለም ነባሪ እዩ። ነባሪ ዝገብሮ ድማ ምስቲ ኣብ ዓለም ዝረኣይ ዘሎ ሰብኣዊ ስቓይ ብምክፋል ዝነብር ብምዃኑ እዩ። ቀጻሊ ህላዌ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብን ሰኣውነትን ስቓይ፡ ብሓፈሻኡ እምበኣርከስ ሳልስቲ ፋሲካ ናይቲ ርጉጽ ውሕስነት ዝዕድለና ኣብ ናይ ሕይወት ስቓይ ዘይጥንጥነና ናይቲ ፍቕሪ እንታይነት ተመስሎ ተዘክሮ ስቅያቱ እንነብረሉ እዋን እዩ ከምዝበሉ ደ ካርዶሊስ ኣመልኪቶም።

ኢየሱስ መ’ታን ንሕና ገዛእ ርእስና ንኻልኦት ነኸነወፍይ ገዛእ ርእሱ ነኣና የወፍይ

ኣብቲ ሳልስቲ ፋሲካ ናይ ምሕረት እዋን ዝጅመረሉ ዕለተ ሓሙስ እግዚኣብሔር ኣብ ቅዱስ ቁርባን መግቢ ዝዀነሉን ናይ ኣርድእቱ እግሪ ዝሓጸበሉን ዕለት እያ፥ ኣገልጋሊ ዝዀነሉ ዕለት፡ መግቢ ሕይወት ኰይኑ ገዛእ ርእሱ ንኣና ከወፍይ እንከሎ ንሕና እውን እዚ መግቢ’ዚ ምስ ካልኦት ብምክፋል ምስቶም ስኡናት ናይ ሕይወት ሓቀይና ሱታፌ ንኽንነብር መታን እዩ። ስለዚህ ገዛእ ርእሱ ነኣና ከወፍይን ኣብኡ ክንተርፍን ክሓተንና እንከሎ ኣንሕና እውን ብተራና ከምኡ ንኽንገብር እዩ።

ስለ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ኣብ ጥልቂ ጽሞና (ጽሞና መረጸ)

ዓርቢ ስቕለት ናይ ፍቕሪ እቲ ዝለዓለ ናይ መወዳእታ መግለጺ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ከምዝብሎ እቲ መወዳእታ ዘይብሉ ፍቕሪ ናብ መወዳእታ ይኣትው (ፍጻሜ ናይቲ መፈጸምታ ዘይብሉ ፍጽሙ ፍቕሪ) መፈጸምታ ዘይብሉ ፍጹም ፍቕሪ ናብ ፍጻሜ ይኣትው እንክብል ከምዝገለጾ ጠቒሶም እዚ ድማ ንሓደ’ኳ ኣብ ደገ ከይሓደገ ከይፈላለየ ንኹሉ ሓንጐፋይ ክብል ዝደልይ ምዃኑ እዩ ዘረጋግጸልና። ኣብ መዳእታ ቅድስቲ ዕለተ ቀዳም ድማ ናይ እግዚኣብሔር ኣብ መቓብር እዩ፡ ዕለተ ጽሞናን ሱቕታን እግዚኣብሔር።

እግዚኣብሔር ስለ ፍቕሪ ጽሞና ይመርጽ ስለ ፍቕሪ ጥልቂ ሱቕታ ይመርጽ። ኣብዚ እግዚኣብሔር ምእንቲ ፍቕሪ ሱቅታን ኣልቦ ቃል ምዃን ኩነት ዝነብረላ ዕለት እያ። ካብ ትንሳኤ ዝምንጭው ሕይወት ዝትስፈወላ ፍቕሪ ብጽሞና ዝንብረላ ዕለት እያ። ቅድስቲ ዕለተ ቀዳም ዛዕባ ሱቕታ ከም ማርያም ነኸነስተውዕልን ነቲ ናይ እግዚኣብሔ ጽንታ ጽን ክንብልን ኣማኒት ንሳ ኣብ ሱቕታ ኰይና ትንሳኤ ተጸባይት ምንባራ ንኽንነብሮ እንጽዋዕናሉ ዕለት እዩ። ዘይጠራጠር እምነት። ማርያም ናይ ቅዱስቲ ዕለተ ቀዳም ቅድስቲ ትእምርትን ምስልን እያ። ዘይጠራጠር ኣብ ናይ ጐይታ ቃል እቲ ኣብ ዕለተ ፋሲካ ዝኹላዕን ዝግለጽን ኩነት ዝትስፈው እምነት እትነብር እያ።

ኢየሱስ ንነፍሲ ወከፍና፥ ምእንታኻ ካብቲ ዝተሳቐኽዎ ንላዕሊ ክሳቐይ እንተዝኽእል ምተሳቐኹ

ቅዱስ ኣቦና ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስትምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ እንከጠቓልሉ፤ ጁሊያና በዓልቲ ኖርዊች ኣብ ማእከላይ ዘመን ብሕይወት ዝነበርት እንግሊዛዊት ሰቂለ ህሊና ዝተዓደለት በዓልቲ ምሱጥ ሕይወት ዘይተመሃረት ክነሳ ናይ ኢየሱስ ሕማማት ተምሳል ዝገልጽ ዝተቐበለቶ ራእይ እንክትትንትን ናይ ኢየሱስ ናይ ምሕረት ፍቕሪ ቢላ ትገልጾ። እዛ ብፅዕቲ’ዚኣ ኢየሱስ ስለ እቲ ምእንታና ስቓዩ ከተመስግን እንከላ፥ ስለኺ ክሳቐይ ንዓይ ሓጐስ እዩ ዘለዓለማዊ ፍስሓ እዩ። ምእንታኺ ካብቲ ዝተሳቐኽዎ ንላዕሊ ክሳቐይ ዝከኣለኒ እንተዝኸው ኔሩ ዝያዳኡ ምተሳቐኹ፡  እንክብል ይምልሰላ። እወ ይብሉ ቅዱስ ኣቦና እዚ እዩ እቲ ናትና ኢየሱስ። ንነፍሲ ወከፍና ካብቲ ስሌኻ ዝተሳቐኽዎ ንላዕሊ ምስቓይ እንተዝህሉ ምተሳቕኹ ይብለና፡ እዘን እቲ ጐይታ ንነፍሲ ወከፍና ዘለዎ ዓቢይን ሰፊሕን ደረት ዘይብሉ ፍቕሩ ዝረጋግጻልና ቃላት ክንደይ ደስ የብል ከዝበሉ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.