2016-03-24 16:08:00

ናይ ሃገረ ቫቲካን ቤተ ሰነድ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝርከብ ቤተ ሰነድ ካብ ዘጠቓልሎም ናይ ዓለምን ሃገራት ታሪኻዊ መዛግብትን ሰነዳትን ውሽጢ እቲ ካብ 1976 ክሳብ 1983 ዓ.ም. ዘጠቓልል ዛዕባ ናይ ኣርጀንቲና እዋን ምልካዊ ስሮዓት ዝነበረ ታሪኻዊ ኩነት ዝገልጽ ሰነዳት ንተመራመርትን ናይ ታሪኽ ሊቃውንትን መጽናዕቲ ክፉት ክኸውን ከምዝወሰኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ገሊጾም።

ኣባ ሎምባርዲ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ ቅዱስ ኣቦና ቅድም ክብል እቲ ዛዕባ ናይ ኣርጀንቲና ምልካዊ ስርዓት ዝነበረ ታሪኽን ኩነታትን ዝምልከት መዛግብቲ ክፉት ክኸውን ዝብል ድላይ ከምዝነበሮም ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ተሓቢሩ ከምዝነበረ ኣዘኻኪሮም ኣቲ ሰነድ ንናይ ታሪኽ ሊቃውንትን ካልኦት ተመራመርትን ምሁራትን ክፉት ኰይኑ መጽናዕቲ ከካይዱ ፍቑድ ክኽወንን እቲ ሰነድ ምስ ናይ ኣርጀንቲና ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብምስምማዕ ብብቕዓት ተመዓራርዩ ስሩዕ ኰይኑ ንምቕራብ ክከኣል መታን  ዘድሊ ምስንዳዋት ይግበር ኣሎ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.