2016-03-17 16:48:00

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፥ ቅዱስ ናይ ምሕረት ዓመት ንሶሪያ ሰላም ከምጽእ


ዕለት 15 መጋቢት 2016 ዓ.ም. ሮማ ኣብ ዝርከብ ሕንጻ ጁስቲኒያኒ ካብ 1300 ዓ.ም. ክሳብ 2016 ዓ.ም. ታሪኽ ዓመተ ኢዮቤል ዘዘንትው ናይ ጽሑፍን መጻሕፍትን ኣሳእልን ቅብእታትን ትርኢት ምስ ናይ ኢጣሊያ ናይ ሓጋጊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ፒየትሮ ግራሶ ብሓባር መሪቖም ዝኸፈቱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፥ ኣብ ሶሪያ ውግእ ካብ ዝባራዕ ሓሙሽተ ዓመት ከምዘቑጸረ ዘኪሮም ቅዱስ ዓመተ ምሕረት ኣብ ሶሪያ ሰላም ንምርግጋጽ ኣሚቱ ዝፍጸም ፖለቲካዊ ናይ ዘተ ጻዕርታት ናብ ሰላም ዘብጽሕ ክኸው ምንዮቶም ገሊጾም፥ ህልው ኩነታት ሶሪያ ንሕዝቢ’ታ ሃገር እዚዩ ከቢድን ዘስካሕክሕን ዘይጽወርን እዩ። ስቓይ ናይ ሕዝቢ ሶሪያ ጽን ዝብል ፖለቲካ ክረጋገጽ እላበው፡ ስቓይ ሕዝቢ ሶሪያ ልቢ ናይ ፖለቲካ ኣካላት ክትንክፍ እምሕጸን፡ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ እቲ ኣብ ሶሪያ ሰላም መታን ክረጋገጽ ኣብ ጀነቭ ዝካይድ ናይ ሰላም ዘተ እወታዊ ውጽኢት ከዕትርን ከምኡ እውን ሩሲያ ወተሃደራታ ካብ መሬት ሶሪያ ከተውጽእ ዝወሰደቶ ስጉምቲ እውን እወታዊ ተግባር እዩ። እዚ ዅሉ ኣብታ ሃገር ሰላም ንምርግጋጽ ንዝግበር ጻዕሪ ደጋፊ ክኸውንን ናብ ድልያ ፖለቲካዊ መፍትሒ ዝድርኽ ክኸውን ተስፋ ናይ ኵሉ እዩ ቢሎም፥ ዕለት 18 መጋቢት 2016 ዓ.ም. ብፁዕነቶም ኣብ መቀዶኒያ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከምዘካይዱ ገሊጾም ኣብታ ሃገር ኣብ መዕቆቢ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝርከቡ ዜጋታት ሶሪያ ክበጽሑ እውን ምዃኖም ከምዝሓበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ምርኢት ታሪኽ ኢዮበላዊ ናይ ምሕረት ዓመት ክሳብ 1 ግንቦት 2016 ዓ.ም. ዝቕጽል ምዃኑ ክንገር እንከሎ፡ እቲ ምርኢት ብምኽንያት ናይ ምሕረት ዓመት ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝመጹ ነጋዶ ብዛዕባ ታሪኽ ኢዮቤልዩ ዓመት ክርድኡ ዝድግፍን እቲ ምርኢት ይብሉ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ብድላይን ውሳኔን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ንዝተበገሰ ናይ ምሕረት ዓመት ፍሉዩ ትክረት ከምእተወሃበሉ ዝምስክር እዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.