2016-03-17 16:51:00

ዓውደ ኣስተንትኖ ዛዕባ ናይ ምሕረት ዓመት


ኣብ ሮማ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ዕለት 18 መጋቢት 2016 ዓ.ም. ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ሰዓት 11ን ርብዕን ናይ ማሕበርሰብ ቦዘ መስራትን ናይቲ ባሕታውያን ማሕበር ኣበምኒየት ናይ ቲዮሎጊያን ቅዱስ መጽሓፍን ሊቅ ኣባ ኤንዞ ቢያንኪ ናይ ምሕረት ዓመት ምስ ዓቢይ ጾም ብምትሕሓዝ ምሕረት እግዚኣብሔር ኣውጁ ብዝብል ኣርእስቲ ዓሚዩቕ ኣስተንትኖ ዘቅርብሉ መደብ ዓውደ ኣስተንትኖ ክካይድ ምዃኑ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ናይ ላተራነንስነ መንበረ ጥበብ ዋና ኣመሓዳሪ ብፁዕ ኣቡነ ኤንሪኮ ዳል ኮቮሊ ዝሃብዎ መግለጺ ጠቒሱ ከመልክት እንከሎ፥ ኣባ ቢያንኪ እምነት ብውዕዉዕ ስምዒትን ኣብ ርትዓዊ ስነ ኣተሓሳስባ ብዝተመርኰዘ

ትንተናን ምስክርነትን ዘቕርቡን ሰብ ምስ እምነት ክራኸብ ንምድጋፍ ኣሚቶም ናይ እምነት ታሪኽ ዘመሓላልፉ እዮም። ኣብዚ ተዛማድን ናይ ሞት ባህልን ናይ እምነት መምዘኒ ኣነ እየ ዝብል እምነት ብናይ ገዛእ ርእሰ ዓቐን ዝስዕብ ኢሃይማኖታዊ ሃይማኖት ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሎ ዓለም ኣብ ናይ ምሕረት ታሪኽ ብምትኳር ኣብዚ ናይ ምሕረት ዓመት ናይ ምሕረት ጥልቂ ትርጉም ምቕራብን ምትንታንን ኣገዳሲ እዩ፡ ስለዚ እቲ ኣብ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ዝቐርብ ዓውደ ኣስተንትኖ ዛዕባ ምሕረት ነዚ ዅሉ ኣብ ግምት ዘእትው እዩ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና አገልግሎት ኣሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.