2016-03-22 16:02:00

ኰንጐ


ዕለት 20 መጋቢት 2016 ዓ.ም. ኣብ ሰሜናዊ ዴሞክራሲያዊት ረፓብሊካዊት ኰንጐ ከባቢ ኪቩ ካብ እትርከብ ከተማ ኩትሹሩ 30 ኪሎ ሜትር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ኣትዊጉሩ ኣባል ማሕበር ካራቾሊኒ ኣባ ጆናስ ኣብ ቁምስና ንያሚሊማ ዘገልግሉ ብናይቲ ከባቢ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት ሸውዓት መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ናብ መቐመጢኦም እንክምለሱ ዝጓዕዙላ ዝነበረት ማኪና እቶም ኣባላት ናይ ሩዋንዳ ናይ ነጻነት ግንባር ብዝፈነውዎ መጥቃዕቲ ንሶምን ናይታ ዝጓዕዙላ ዘነበረት ማኪና ኣውቲስታ ከቢድ ማሕሰይቲ ከምዘጋጠሞምን ንሕክምና ናብ ከተማ ጐማ ከምእተወስዱን ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎ ሓቢሩ።

ካብቶም ገዛእ ርእሶም ናይ ሩዋንዳ ናይ ነጻነት ግንባር ቢሎም ዝሰመዩ ዕጡቓ ሓይሊ ዝፍነው ምጥቃዕቲ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ብተደጋጋሚ ዝረእይ ምዃኑ ዝሓበረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ ካብ ዝሓለፉ ናይ ቀረባ መዓልታት ንነጀው ናይ ኰንጎ ዴሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኣባላት መደበይና ሓይሊ ምክልኻል ነቶም ናይ ሩዋንዳ ናይ ነጻነት ግንባር ኣባላት ብምክትታል ስጉምቲ ይወስዱ ምህላዎምን የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.