2016-03-19 15:50:00

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ መቄዶኒያ


ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ካብ ዕለት 17 ክሳብ ዕለት 19 መጋቢት 2016 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ መቄዶኒያ ሓዋርያዊ ምብጻሕ የካድዩ ከምዘለዉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ብፁዕነቶም ዕለት 17 መጋቢት 2016 ዓ.ም. ብናይ ሮማ ሰዓት እቆጻጽራ ልክዕ ሰዕት 11 ፈረቓን ኣብ መቄዶኒያ ከተማ ስኮፕዠ ኣብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ መዕርፎ ነፈርቲ ኣለሳንድሮ ማኞ ብምእታው ዝጀመርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ መደብ መሰረት ዕለት 18 መጋቢት 2016 ዓ.ም. ንጎሆ ሰዓት 10 ምስ ናይታ ሃገር መራሔ መንግስቲ ኒኮላ ግሩወቭስኪ ቀጺሎም ሰዓት 11 ምስ ርእሰ ብሔር ግዮርገ ኢቫኖቭ ከምእተራኸቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ ልክዕ ሰዓት ሓደ ናይ ስኮፕዠ ሰበኻ ሓድሽ ሕንጻ መንበረ ጳጳስ ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ማእከልን መንበር ሓዋርያዊ ወኪልን መሪቖም፥

ክቡራት ናይ ሓይማኖታት መራሕትን ወከልቲ መንግስትን

ኣሕዋተይን ኣሓተይን

ነቲ ናይ ሰበኻ ስኮፕዠ መንበረ ጳጳስን ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ማእከልን መንበር ሓዋርያዊ ወኪልን ክምርቑ ዝተሰምዖም ሓጎስ ገሊጾም፡ ንብፁዕ ካርዲናል ኪሮ ስቶያኖቭን ኣብ መቄዶኒያ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ወኪል ብፁዕ ኣቡነ ኣንሰልሞ ጉይዶ ፐኮራሪን ነዚ ናይ ምረቓ ስነ ስርዓት ንኽፍጽሙ ስለ ዝዓደምዎም ኣመስጊኖም፡ ኣብቲ ስነ ስርዓት ሱታፌ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕትን ናይ መንግስትን ወከልቲ ምርኻብን ዓቐን ሰብ ዝኸነ ናይ ሕዝቢ መሰረታዊ ሕቶታትን ትጽቢታትን ጽን ዝብልን መልሲ ንምሃብ ብሓባር ማሕበረሰብን ሃገርን ኣብ ምሕናጽን ንምግልጋልን ናይ ዝግበር ናይ ሓባር ጻዕሪ ዝምስክር ምልክት እዩ ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣተሓሒዙ እታ ከተማ ኣብ 1963 ዓ.ም. ተኸሲቱ ብዝነበረ ርእደ መሬት ባዲማ እውን እንተነበረ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ብመደብ ዳግማይ ሕንጸት እናተሰነየት ኤውሮጳዊት ከተማ ዘብላ ደረጃታት ኣብ ምዕታር ትርከብ። ጥንታዊ ሮማውን ምዕራባውን ምስራቓውን እስያውን ባህልታት መሰረት ዘንበሩላ ናይ ኦታማንን ቢዛንታይን ስልጣኔታትን ቅዱሳት ኣሳእል ዝተዓቀቡላን ኣሽሓት ዓመታት ዘቑጽር ሃብታም ባህሊ ንእተእንግድ ሃገር ክበጽሑ ዓቢይ ሓጎስ ይስምዓኒ ከምዝበሉ የመልክት።

ኣብ መቄዶኒያ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ምእመናንን ውሁዳን እውን እንተዀኑ ኣብ ማሕበራዊ ሕይወት ዕዙዝ ተሳትፎ ዘለዎምን ንናይታ ሃገር ናይ ሓባር ጥቕሚ ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ከምእተበርክት ዝምስክር እዩ። ብፍላይ ኣብ ምስፋሕ ናይ ሕይወት ባህልን ምኽባር ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ማዕርነትን ፍትሕን ንመንፈሳዊ ክብርታት ክፉት ኣብ ምዃን ጉዕዞን ምትሕብባርን ሰላማውን ውሁድን ናይ ሓባር ናብራ ኣብ ምርግጋጽን ዓቢይ ኣበርክቶ ዘለዋ እያ ቢሎም፡ ኣብ ዓለም ብሸለልተይናነትን ዘይምግዳስን ንኣይነትን ርእሰ ዑረትን ምኽንያት ባዕሉ ሰብ ዘስዓቦ ኣካላውን ግብረ ገባውን ሕሰም ንምብዳህ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብዝተፈላለዩ መገድታት ብሰብኣውን መንፈሳውን ስነ ባህላውን ሕንጸት ኣቢላ ምስ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታትን ሰብ ጽቡቕ ድላይን እናተሓባበረት ኣብ ሕንጸት ሕዝብን ሃገርን ቀንደይና ተዋሳኢት እያ፡ ጓል እቲ ከባቢ እናቴ ብፅዕቲ ተረዛ ዘካልኵታ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝሳቐዩን ዝተናዕቁን ዝተረስዑን ክፍሊ ሕብረተሰብ ከተገልግል ዝተጸውዔት ምዃና ወትሩ ዘዘኻኸራን ኣብዚ መዳይ ብቐዳምነት ሕይወተን ዘሕለፋ እየን፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኤውሮጳዊ ክፍሊ ዓለም ኣብ መንጐ ውህደትን ርእሰ ምምሕዳርን ውሳኔታት ወጥሪ ትርከብ። ቅዱስ ኣቦና ዕለት 11 ጥሪ 2016 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ መንበር ንናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ተቐቢሎም፥ እቲ ዝረአይ ዘሎ ጸኣት ስደተይናታት ካልኦት ተምሳል ሰብኣውን  ማሕበራውን ፖለቲካውን ጸገማት ንምስጋር ሓባራውነት ዝዓተረ ከይዲ ወሳኒ እዩ፡ ሃገራት ንገዛእ ርእሰን ክሕደጋ የብለንን። ኩሉ ዝስገር ሓደስትን ተቐባልነት ዘለዎ መፍትሒ ምስ ዝረጋገጽ እዩ ዝብለዎ ሓሳብ ጠቒሶም’ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኤውሮጳ ዝረአይ ዘሎ ጸኣት ስደተይናታት ናይዞም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ስቓይ ኤውሮጳ ከተቕልሎ ዘይምኽኣላ ብሓቂ ዘሕፍር እዩ። ናይ ካልእ ስቓይ ስቃይና ንግበር ዝተጸዋዕና ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

ኣብ መወዳእታ ብፁዕነቶም እቲ ዝተመረቐ መንበር ጳጳስን ማእከል ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ትርጉሙ ገሊጾም ኣብ ምርኻብን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ባህልታትን ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ዘተባብዕን ሕውነታዊ ሱታፌ ዝረጋገጸሉ፡ ስቓይ ኣሕዋትን ኣሓትን ጽን ዝበሃለሉ መንበር እዩ፡ ትእምርቲ ሓድነት ምስ መንበረ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝገልጽ እዩ ቢሎም እቲ ሕንጻ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ወኪል ዘእንግድ እውን ምዃኑ ጠቒሶም ከምዚ ክኸውን ንዝሓሰቡ ብፁዕ ኣቡነ ስቶያኖቭን እቲ መንበረ ጳጳስ ክሕነጽ ብዝተፈላለየ መገዲ ዝተሓባበሩን ኵሎም ኣመስጊኖም እግዚኣብሔር ይባርኸና ኣብ ኣገልግሎት ነሕዋት እቲ ዘድሊ ጸጋታቱ ይዓድለና ቢሎም ዘስምዕዎ ቃል ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.