2016-03-19 18:24:00

ሰንበት ዘምኵራብ ጾም ፵ የካቲት 11/ 2008 ዓ.ም. (3/20/ 2016)


ንባባት፡ ፊሊጵ 3፡17-4፡1፥ ያዕ 2፡1-13፥ ግ.ሓ 23፡1-11፥ ሉቃ 9፡28-36።   ስብከት፡“እስመ ቅንአተ ቤተከ በልዓኒ፥ ትዕይርቶሙ ለእለ ይትዔየሩከ ወድቀ ላዕሌየ፤ ወቀጻዕክዋ በጾም ለነፍስየ” ንቤትካ ዘሎኒ መንፈሳዊ ቅንኢ ከም ሓዊ የንድደኒ አሎ፥ ጸርፊ እቶም ዝጸርፉኻውን አባይ ወደቐ፥ ንነፍሰይ ብጾም አሕሳእክዋ”። መዝ. 69፡9።

 

መዝሙር፡ “ኢየሱስ አብ ቤት ጸሎት አይሁድ አተወ። ካብ መስዋዕቲ ምጽዋት እፍተወኒ አነ ንሰንበት ዋንአ ንምሕረት አቦአ እየ፥ ንቤት አቦይ ቤት ሸቐት አይትግበርዋ ቤተ ጸሎት እያ እትስመ፥ ሰንበት አኽብሩ ሠናይ ግበሩ ንብጻይኩም አፍቅሩ ንድኻታትን መሳኺንን ራሕርሑ እምነት ክተሕድሩ” ይብል።

አብ ተፈጥሮ ወዲ ሰብ ሓደ ካብቲ መለልይኡ ምጽላይ እዩ። አብ ኵሉ እምነታት ጸሎት ክግበር ከምኡ ክፍሊ ሕይወቶም ከምዝኾነ ንርኢ። ጎ.ኢ.ክ. ኩሉ ጊዜ አብ እምባ አብ ቤተ መቕደስ ይጽሊ ከም ዝነበረ ንሓዋርያቱን ንኹሎም ስዓብቱን ኩሉ ጊዜ ከየቋረጹ ክጽልዩ ይነግር ከም ዝነበረ ወንግል ይነግረና። ቅ. ጳውሎስ ዓቢ መምህር ጸሎት እዩ ነሩ አብ ኵሉ ጽሑፋቱ ብጸሎት ይጅምር ብጸሎት ይውድእ ጸሎት ሓደ ካብቲ መለልዪ ሕይወቱ ከም ዝነበረ አብ መልእኽትታቱ ንረኽቦ። ቀዳመይቲ ማሕበር ክርስትያን ብሓባር ትጽሊ ከም ዝነበረት ክጽልዩ ከለዉ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝወረዶም ኵሉ ጊዜ አብ አባይቶም ብሓባር ይጽልዩ ከም ዝነበሩ ግ.ሓ. አግፊሑ ይነግረና። ቤተ ክርስትያን ሰንበት ሰንበት ብሓባር ክንጽሊ አብ መስዋዕቲ ቅዳሴ ክንሳተፍ ተስተምህረና።

ቅ. አጎስጢኖስ “ጸሎት ዝገብር ንአምላኽ ይፈልጦ” ይብል። ጸሎት ክንብል እንከሎና እቲ ኵሉ ምስ አምላኽ ዘሎና ርክብን ውሽጣዊ ዕላልና ምስ አምላኽ እንገብሮ እዩ። ጸሎት ክንትንስእ ክንድቅስ ከምኡ ብሓባርን ብግልናን ክንጽሊ ግድን እዩ። እዚ ዘሎናዮ እዋን ጾም ሓደ ካብቲ ፍሉይ መለልይኡ ጸሎት ምግባር እዩ፥ አብ ብሑት ቦታ ኮንካ ምስ አምላኽ ምዕላል።

ወንጌል አብ ደብረ ታቦር ዝተራእየ ምልዋጥ ራእይ ኢየሱስ ኢና አምቢብና። ንሱ ነቶም ናይ ቀረባ አርድእቱ ምስኡ ክጽልዩን ምስጢር እምነቶም ብኸፊል ክርእዩን ናብ እምባ ወሲድዎም። አብኡ ዝረአይዎን ዝሰምዕዎን አብ ሕይወቶም ዓቢ ለውጥን እምነትን አሕዲርሎም። ቅ. ጴጥሮስ ነዚ ክገልጽ እንከሎ “ብዛዕባ ናይ ጎይታን ኢየሱስ ክርስቶስ ኃይልን ምጽአትን ክነግረኩም ከሎና ዝተጣበብዎ ጽውጽዋይ ዘይኮነስ ነቲ ብዓይንና ዝረአናዮ ግርማ መሰኻኽር ስለ ዝኾና እዩ። ከምቲ እቲ ብእኡ ዝተሓጎስኩ ፍቁር ወደይ እዚ እዩ ዝብል ድምፂ ካብቲ ልዑል ግርማ ምስ መጸ ካብ አግዚአብሔር አቦ ክብርን ግርማን ተቐበለ። አብቲ ቅዱስ እምባ ምስኡ ኸሎና ኸአ እዚ ድምፂ እዚ ካብ ሰማይ ክመጽእ ከሎ ንሕና ባዕላትና ሰሚዕናዮ ኢና” (2ጴጥ 1፡1618) እናበለ ምስጢር አብ እምባ ዝተገልጾም ብተዘክሮ ይገልጾ።

አብዚ እዋን ጾም ካብቲ ቀንዲ ዝድለ ዘሎ አብ እምባ ሕይወትና አቲና ምስ አምላኽ ክንዛረብን ክንምሃርን ይድለ አሎ። አብ እምባ ሕይወትና አቲና ክንርኢ እንተ ኸአልና ተሓድሶ ምልዋጥ ከምኡ ምምስካር ክስዕቦ ግድን እዩ። ጾምና ፍሉይ ጸሎትን ርክብ ምስ አምላኽ ክንገብር ዝዕድም ምዃኑ ፈሊጥና አብ ጸሎት ክንጽመድ ንንገር አሎና። 

ሓደ እዋን ንሓደ ካህን አብ መዓልቲ ሓሙስ ምእንቲ መን ከም ዝጽሊ ተሓቲቶም ክምልሱ እንከለዉ ኃሙስ ኃሙስ ናይ ብርሃን ምስጢር እጽሊ ምእንቲ ኵሎም ጸላእተይ ከአ አዕርጎ እዚ ኸአ ንሶምን አነን ምእንቲ ኽንቅየር እዩ፥ ብምቕጻል እቲ ተሓድሶን ለውጥን አባና ክወርድ ብዝያዳ ንክርስቶስ ነቲ ምንጭን ዓላማን ናይ ኩሉ ለውጥታት አብ ሕይወትና ዝኾነ መታን ክንመስል እዩ እናበሉ መሊሶም፥ መንጠን ንክርስቶስ ክንመስል ዝጸዓርናሉ መጠኑ አብ መንጎና ዝበለጸ ምቅርራብ ንፈጥር።

ጸሎት አድላይነት ናይ እዚ ዅሉ የሕድረልና ከምኡ አባና ክፍጸም ሃረርታ ከም እነሕድር ይገብረና። እዚ ሃረታ እዚ ሃረርታ ንለውጢ/ተሓድሶ ንርእሱ ዓቢ ተበግሶ እዩ። ክንደይ ካባና እዮም አብ ሕይወቶም ለውጢ ከም ዘድልዮም ክርእዩ ዘይከኣሉ? ሃረርታን ድለትን ጥራሕ ነርኢ እምበር አምላኽ ባዕሉ ክምልኦ እዩ። ጸሎት ዓይንና ይኸፍተልና ሽዑ መጀመርያ ንርእስና ከምኡ   ንኸማና ዝበሉ አሕዋትናን ከም ዘሎናዮን ዘለውዎን ከም እንርኢ ይገብረና እዚ ኸአ እዩ እቲ ዝዓበየ ጸጋ። ንካልኦት ከም ዘለውዎ ርኢኻ ምኽአልን ምቕባሎምን። 

አብ ኦሪት ዘፍጥረት 15፡5-18 ዘሎ እንተ አንበብና አምላኽ ንአብርሃም አብ ደገ አውጽኦ ዝብል ነንብብ፥ አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ኢየሱስ ንጴጥሮስን ያዕቆብን ዮሓንስ ምስኡ አብ እምባ ከም ዝወሰዶም ነንብብ። ብዙሓት ጸሎት ክገብሩ ከለዉ ምሉእ ኵልንትናኻ አብ አምላኽ ግበር ዝብል ርእድኢት አልኦም ንሱ እዩ እቲ ቁምነገር። አምላኽ ሎሚ እውን በበስማትና ጸዊዑ አብ እምባ ሕይወትና ክንድይብ እሞ ክንጽሊ ይደሊ አሎ። ንዓ/ንዒ እናበለ ጸሎት ክንምሃር ይጽውዓና አሎ። 

ንፍለጦ አይ ንፍለጦ ኵሉ ጊዜ ጸሎት ክንገብር ከሎና ነቲ ብግልና አምላኽ ዝጽውዓና መልሲ እዩ። አምላኽ እዩ ኵሉ ጊዜ ንዓ/ንዒ እናበለ ዝጽውዓና፥ ምሳኻ/ምሳኺ ጊዜ ከሕልፍ እደሊ አሎኹ ይብለና። ከምዚ ድሕሪ ኾይኑ ስለምንታይ ድአ ኢና ብኹልትናና አብ ትሕቲ አምላኽ ምዃን ዘጸግመና ዘሎ? እቲ ብርቱዕ ቍሪ ድዩ ዘፍርሓና ዘሎ ወይስ ነቲ ጽኑዕ እምባ ምድያብ? ብርግጽ ጸሎት ክንገብር ከሎና ነቲ ምቾት ዝህበና ትሕዝቶናን ኵነታትናን ክንሓድግ ክንክእል ካብኡ ወጺእና አብ ካልእ ዓለም ክንአቱ አብ ዓለም ናይ ጸልማትን እምነትን ክንአቱ አሎና።

ቅ. ተረዛ ብዓልቲ አቪላ ጸሎት ከም ዕዮ እያ እትገልጾ። አብ ገለ እዋን አብ ቅዱስን ዓቢ መንፈሳዊ ለውጢ ክንአቱ ካብቲ እንገብሮን እንነብሮን ክንወጽእ ደም እናነባዕና ክንቅበሎ አሎና። ጸሎት እንታይ ምዃኑ ክንርስዕ ምስ ጀመርና ዝኾነ ካልእ ካብ ጸሎት ፍሉይ ዝኾነ ክንከውን አየጸግመናን እዩ፥ ቅ. ተረዛ አብ ሕይወታ ከም ዝንገር ጸሎት ክትገብር እንከላ ነቲ ብእዋኑ ዝነበረ መለክዒ ጊዜ “hourglass” ቀልጢፉ ክሓልፍ ትጉጽጉጾ ከም ዝነበረት ይንገር።

አብ ሕይወትናን አብ አተሓሳስባና ፍጹም ለውጢ ክንገብር ጸሎት ቀንድን አድላይን እዩ። ብፍላይ አብ ጽንኩርን ፈታንን እዋን፥ መንፈሳዊ ነቕጺ ምስ አጥቅዓና፥ መሕለፊ ጊዜ ኮይኑ ምስ ተራእየና ሽዑ እቲ ዝበለጸን ዝዓበየን ለውጢ ይፍጸም። ጴጥሮስ አብ እምባ ደብረ ታቦር ብብዙሕ ነገር ጽቡቕ አይገበረን፥ ድቃስ ወሲድዎ ከምኡ አብ ዘረብኡ ዓምበርበር ኢሉ ግን ዝብሎ አይፈልጥን ነሩ ግን ደቂሱ አይተረፈን ተበራቢሩ ክርኢ ክአ ክኢሉ።

እዚ አብ ካልእ ገጽ ጸሎት ይወስደና። አብ ጸሎት አምላኽ ክንርእዮ ዘይንኽእል ከም እንርኢ ይገብረና። አምላኽ ብዛዕብኡ፥ ብዛዕባ ሕይወት፥ ሞትን ብዛዕባ ርእስናና ከም እንርኢ ይገብረና። አምላኽ ነብርሃም አብ ደገ አብ ጸልማት ከዋኽብቲ ከርእዮን ተስፋ ኪዳን ክአትወሉን አውጺእዎ። ኢየሱስ ንሰለስተ ካብ ሓዋርያቱ ንሱ መን ምዃኑ ከርእዮምን ንሱ ዝጉዓዞ መፈጸምታ እንታይ ከም ዝኾነ ከርእዮም አብ እምባ ወሲድዎም። ሎሚ ንነፍሲ ወከፍና አብዚ ቅዱስ ጾም ከካብ ዘሎናዮ ክንወጽእ እሞ ምስኡ ክንከይድ ክዛረበና ተአምር አብ ሕይወትና ከርእየና ይጽውዓና አሎ። አብ ብሑት ጊዜን ቦታን ንአምላኽ ክንርእዮን ክንሰምዖን ቀሊል እዩ።

አብ ደብረ ታቦር ኢየሱስ ክብሩን ንነፍስወከፍ አማናይ ዝጽበዮ ዘሎ ግርማን ሓጎስን ከምኡ ምስ ሰማያዊ አብኡ ዘለዎ ሓድነትን ርክብን ገሊጹ። አብኡ ኦሪትን ነብያትን ዝውክሉ ሙሴን ኤልያስን ብዛዕባ ሕማማቱን ሞቱን ክዛረቡ ተራእዮም። ክልቲኦም ናይ ድሕነት ታሪኽ አባላት ስለ ዝኾኑ፥ ናይ ሓደ ዓይነት ታሪኽ ክፍሊ ስለ ዝኾኑ፥ ናይ ሓደ ዓይነት ጸሎት ክፍሊ ስለ ዝኾኑ ምስ ኢየሱስ ናይ ኩሉ ማእከል ዝኾነ ተራእዮም። ንሕና እውን ናይ እቲ ኢየሱስ ዘቕርቦ ጸሎት አባላት ኢና።

ጸሎት ብርሁ መጻኢ ይኸፍተልና። አብርሃም እግዚአብሔር ተስፋታቱ ክህቦ እንከሎ ብሩህ አፍልጦ አይ ነበሮን። ጴጥሮስ ዮሓንስን ያዕቆብን አብቲ እምባ ንዝርአይዎ ነገር ገሪምዎም ክዛረቡ አይከአሉን። እዚ ዝረአይዎ ግን አብ ሕይወቶም እምነት አሕዲርሎም ንኹሉ ዝጓነፎም ጸገማት ከም ዝስዕሩ ገርዎም።

አብ ጊዜ ጾም ብዛዕባ ራእይ ኢየሱስ ምቕያር አብ ደብረ ታቦር ምንባብና ዘዘኻኽሮ ኢየሱስ ካብ ሞት ምስ ተንሥኤ ዝተጓናጸፎ ዓወት እዩ ዘርኢ። አብ ጊዜ ጾም እንገብሮ ንስሓ አብ ትንሣኤ እንጎናጸፎ ዓወት የዘኻኽረና። ንሕና ጉዕዞና ነቲ ብዓይኒ እምነት እንርእዮ አሚና ኢና እንኸይድ እዚ ማለት ከአ ወላእኳ ብዓይኒ አይንርአዮ እምበር ንአምኖ። “ብእነት እምበር ብምርአይ አይኮናን እንነብር ዘሎና” (2ቆሮ 5፡7)። አብቲ እምባ ጴጥሮስን ብጾቱን ዝርአይዎ ንሕና ብዓይኒ እምነት ኢና እርእዮ። ንሶም ግርማን ዕብየትን አምላኽ አብ ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ናይ ሓዲስ ኪዳን ወካሊ፥ አብ ሙሴ ንሕጊ ብሉይ ኪዳን፥ ኤልያስ ንነብያት ዝውክል ርእዮም። እዚ ንነፍሲ ወከፍና ዓቢ ትምህርቲ አለዎ።

ኢየሱስ ንበይኑ አብ እምባ ክኸይድ ይኽእል ነሩ ግን ነቶም ሓዋርያቱ ክወስዶም ደልዩ በዚ ኸአ ንኡ ክኽተሉ ከለዉ ግዚኦም የሕልፉ ከምዘየለዉ ከርእዮም ኢሉ እዩ። አብኡ ዘልኦም እምነት ክዓብን ከጸንዕን ምእንቲ እዩ። ብዝበለጸ ከአ ነፍሲ ወከፍና ብእምነት ጸኒዕና ሕይወትና እንተ መራሕና ዝጽበየና ክብርን ግራም ክገልጸልና ኢሉ እዩ።

እዋን ጾም ተጋድሎ ጸሎት መስዋዕቲ ክንገብር የዘኻኽረና። ንመጻኢ ግርማን ክብርን ክንጎናጸፍ ምእንቲ ብጸሎት፥ ብሰናይ ግብርን አስተንትኖን ንገዛእ ርእስና ብምኽሓድን ክንሰናዶ ይሕግዘና። ብመንፈሳውነት ክንዓብን ክንድልድልን የድሊ አምላኽ ጸግኡ ክዕድለና ኵሉ ጊዜ አፍደገ ምሕረቱ ክፉት እዩ።

ቅዱስ ጳውሎስ አብ ናይ ሎሚ መልእኽቱ “ንሕና ግና ሃገርና አብ ሰማያት እያ” ይብለና እዚ ኽብለና እንከሎ ናይ ሕይወትና ዓላማን መወድእታን ምስ አምላኽ ምዃን እዩ። ካብ ሰማይ እቲ እንጽበዮ መድኃኒ ኢየሱስ ክርስቶስ ይመጽእ ነዚ መዋቲ ሰውነትና ቅዳሕ ናይ እቲ ግርማ ዝለበሰ ሰውነቱ መታን ክልውጦ።

እቲ ተሓድሶ ከመ ኢሉ እዩ ክመጽእ? ንኢየሱስ ነቲ ኩሉ ዝብለናን ዝዕድመናን እንተ ሰማዕና ገበርና፥ ግን አብ ገለ እዋን አንጻር እቲ እንደልዮን እንጽበዮን ክኸውን ይኽእል እዩ። ከም ጴጥሮስን ብጾቱን ነቲ ዝሰምዕዎ ክቕበልዎ ምስ ጸገሞም ከምቲ ንሶም ዝደልይዎ ክኸውን ዝሓተቱ ንሕና ኸአ ከምኡ ክንገብር የድሊ። ክንዕወት እንተ ኾና አብኡ ምሉእ እምነት ክንገብር ብመገዱ ክንጉዓዝ እሞ አብ ምሉእ ሓድነት ምስ አምላኽ አብቲ ምንጪ ሓቅን ፍቕርን ሓጎስን ሰላምን ክንበጽሕ።

አብዚ ብሩኽ ሰንበት እምብአር አምላኽ ክንዛረቦ ክንሰምዖ ይደልየና አሎ። አብ ጽምዋ ቦታ ወሲዱ ግርምኡን ዝጽበየና ዘሎ ክብርን ሞገስን ከርእየና ይደሊ አሎ። ግን አብኡ ክንበጽሕ እንሓልፎ ጸላምን ስቓይን ፈተናን አሎና። ሎሚ አምላኽ አብ አፍደገ ገዛና ይዅሕኲሕ አሎ ንስምዓዮ ልብና ንኸፈተሉ።

ኦ አምላኽ ጸሎትና ሰሚዕካ እሙናት አገልገልትኻ ኮና ክንርከብ ብጸጋኻ ሓግዘና ንበሎ።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ 








All the contents on this site are copyrighted ©.